banner

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ቀዳማይ ኤርትራዊ ጳጳስ “ድኅሪ 57 ዓመት እንክዝከሩ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ተዘከሩ መኳንንቲክሙ ዘነገሩክሙ ቃለ እግዚአብሔር ወእንዘ ትሬእዩ ሠናየ ግእዞሙ ተመሰሉ በሃይማኖቶሙ/ 

ቃል እግዚአብሔር ንዝነገርኹም መምህራንኩም ዘክሩ። ከመይ ኢሎም ከምዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር ሃይማኖቶም ሰዓቡ። ዕብ. 13፡7

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ቀዳማይ ኤርትራዊ ጳጳስ “ድኅሪ 57 ዓመት እንክዝከሩ”

ጥበበኛ ሰሎሞን “ካብ ጽቡቅ ሽታስ ጽቡቅ ስም ይበልጽ’ ከምዝብል (መጽ. መክብብ 7፡1) ጽቡቅ ስምን ጽቡቅ ታሪኽን ዘለዎ ሰብ ዋላ ብሥጋ እንተ ኣዕረፈ ብመንፈስ ሕያው ስለዝኾነ እቲ ታሪኹን ስሙን ከም ኣልማዝን ዕንቍን በብጊዜኡ ክበርህን ክዅላዕን እዩ ዝነብር። ዝኽሩ’ውን ኣይርሳዕን’ዩ።

ጽቡቅ ስምን ሠናይ ታሪኽን ካብ ዘለዎም ጳጳሳት ሓደ፡ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ እዮም። ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ብሥጋኦም ካብዚ ዓለም እንተ ተፈልዩን ሥጋኦም ትሕቲ መሬት እንተኾነ’ኳ ስሞም ልዕሊ መሬት ብምዃኑን ታሪኾም’ውን ልዕሊ ደመናት ኮይኑ ስለዝርከብ እንሆ ካብዚ ምድራዊ ዓለም ካብ ዝፍለዩና ድኅሪ 57 ዓመት ንዝክሮም ኣሎና።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ተስፋ እግዚእን ዘጊዮርጊስን፣ ኣደኦም ወ/ሮ ወርቁ ኤልሳዕን ዕለተ ዓርብ 25 ታኅሣሥ 1877 ዓ.ም. (3/01/1885 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ - ሰሳሕ እትበሃል ዓዲ ተወሊዶም።

ኣብ 40 መዓልቲ ጸጋ ክርስትና ሃብተ ውልድና ኣብ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ካርነሽም ደቂ ጴጥሮስ ተጠሚቖም፡ ስሞም ግብረ ኣምላክ ተባህሉ።

ኣደኦም ወ/ሮ ወርቁ ውላድ ስኢነን ድኅሪ ምጽናሕ ስለዝወለዳ እዚስ ግብረ ኣምላክ፡ ሥራሕ ኣምላኽ ሰለዝበላ እዩ።

ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስ በጽሑ ኣብ ዝተወልድሉ ዓዲ ሰሳሕ፡ ንመዓርገ ዲቁና ዘብቅዕ መሠረታዊ ትምህርቲ ምስ ተማህሩ ናብ ገዳም ደብረ ኮል ኣቡነ ብሩከ ኣምላክ መራጉዝ ብምኻድ ግብረ ክህነት ተማህሩ። ብድኅር’ዚ ናብ ጐንደር ከይዶም ትምህርተ ቅኔን ጸዋተወ ዜማን ተማሂረ ክምለስ እየ ኢሎም ኣብ ዝዳለውሉ ዝነበሩ እዋን በታ ክብገሱላ ዝመደቡ ለይቲ፡ ናብ ጐንደር ካብ ምኻድ ዝኽልክል ዘድንቕ ሕልሚ ረኣዩ። ፍቓድ እግዚአብሔር ከምዘይተሓወሶ ተረዲኦም ካብ ገዳም ኣቡነ ብሩክ ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን ኣምርሑ። ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን እናደየቡ ከለዉ ኣብቲ ዓቐብ ብቁመትን መልክዕን ማዕረ ዝኾኑ ሠለስተ ሽማግለታት መነኮሳት፡ “እዚ ገዳም’ዚ ክፍልኻ እዩ ዓቢይ በረኸትን ጸጋን ትረኽበሉ ስለዝኾነ ኣጆካ ኣይትፍራህ’ ኢሎም ባሪኾምን መሪቖምን ኣፋነውዎ እሞ ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን ኣተዉ። ምሥጢር ናይቲ ዝረኣይዎ ሕልሚ ኵሉ ንደብረ ቢዘን ዘመልክት ከምዝነበረ ተረድኡ።

