banner

ልሳነ ግእዝ - መራሕያን 4ይ ክፋል ኣረፍተ ነገር በዘቀዳሚ ዘፈነውኖ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ልሳነ ግእዝ - መራሕያን 4ይ ክፋል፦ ኣረፍተ ነገር በዘቀዳሚ ዘፈነውኖ

ዘ፡ ዚአሁ፡ በእንቲአከ፡ . . .

1. ክርስቶስ ወረደ እምሰማይ ለመድኃኒተ ዚአሁ ለአዳም። / ክርስቶስ ንድኅነት ኣዳም ካብ ሰማይ ወረደ።
2. ተሰብአ እምድንግል ለመድኀኒተ ዚአነ። / ንድኅነትና ካብ ድንግል ሥጋ ለበሰ።
3. ኦ ክርስቶስ ዚአከ ሰማያት ወምድር።/ ኦ ክርስቶስ ሰማያትን ምድርን ናትካ እዩ።
4. ኦ ውሉድየ ዘዚአክሙ ዚአየ ውእቱ፣ ወዘዚአየ ዚአክሙ፡፡ /ኦ ደቀየ እቲ ናታትኩም ናተይ እዩ። እቲ ናተይ ከኣ ናታትኩም እዩ።
5. በእንቲአኪ ተርኅወ ገነት / ገነት ምእንታኪ ተከፈተ።


6. በእንተ ማርያም መሐረነ ክርስቶስ። / ምእንቲ ማርያም ኢልካ ክርስቶስ መሓረና።
7. ዛቲ ቤት ዚአክሙ። / እዛ ቤት እዚአ ናታትኩም እያ።
8. ጸውዐ እሊአሁ አርድእተ። / ነቶም ናቱ ደቀ መዛሙርት ጸውዐ።
9. መጽአ ኀበ እሊአሁ። / ናብቶም ናቱ መጽአ።
10. እማንቱ ገማዕው እሊአሆን። / እዘን ዓታሩ ናታተን እየን።

“ኪያሁ፡ ኪያሆሙ፡ ኪያሃ . . .

1. ኪያሁ ጸውዑ። / ንእኡ ጸውዑ።
2. ኪያሆሙ ቀሠፉ።/ ንእኣቶም ሃረምዎም።
3. ኪያሃ ኣፍቀሩ።/ ንእኣ ኣፍቀሩ።
4. ኪያሆን ጸውዑ። / ንእኣተን ጸወዕወን ።
5. ኪያከ ንሴብሕ እግዚኦ።/ ኦ ጐይታ ንኣኻ ነመስግን።
6. ኪያክሙ ኀርየ ክርስቶስ። / ክርስቶስ ንኣኻትኩም ኃረየ።
7. ኪያኪ ሠናይተ ዘፈጠረ ይትአኰት እግዚአብሔር። / ንኣኪ ሠናይት ዚፈጠረ እግዚአብሔር ይመስገን።
8. ኪያክን ጸውዐ ሐራዊ።/ እቲ ወተሃደር ንኣኻትክን ጸውዐ።
9. ይቤ ሳጥናኤል ኪያየ ሰብሑ። / ሳጥናኤል ንኣይ ኣመስግኑ በለ።
10. ኪያነ ረሰየ አርድእቶ።/ ንኣና ደቀ መዛሙርቱ ገበረና።

“ለሊሁ፡ ለሊሆሙ፡ ለሊሃ፡ ለሊሆን፡ ለኪ፡ ለሊክሙ . . .

1. ለሊሁ ወረደ ውስተ ምጥማቃት።/ ናብ መጠመቒታት ባዕሉ ወረደ።
2. ለሊሆሙ ሰቀሉ ክርስቶስሀ። / ንሳቶም ባዕላቶም ንክርስቶስ ሰቐልዎ።
3. ለሊሃ ተሐውር ኀበ መቃብር በነግህ። /ንሳ ብንግሆ ናብ መቓብር ትኸይድ ።
4. ለሊሆን ኣጥመቃ ደቂቆን ። / ደቀን ባዕላን ማይ ሓፀባ።
5. ለሊከ ተጠመቀ። / ባዕልኻ ተሓጸብካ።
6. ለሊክሙ ኣስተዳልዉ ዘትፈቅዱ። / ዝደለኽምዎ ባዕልኻትኩም ኣሰናድኡ።
7. ለሊኪ ጸውዓኪ ምትኪ። ንኣኺ በዓል ቤትኪ ጸዊዑኪ።
8. ለሊክን አእምራ ሠናየ ወእኩየ።/ ባዕልኻትክን ጽብቕን ሕማቕ ፍለጣ።
9. ለልየ በእዴየ ለሐኵዋ ለድንግል። / ንድንግል ኣነ ባዕለይ ብኢደይ ፈጠርክዋ።
10. ለሊነ መጻእነ ኅቡረ። / ንሕና ብኃባር መጻእና።

“በእንተ፡ በእንቲአሁ፡ . . . 

