banner

መቅድም ውዳሴ ማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

መቅድም ውዳሴ ማርያም

ነዚ መጽሓፍ እዚ ዝደረሶ ኤፍሬም ሶርያዊ፥ ኤፍሬም ለብሓዊ እዩ። ሶርያዊ ዝተባህለ ብሃገሩ ኮይኑ ለብሓዊ ድማ ብተግባሩ እዩ። እዚ ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ያዕቆብ ዘንጽቢን ወደ መዝሙር እዩ። ያዕቆብ ዘነጽቢን ድማ ካብቶም 318 ሊቃውንቲ እዩ። ‘ለአውግዞተ አርዮስ’ ክኸይድ ከሎ ምስ ከይዱ ነበረ። ንኣርዮስ ኣውጊዞም ሃይማኖት ኣጽኒዖም ኣብ ዝኃደርዎ ቦታ፥ ካብ ምድሪ ክሳብ ሰማይ ዓምደ ብርሃን ተተኺሉ ረኣየ። ከምቲ ነዚ ራእይ ዝገለጽካለይ ‘በዓል ቤቱ መን ምዃኑ ግለጸለይ’ ኢሉ ናብ እግዚአብሔር ኣመልከተ። ዝተኣዘዘ መልኣኽ መጺኡ እዚ ‘ባስልዮስ ዘቂሳርያ’ እዩ።

ጽኑዕ ዓምዲ ቤተ ክርስቲያን ስለዝኾነ፡ ንልቢ ምእምናን ብትምህርቱ ስለ ዘብርህ ብኸምዚ ዓይነት ኣርኣያ ረኣኻያ’ በሎ። ቅዱስ ባስልዮስ ድማ ቍጽሩ ምስቶም 318 ሊቃውንቲ እዩ። ብምኽንያት ሕማም ድዩ እርጋን ኣይከደን። ዝተረፈሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን። ድኅር’ዚ ቅዱስ ኤፍሬም ‘ንመምህር ኣብ ቦታኡ ከየብጻሕካ ኃዲግካዮ ኽትከይድ ኣገባብ ኣይኮነን’ ብምባል ንመምህሩ ናብ ቦታኡ ኣብጺሑ ስለ ሠለስተ ነገር ናብ ቅዱስ ባስልዮስ ይኸይድ።

1. ምስ ከምዚ ዓይነት ሰብ እንተ ተዛሪብካ መንፈሳዊ ቁም ነገር ይርከብ’ዩ ብምባል።
2. ‘ብዕዝንኻ ዝሰማዕካዮ ብዓይንኻ ክትርእዮ ከለኻ ብሩህ ይኾነልካ’ ብምባል።
3. ናይ መንፈስ ቅዱስ ድዩ ወይስ ሰይጣን እዩ ኣዘንጊዕኒ’ ብምባል

ናብ ቂሳርያ ከደ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ግና ከምቲ ዝረኣዮ ኮይኑ ኣይረኸቦን። ኣብ ወርቂ መንበር ተቐሚጡ፡ ኣብ ወርቂ ኣትሮኖስ ወርቃዊ ወንጌል ዘርጊሑ (ወንጌለ ወርቅ)፡ ካባ ላንቃ ለቢሱ፡ ወርቃዊ ጭራ ኂዙ ከስተምህር ረኸቦ። “ወተሐዘቦ ልቡ ለኤፍሬም ከመ ባስልዮስ ሥጋዊ ውእቱ” ከም ዝብል። “እስመ ምሥጢራት ይትከሠታ ለትሑታን እስመ ውስተ ምይንት ነፍስ ኢተኃድር ጥበብ፡ ወይሬእዩ ርእሶሙ ከመ መንፈስ እንተ ኃለፈት” ይብል። ንመንፈስ ቅዱስ’ዶ ክልተ ግብሪ ኣለዎ እዩ፧ ወይሲ ሰይጣን ኣደናጊርኒ ይኸውን ኢሉ ክሓስብ ከሎ ኣርባዕተ ነገራት ርእዩ ይርዳእ፦