በቲ ዝተዋህቦም ንቅሓተ ሕልናን ትግሃት ሥራሕን ንነዊኅ ዓመታት እናተማህሩ ንኣረጋውያን ይረድኡን ንማኅበር የገልገሉን ነበሩ። ርድእናኦምን ኣገልግሎቶምን ተመዚኑ ‘ይግብኦም እዩ’ ምስ ተባህሉ ኣብ 20 ዓመት ዕድመኦም “ኣነ ምውት በኀበ ዓለም፡ ወዓለምኒ ምውት በኀቤየ/ ኣነ ንዓለም ምውት ከም ዝኾንኩ ዓለም ከኣ ብኣይ ምውቲ እያ” (ገላ. 6፡14) ኢሎም ኣርዑት ምንኵስና ኣስኬማ መላእክት ንምሽካም ወሲኖም፡ ብኣበምኔት ደብረ ቢዘን ዝነበሩ ኣባት ዓምደ ማርያም መንኮሱ።

ዋላ’ውን ምስ መንኮሱ ቃለ እግዚአብሔር ናይ ምምሃር ሃረርታ ስለዝነበሮም፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናተዘዋወሩ ካብ መምህር ተክለ ሃይማኖት ወልደ ሩፋኤል ንትምህርተ ቅኔን ኣገባቡን፡ ካብ መምህር ገብረ ሕይወት ትምህርተ ዜማ ምዕራፍን ጾመ ድጓን፡ ናብ ደብረ ኣባይ ብምኻድ’ውን ኣብቶም ዋና መምህር ቅዳሴ ኣፈ መምህር ገብረኪዳን ሃብተ ማርያም ንትምህርተ መዝገብ ቅዳሴ ብዝግባእ ተማሂሮም ኣመስከሩ።

ፍቕሪ ገዳሞም ዘይተፈልዮም ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ቃለ እግዚአብሔር ሰኒቆም ናብ ገዳሞም ደብረ ቢዘን ተመሊሶም ከም ቀደሞም ኣገልግሎቶም ቀጸሉ።
መንፈሳዊ ሓሳቦም ሰፊሕ፡ ኣእምሮኦም ረቂቅ ስለዝነበሩ ብማኅበር ደብረ ቢዘን ኣፈ መምህር ተባሂሎም ንነዊኅ ጊዜ ኣገልገሉ። ቀጺሎም ድማ ብማኅበር ደብረ ቢዘን ተመሪጾም ‘እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ’ (መዝ. 83/84፡7) ተባሂሎም ኣብ ትግራይ (ኣውራጃ ዓድዋ፡ ወረዳ ላዕላይ ዓዴት) እትርከብ ብደብረ ቢዘን እትመኃደር ገዳም ‘ደብረ ገነት’ መምህር ተባሂሎም ተሠየሙ። ከም ዝፍለጥ ኣብ ደብረ ቢዘን ኣበምኔት ዝሽየም ኣቐዲሙ ኣብ ደብረ ገነት’ዩ ዝሽየም፡ እዚ ኸኣ ምምኅዳራዊ ዓቕሙ፡ መንፈሳውነቱን ፍልጠቱን ንኽምዘንን ክሙከርን እዩ።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ፡ ኣብ ደብረ ገነት ስብከተ ወንጌል ከስፍሑን ሥርዓተ ገዳም ከቁሙን ልምዓትዊ ዕዮታት ክፍጽሙን ድኅሪ ምጽናሕ፡ ኣበምኔት ደብረ ቢዘን ዝነበሩ ኣባት ዓምደ ማርያም ስለዝዓረፉ፡ ብማኅበር ደብረ ቢዘን ተመሪጾም ጥር 1923 ዓ.ም. ኣበምኔት ገዳም ደብረ ቢዘን ኮይኖም ተሸየሙ።