1. በእንተ አብርሃም ፍቁርከ መሐረነ። / ምእንቲ ፍቁርካ ኣብርሃም መሐረና።
2. በእንቲአሁ ተሰቅለ ክርስቶስ። / ክርስቶስ ምእንታኡ ተሰቕለ።
3. በእንቲአሆሙ ለአበዉ ሐመ ወልድ። / ወልድ ምእንቲ አበው መከራ ጸገበ።
4. በእንቲአሃ ለማርያም ተርኅወ ገነት። /ገነት ምእንቲ ማርያም ተራኅወ።
5. በእንቲአሆን ተፈጥሩ ዕደው። / ሰብኡት ምእንታአን ተፈጥሩ።
6. በእንቲአከ ድኅነ እሞት።/ ምእንታኻ ካብ ሞት ደኃንና።
7. በእንቲአክሙ መጽአ ዝ ኵሉ ነገር።/ እዚ ኵሉ ነገር እዚ ምእንታኩም መጽአ።
8. በእንቲአኪ ኀሠሡነ ይቅትሉነ። / ምእንታኺ ኺቐትሉና ደለዩና።
9. በእንቲአክን ሞቱ ሰማዕት። / ምእንታኽን ሰማዕታት ሞቱ።
10. በእንቲአየ ወበእንተ ውሉድየ ሐመ። / ምእንታይን ምእንቲ ደቀይን መከራ ጸገበ።
11. በእንቲአነ ወበእንተ መድኀኒትነ ወረደ እምሰማያት። / ምእንታና ምእንቲ ድኅነትና ካብ ሰማያት ወረደ።

"ሎቱ፡ ላቲ . . .

1. ሎ፡ ሎቱ ለርስቱ ገብረ። /ንእኡ ርስቱ ገበርረ።
2. ሎሙ ሞቅሕዎሙ በመዋቅሕት። /ንእኣቶም ብሰንሰለት ኣሰርዎም።
3. ላቲ ይደሉ ክብር ወስብሐት። /ንእኣ ክብርን ምስጋናን ይግባእ።
4. ሎን፡ ቀተልዎን እኩያን ፈያት። /ንእኣተን ርጉማት ሸፋቱ ቐተልወን።
5. ለከ ንሴብሕ ኵልነ። /ኵላትና ንኣኻ ነመስግን።
6. ለክሙ እብለክሙ ኣዕርክትየ። /ንኣኻትኩም ኣዕርኽተይ እብለኩም ኣሎኹ።
7. ለኪ ሰላም። /ንኣኺ ሰላም ይግባእ።
8. ለክን ይብለክን ሑራ። /ንኣኻትክን ኪዳ ይብለክን።
9. ለልየ በእዴየ። /ኣነ ብገዛእ ኢደይ።
10. ለነ ሰአሊ ቅድስት። /ቅድስቲ ንኣና ለምንልና።

"ቦ፡ ቦሙ . . .

1. ቦ ሕይወት ዘለዓለም። / ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ።
2. ቦሙ ሙሴ ወነቢያት። / ሙሴን ነቢያትን ኣለውዎም።
3. ባቲ ክልኤቱ ውሉድ። / ክልተ ውላድ ኣለወዋ።
4. ቦቶን ዕደው። ሰብኡት ኣለውወን።
5. ብከ ንወግኦሙ።/ ብኣኻ ንወግኦም።
6. ብክሙ ፍቅር ወሰላም። / ፍቕርን ሰላምን ኣሎኩም።
7. ብኪ ግርማ ራእይ። / መልክዕ ጽባቐ ኣሎኪ።
8. ብክን መዝሙር ወከበሮ። / ከበሮን መዝሙርን ኣሎክን።
9. ብየ ሥልጣነ መባሕት እቅትልከ። ክቐትለካ ፍቓድ ሥልጣን ኣሎኒ።
10. ብነ ሱታፌ ምስሌሁ።/ ምስኡ ሓድነት ኣሎና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195