banner

ሓዋርያዊት ቅድስት ቴክላ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሓዋርያዊት ቅድስት ቴክላ

ኣብ ዘመነ ስብከቱ ንሐዋርያ ጳውሎስ ዝስዕባ ካብ ዝነበራ ቅዱሳት ኣንስት ሓንቲ ቅድስት ቴክላ እያ።

ኣብ ዝተወለደትሉ ሃገር ኒቆምድያ ኣብ ቤት ሓደ ስፋሮስ ዝስሙ ምእመን ኮይኑ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንብዙኅ ሕዝቢ ይምህር ነበረ። ቴክላ ድማ መስኮት ቤታ ከፊታ ንትምህርቱ ትሰምዕ ነበረት። ትምህርቱ ምስ ሰምዐት ንሠለስተ መዓልትን ለይትን እክለ ማይ ከይበልዐት ቀነየት። ትምህርቱ ድማ ኣብ ልባ ኃደረ እሞ ኣሰሩ ሰዓበት። ኣቦኣን ኣደኣን ግና መምለኽቲ ጣዖት ስለዝነበሩ እምብዛ ኃዘኑ። ኵሎም ቤተ ሰባ ከይተረፉ’ውን ንሓዋርያ ጳውሎስ ንኸይትቕበል ኣምሪሮም ለመንዋ። እንተኾነ ግና ካብ ቃለ እግዚአብሔር ካብ ፍቅረ ክርስቶስ ክፈልይዋ ኣይተኻእሎምን። ሮሜ 8፡35


ኣቦኣ፡ ዓቕሉ ጸቢብዎ ናብ ዲማኖስን ርምጋኖስን ዝበሃሉ ደያኙ ከሲሱ ኣቕረባ። እንተኾነ ኣገዲዶም ካብ ዕላማኣ ከታርፍዋ ኣይከኣሉን። ደጊሙ ኣቦኣ ንሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ንጉሥ ከሰሶ። ንጉሥ ንሓዋርያ ጳውሎስ ኣጥቢቑ እኳ እንተ መርመሮ ዘቕጽዕ ገበን ኣይረኸበሉ። ትምህርቱ ስለዘይኃደገ ግና ኣብ ቤት ማእሠርቲ ዳጐኖ። 

ቅድስት ቴክላ፡ ነቲ ዘጌጸ ክዳውንታን ክቡር ስልማታን ደርብያ ናብቲ ቤተ ማእሠርቲ ብምኻድ ኣብ እግሪ ቅዱስ ጳውሎስ ሰገደት፡ ምስኡ እናተማህረት’ውን ተቐመጠት። ሥድራ ቤታ ደልዮም ሰኣንዋ። ሰባት ምስ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዘላ ነገሩዎም እሞ ኣብ መኰንን ኣክሲሶም ብእሳት ከቃጽሉዋ ተኣዘዘ። ኣደኣ ወላዲታ ከይተረፈት ጨቀነትላ። “ብዙኃት ኣንስቲ ንዕኣ ርእየን ምእንቲ ክስክሓ፡ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ኣንስት ብሓዊ ክትቃጸል ኣለዋ።” በለት።

ብእሳት ከቃጽሉዋ ናብቲ ሓዊ ወሰዱዋ። ንሓዋርያ ጳውሎስ’ውን ክትነድድ ከላ ምእንቲ ክሪኣ ናብኣ ወሰድዎ። እናጸለየ ብትእምርተ መሰቀል ኣማዕቲቡ ባረኻ። ብድኅር’ዚ ቅድስት ቴክላ፡ ዘሊላ ናብቲ እሳት ኣተወት፣ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብንብዓት ተጋጬባ። እግዚአብሔር ግና ብርቱዕ ዝናምን በረድን መብረቕን ሰዲዱ ነቲ ሓዊ ኣጥፊኡ ከም ዝሑል ማይ ገበረላ። ገለ ከይተጐድአት ድማ ወፅአት።

ናብቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ቦታ ከይዳ ደድኅሪኡ ኽትስዕብ ክፈቕደላ ለመነቶ። ንሱ ምስ ፈቐደላ ምስኡ ናብ ሃገረ ኣንጾኪያ ከደት። ሓደ ካብቶም መኳንንት፡ ብፆር ዝሙት ተሰኒፉ ነዓይ ተመርዓውኒ እናበለ ምስ ተፈታተና “ ኣነ መርዓት ክርስቶስ እየ። ንስኻን ኣማልኽትካን ግና ዝተረገምኩም ኢኹም” ብምባል ዘለፈቶ። ብድኅር’ዚ ተቘጢዑ ናብ ኣመኃዳሪ ናይታ ሃገር ከሰሳ። ንሱ ድማ ናብ ጕድጓድ ኣናብስት ክድርብይዋ ኣዘዘ እሞ ናብ ኣናብስት ደርበይዋ። እቶም ኣናብስት ግና ንኽልተ መዓልቲ ዝኣክል እግራ እናላሓሱ ብኽብሪ ሓለዉዋ። ኣብ መንጎ ኽልተ ኣብዑር ኣሲሮም’ውን ናብ ኵሉ ሃገር ጐተቱዋ። እንተኾነ ግና ዋላ ሓንቲ ኣይኮነትን።

ብድኅር’ዚ ናብ ቅዱስ ጳውሎስ ከደት። ንሱ ድማ ኣብ ሃይማኖታ ኽትጸንዕን ድኅሪ መከራ ዘሎ ዓስቢ ክትጥምትን ናብ ቆሎንያ እትብሃል ዓዲ ከይዳ ወንጌል ኽትሰብኽን ነገራ። ናብ ቆሎንያ ከይዳ ብስም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰበኸት። ቀጺላ ድማ ናብታ ዝተወለደትላ ዓዲ ብምኻድ ነቦኣን ነዲኣን ኣእሚና ናብ ቅድስት ሃይማኖት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ማኅበረ ክርስቲያን ጸንበረቶም።

ሃይማኖት ኣጽኒዓ፡ ስብከተ ወንጌል ኣስፊሓ ሠናይ ገድሊ ተጋዲላ፡ ጕያኣ ምስ ወድአት ድማ ኣኽሊል ዓወት ተቐቢላ 25 ሐምሌ ብሰላም ዓረፈት። ካብቲ መቓብራ ክሳዕ ሕጂ ተኣምር ይግበር ኣሎ።

ብጸሎት ቅድስት ቴክላ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዅልና ሕዝበ ክርስቲያን የሓልወና፡ ኣሜን።

ሰላም እብል ለሐዋርያዊት ቴክላ፣
እግዚአብሔር ዘአኃየላ፣
ኢያቍሰሉዋ አናብስት ወእቶነ እሳት ኢያህለላ፣
ሶበ ትምህርተ ጽድቅ ሰምዓት ከመ ጳውሎስ ይቤላ፣
ኀደገት አበዊሃ ወገደፈት ብዕላ።

ትርጕም ፦
ኣናብስት ከየቍሰሉዋ እቶነ እሳት ከየቃጽላ እግዚአብሔር ኃይሉ ሂብዋ ትምህርቲ ጽድቂ (ሓቀኛ) ናይ ጳውሎስ ሓዋርያ ሰሚዓ ሃብቲ ናይ ኣዲኣን ኣቦኣን ዝገደፈት ሓዋርያዊት ቴክላ ሰላም እብል።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195