ብድኅር’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ተዛሪቦም ዘስምዑ፡ ሰቢኾም ዘእምኑ በሊሕ ስለዝነበሩ ምስቲ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ዘመኃድር ዝነበረ ጣልያን እናተኸራኸሩ ብዙኅ መንፈሳውን ልምዓታውን ኣበርክቶ ንደብረ ቢዘን ኣበርኪቶም’ዮም። ናብ ደብረ ቢዘን ዝበጽሕ ተለፊሪካ ኣዘርጊሖም ጠሓኒት እኽሊ መኪና ኣእትዮም። ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ሓፃውንቲ እናተተኽለ፡ ጠዋሉ እናተረብረበሉ ኣብ ውሽጢ 40 መዓልቲ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሓኒፆም።
ኣብ ከተማ ሰገነይቲን ኣብ ሰሳሕን’ውን ብፍጹም ኦርቶዶክሳዊ እምነት ኣገልግሎተ እግዚአብሔር ዝፍጸመሉ ቤተ ክርስቲያን ሓኒፆም እዮም።

ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ባህልን ሥርዓትን መንፈሳዊ ታሪኽን ንኽሕሎ በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዓቢይ ተጋድሎ ሰማዕተ ወንጌል ዘጸውዕ ክሳብ ቤተ ማእሠርቲ ተኣሢሮም ከም ዝነበሩ ይንገር። ከምዝፍለጥ ገዳም፡ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ሱባኤ ዝኣትውሉ መካነ ባሕታውያን ቦታ ስለዝኾነ ሰሓቅ፡ ቀልዲ፡ ጠበንጃ ምትኳስ ይትረፍ፡ ቁም ነገር ንምዝራብ እኳ ዓው ኢልካ ምዝራብ ዘይግባእ እዩ። ሓደ እዋን ናብዚ ገዳም ዝመጸ ኢጣልያዊ ጠበንጃኡ ተኲሱ ሰሳሕ ቀተለ። ነዚ ድምፂ ጠበንጃ ዝሰምዑ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ‘ገዳምና ቦታ ኃዳኖ፡ ድምፂ ጠበንጃ ዝስምዓሉ ኣይኮነን’ ብምባል ነቲ ኢጣልያዊ ገሢፆም ጠበንጃኡ ኣኅዲጎም ሰጐጕዎ። ብድኅር’ዚ ነታ ጠበንጃ ኂዞም ካብ ገዳሞም ተበጊሶም ናብ ቤተ መንግሥቲ ጥልያን ኣሥመራ ብምምጻእ ነቲ ላዕለዋይ በዓል ሥልጣን ብሃይማኖታዊ ስምዒትን መንፈሳዊ ትብዓትን ተዛሪቦም፡ ነቲ ጠበንጃ ኣረከብዎ። 

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ኣበምኔት ደብረ ቢዘን ኮይኖም ንሾብዓተ ዓመታት ምስ ኣገልገሉ፡ እቲ ቅድም ብባሕታዊ ኣባ ተክለ ኣልፋ ዝተነግረ ‘ኃሙሽተ ጳጳሳት’ ካብዚ ገዳም’ዚ ክሥየሙ እዮም ዝብል ትንቢት ጊዜኡ በጽሐ። እንሆ ድማ ጽንዓት ሃይማኖቶምን ሥፍሓት ኣእምሮኦምን ተመስኪርሎም፡ 21 ኅዳር 1930 ዓ.ም. ናይ ኤርትራ ቀዳማይ ጳጳስ ኮይኖም ተሠየሙ፡ እቲ ዝተነግረ ትንቢት ድማ ካብ ደብረ ቢዘን ቀዳማይ ጳጳስ ኮይኖም ብእኦም ተጀመረ።

“ወይእዜኒ ዕቀቡ ርእሰክሙ ወኵሎ መራዕየ ዘሎቱ ሤመክሙ መንፈስ ቅዱስ ጳጳሳተ ከመ ትርዐዩ ቤተ ክርስቲያኑ ለእግዚአብሔር እንተ አጥረያ በደሙ/ ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያኑ ንኽትሕልዉ መንፈስ ቅዱስ ጳጳሳት ገይሩ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሴኡን ርእስኹምን ሓልዉ።” (ግብ. ሐዋ. 20፡28) ዝብል ኃይለ ቃል መሠረት ብምግባር ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ጳጳስ ዘኤርትራ ወትግራይ ኮይኖም ምስ ተሠየሙ፡ ብምሉእ ልቦምን ብዅሉ ኃይሎምን፡ ካብ ወገንነትን ዘረኝነትን ናፃ ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ። ኣብ ዝሳተፍዎ ክብረ በዓላት ኣብ ርእስ’ቲ ብጸሎተ ቅዳሴን ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ዘገልግልዎ፡ ነቶም ኣብ ስብሐተ ማኅሌት ቆይሞም ዝኃደሩ ሊቃውንት መዘምራን መጠምጠምያ ሻሽ ናይ ምዕዳል ልማድ ከም ዝነበሮም ይፍለጥ።

 

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ረዳኤ ምንዱባን ለዋህ፡ ንድኻታት ዝረድኡ ከምዝነበሩ ግብሮም ዝምስክሮ’ዩ። ንዝረኸብዎ ጽጉም ባሪኾም ከብልዑን ከስትዩን፡ ንዝረኣይዎ ሽጉር ክረድኡን ክተሓባበሩን ብፍሉይ ዝፍለጥሉ’ዩ።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ኣብ መወዳእታ 40ታትን - መጀመርታ ዓመታት 50ታት ህልው ኵነታት ፖለቲካ ተመልኪቶም ብሚዛን ሃይማኖትን ዝምድናን ለኪዖም ‘ኤርትራ ካብ ኢትዮጲያ ክትፍለ የብላን’ ኢሎም ይከራኸሩ ከምዝነበሩ ኵሉ ዝፈልጦ’ዩ። እዚ ማለት ግና ፍቕሪ ሃገር ኣይነበሮምን ዘስምዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ፍሉይ ፍቕሪ ዝወዳደሮ የለን፡ ልዕሊ ማንም ሰብ ምድሪ ኤርትራ ብፍላይ ወደብ ዓሰብ ተቘሪሱ ንኢትዮጵያ ንኸይወሃብ ክሳዕ ምስ ሐፀይ ኃይለ ሥላሴ ዝገበርዎ ቃልሲን፡ ክርክርን ኣዝዩ ከም ኤርትራዊ ዘሐብኖምን ንኽዝከሩ ዝገብሮምን’ዩ።

ንወደብ ዓሰብ ናብ ኢትዮጲያ ንምጽንባር፡ ብሐፀይ ኃይለ ሥላሴ ዝተሓንፀፀ ዓሰብ ምስ ሃገረ ስብከት ኤርትራ እንከላ፡ ካብኡ ተፈልያ ምስ ሃገረ ስብከት ወሎ ንምምዳባ ብጳጳስ ሀገረ ስብከት ወሎ መርሐ ግብር ተሠሪዑ ብምኽንያት መመረቕታ ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ ጽምብል ተገይሩ ሰበ ሥልጣን መንግሥትን ሊቃነ ጳጳሳትን ኣብ ዓሰብ ተኣኪቦም ነበሩ። ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ዓሰብ ኣብ ትሕቲ ሀገረ ስብከቶም ከላ ብጳጳስ ሀገረ ስብከት ወሎ መርሐ ግብር ተሠሪዑ ምስ ረኣዩ፡ ብትብዓት “ዓሰብ፡ ሀገረ ስብከት ወሎ ኣይኮነትን” ኢሎም ነቲ ጉባኤ ተቓዊሞም ናብ ኣሥመራ ክምለሱ ጕዕዞኦም ኣቕንዑ። ብድኅር’ዚ ‘ነዚ መደብ’ዚ ተቓዊሞም ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ናብ ኣሥመራ ይምለሱ ኣለዉ።” ኢሎም ንሐፀይ ኃይለ ሥላሴ ነገርዎም። ሐፀይ ኃይለ ሥላሴ ድማ ‘ቀልጢፍኩም ምለስዎም፡ እቲ መደብ’ውን ብእኦም ይመራሕ” ኢሎም ትእዛዝ ምስ ኣመኃላለፉ፡ ንብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ኣርኪቦም መለስዎም። ብድኅር’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ኣብቲ ባዕሎም ዝሠርዕዎ መርሐ ግብር ‘ዓሰብ ናይ ኤርትራ እምበር ናይ ወሎ ኣይኮነትን’ ብምባል ነቲ ጥጁእ መደብ ኣፍረስዎ። እቲ መደብ ዝነበረ ኣቐዲምና ንዓሰብ ብመንፈሳዊ ምምኅዳር ጸንቢርናያ እንተ ጸናሕናስ፡ እንቋቍሖ ቀስ ብቀስ ብእግሪ ይኸይድ ከምዝበሃል ብሥጋዊ ምምኅዳር ከኣ ቀስ እናበልካ ንምጽንባራ እዩ። እንተኾነ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ንሃገሮም ኣኅሊፎም ኣይሃቡን፡ ድምፂ ብዘይብሉ መሣርሒ ኵናት ተዋጊኦም’ዮም። በዚ ኸኣ ሃገረ ስብከት ኤርትራ ንከይቍረስ ዝተቃለሱ ሃገሮም ዘኽብሩ ፍቅረ ሃገር ዝነበሮም ጳጳስ ተባሂሎም ንኽዝከሩ ይገብሮም።

እዚ ነገር’ዚ ካብ ዝተፈጸመሉ ጊዜ ጀሚሮም ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ምስ ቤተ ክህነትን ቤተ መንግሥትን ተቀሓሒሮም ስለዝነበሩ፡ ካብ ኤርትራ ተኣልዮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽቅመጡን ካብኣ ንኸይወፅኡን ተወሲንሎም ነበረ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ከይወፅኡ’ውን ንኽልተ ዓመት ጸንሑ።

በቲ ጊዜ እቲ ግና ካብ ኣዲስ ኣበባ ዘውፅእ ኵነታት ኣጋጠመ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ፓትርያርክ ዘግብጽ ኣብ ኢትዮጲያ በጺሖም ዑደቶም ፈጺሞም ንሃገሮም ግብጺ ብወደባዊት ከተማ ባጽዕ (ኤርትራ) ክምለሱ ስለዝደለዩ ዘሰንዮም ጳጳስ ተደልየ። “ነቲ መንገዲ ብዘይ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ካልእ ዝፈልጦ ስለዘየለ ንሶም ይኺዱ” ተባህለ። ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ድማ ነቲ ዝተባህለ ተቐቢሎም፡ ቅድሚኡ ገይሮሞ ብዘይፈልጡ ልምዲ ንዅሎም ጳጳሳት በብሓደ እናዞሩ ‘ድኅሪ ሕጂ ንራኸበሉ ጊዜ ዘሎ ኣይመስለንን እሞ ደኃን ኩኑ” እናበሉ ተሰናበትዎም።

ብድኅር’ዚ ንፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ኣሰንዮም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣሥመራ መጽኡ። መንገዶም ብመኪና ብምቕጻል ድማ ካብ ኣሥመራ ናብ ባጽዕ ኣቕኒዖም፡ ታሕታይ ደንጎሎ ምስ በጽሑ እታ ዝነበርዋ መኪና ተገልበጠት። ተጐዲኦም ናብ ሆስፒታል እቴጌ መነን ናይ ሕጂ መካነ ሕይወት - ኦሮታ (ኣሥመራ) ሕክምናዊ ረድኤት እናተገብረሎም ድኅሪ ምጽናሕ ዕለተ ረቡዕ 7 ኅዳር 1953 ዓ.ም.ግ. (16 ኅዳር 1960 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ 77 ዓመት ዕድሚኦም ዓረፉ። ኣብ ዝዓረፍሉ እዋን ኵሉ ክፍልታት ሆስፒታል መብራህቲ ክጠፍኦ ከሎ በይኖም እታ ዝነበርዋ ክፍሊ ግና ብተኣምራታዊ ብርሃን ተብርህ ከም ዝነበረት ናይቲ ሽዑ ሠራሕተኛታት ሆስፒታልን ንዕኦም ዝኣልዩ ዝነበሩን ዝምስክርዎ ሕያው ምስክር’ዩ።

ኣስከሬን ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ካብ ሆስፒታል ወፂኡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ምስ በጽሐ ካብ ምሉእ ሃገር ኤርትራ ዝመጽኡ ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ሕዝበ ክርስቲያንን ዝተሳተፍዎ ጸሎተ ፍትሓት ተገብረ። ንሥርዓተ ቀብሪ ድማ ናብታ ዝዓበዩላን ዘገልገልዋን መንፈሳዊት ኣደኦም ገዳም ደብረ ቢዜን ኣቕንዑ። ብለባስያን ውሉደ ክህነትን ሕዝበ ክርስቲያንን ተዓጂቦም ናብ ደብረ ቢዘን ኣብ ዝኸድሉ ዝነበሩ ጊዜ፡ ነቲ ቅድስናኦም ንምግላጽ እተን ብደመ ነፍስ ሕያዋን ኮይነን ዝነብራ ረጋቢት እናበረራ ካብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ቤተ ጊዮርጊስ ከም ደመና ረቢበን ከምዘሰነይኦም ሕዝቢ ዝምስክሮ’ዩ።

ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን በጺሖም ግብኣተ መሬት ኮይኑ ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ከሎ፡ ንኽብሮም 36 ጠበናጁ ክትኰስ ብመንግሥቲ ስለ ዝተኣዘዘ እቶም ወተሃደራት ቃታኦም ስሒቦም ክትኵሱ ደጋጊሞም እንተፈተኑ’ኳ ኣበዮም። ብድኅር’ዚ ሥርዓተ ቀብሪ ተፈጺሙ ከተማ ነፋሲት ምስ በጽሑ ግና እተን ምትኳስ ዝኣበያ ጠበናጁ ተኰሳ፡ እዚ ዝተገብረ ናይ ኣጋጣሚ ዘይኮነስ እቲ ሕይወቶም ከለዉ ኣብ መካነ ባሕታውያን ድምፂ ጠበንጃ ክስማዕ ኣይግባእን ኢሎም ክሳዕ ላዕለይ ቤተ መንግሥቲ ጥልያን ዝተኸራኸርሉ ዘጕልሕ ብድኅሪ ዕረፍቶም ዝተፈጸመ ተኣምር እዩ።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ከምቶም ቀዳሞት ቅዱሳን ኣቦታቶም በዓል ኣቡነ ፊልጶስ፡ ኣቡነ ዮሓንስ፡ ኣቡነ ሊባኖስ መጣዕ . . . ዝፈጸምዎ ካልእ ተኣምር’ውን ኣሎ። ኣብታ ሓደጋ መኪና ዘጋጠመቶም ካብ ደንጐሎ ኣስታት 25 ኪ.ሜ. ርሒቃ ትርከብ ቦታ ማይ ፈልፊሉ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ህልም ዝበለ በረኻ ኣብ ጥቓኡን ከባቢኡን ፈልፋሊ ማይ ዝበሃል ኣይነበረን። ካብታ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ብሓደጋ መኪና ዝወደቁላ ጊዜ ጀሚሩ ግና በዚ መጽአ ዘይበሃል ፈልፋሊ ማይ ተረኽበ። በዚ ኸኣ ነዛ ቦታ’ዚኣ ‘ማይ ኣቡን’ በልዋ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ‘ማይ ኣቡን’ እናተባህለት ካብኣ ሕሙማን ተሓፂቦም ክፍወሱ ምርኣይ ቅድስና ናይዞም ኣቦ ዘመስክር’ዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ተዘከሩ መኳንንቲክሙ ዘነገሩክሙ ቃለ እግዚአብሔር ወእንዘ ትሬእዩ ሠናየ ግእዞሙ ተመሰሉ በሃይማኖቶሙ/ቃል እግዚአብሔር ንዝነገርኹም መምህራንኩም ዘክሩ። ከመይ ኢሎም ከምዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር ሃይማኖቶም ሰዓቡ።ነቲ ሠናይ ግብሮም ርኢኹም ከኣ ብሃይማኖት ምሰልዎም።” ከምዝበለና እንሆ ድኅሪ 57 ዓመት ‘ኣቦና’ እናበልና እንዝክሮም ዘሎና፡ እቲ ንኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብስብከተ ወንጌልን መንፈሳዊ ልምዓታዊ ሥርሓትን ቅድስናን ዘበርከትዎ ከምኡ’ውን ንሃገርና ኤርትራ ዝወዓልዎ ውዕለት ክዝከር ስለዘለዎ’ዩ።

ክሳዕ ሕጂ በቶም ምስኦም ዝነበሩ ኣቦታት፡ ኣርድእት(ተማሃሮ)፡ ሠራሕተኛታቶም፡ ሕዝቢ . . . ታሪኾምን ቅድስናኦምን ስለዝትረኽ ዘሎ፡ ንሕና ዘኪርናዮም ኣሎና፣ ዝመጽእ ወለዶ’ውን እናዘከሮም ክነብር እዩ።

“በረኸት ብፁዕ ኣቦና ምስ ኵልና ይኹን!”

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

ምንጪ፦ መጽሐፍ ታሪክ ብፁዕ አቡነ ማርቆስ ብመምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ ዝተጻሕፈ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195