1. ካብ ኣፉ ነጸብራቅ እሳት እናወፅአ ነቶም ሕዝቢ ክዋሓዶ ይርኢ፡ እዚ ስብከተ ወንጌሉ እዩ።
2. ርግብ መጺኣ ኣብ ርእሱ ክትዓልብ ይርኢ።
3. ተሓዋስያን ኣብ ልብሱ እንተ ዓለቡ ኣብ ሓዊ ከም ዝኣተወ ጅማት ሕርር ኩምትር ኢሎም ክረግፉ ረኣየ። እዚ ድማ መናፍቃን ፍጡር ፈጣሪ ይመስል ኢሎም ክቃወሙ ይቐርቡ’ሞ ኣይፈርስን’ዩ ናብ ከዊነ እሳት በጺሑ ስለ ዝነበረ።
4. ስሙ ከይፈለጠ፡ ሃገሩ ከይሓተተ ‘ኤፍሬም ሶርያዊ ኤፍሬም ለብሐዊ ኢልኩም ኣብ መዓዝነ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ወገን ኮይኑ ይጽልየልኩም ኣሎ’ሞ ጸውዑለይ’ በሎም።

ብኣስተርጓሚ ክዘራረቡ ከለዉ እቲ ብኣስተርጓሚ ዝዘራረብዎ ዝነበሩ ስለ ዘየዕገቦ ‘ኣቦይ ጸሊ’ሞ ናትካ ቋንቋ ነኣይ ይገለጸለይ’ በሎ። ምስ ጸለየ ናይ ባስልዮስ ቋንቋ ጽርእ ንቅዱስ ኤፍሬም፡ ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ቋንቋ ሱርስት ድማ ንቅዱስ ባስልዮስ ተገሊጽሎም ክዘራረቡ ኃደሩ። ምስ ወግሐ ‘እምበኣር ኣፋንወኒ ክኸይድ’ በሎ። ንሱ ድማ ‘ኽትቅመጥ እምበር መዓስ ክትከይድ ኣምጺኡካ’ ኢሉ ሕዝባዊ እዩ እንተበሉ ዲቁና፣ ዲያቆን እዩ እንተበሉ ቅስና ሸይሙ ካብ ሃገረ ስብከቱ ሃገር ከፊሉ ኣስተምህር ኢሉ ሃቦ።

ድኅር’ዚ ካብ ኣዝማድ ነገሥት ሓንቲ ሰበይቲ ኃጢአታ ስለ ዝበዝኃ ከምኡ’ውን ንምንጋሩ ስለ ዝፈርሐት እናጸሓፈት ተቐምጥ ነበረት።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ብጥቕሉሉ ኂዛ “ኣብዚ ዘሎ ኃጢአትኪ ይደምሰሰልኪ በለኒ” በለቶ። ንሱ ድማ “ይደምሰሰልኪ” በላ። ቅልዕ ኣቢላ እንተ ረኣየት “ዘዕጽብት ለነጊር ወለገቢር/ ንኽትናገረላን ክተተግብራን ከባድ ዝኾነት ሓንቲ ኃጢኣት ጥራይ ተሪፋ ረኣየት። ‘እዚኣኸ ደኣ ኣቦይ’ በለቶ። ‘እዝስ ንቅዱስ ኤፍሬም ደኣ እምበር ነኣይ ኣይከኣለንን እዩ’ በላ። ንዕኡ ዘይከኣሎ ኮይኑ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ቅዱሳን ናይ ርእሶም ጽድቂ ካብ ክገልጹ ናይ ብጻዮም ጽድቂ ክገልጹ ስለ ዝፈትዉ እዩ። ከምኡ’ውን ክትከይድን ክትምለስን ድኻም ዘለዋ ስለዝኾነ ቀኖና ይኹና” ኢሉ እዩ። ናብ ቅዱስ ኤፍሬም ከይዳ ‘ኣቦይ ኣብዚ ዘሎ ኃጢአትኪ ይደምሰሰልኪ በለኒ’ በለቶ። ‘እዝስ ንሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ባስልዮስ ደኣ እምበር ንኣይ ኣይከኣለንን እዩ’ በላ። ንሱ’ውን ዘይከኣሎ ኮይኑ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ቅዱሳን ናይ ርእሶም ክብሪ ካብ ክገልጹ ናይ ብጻዮም ክብሪ ክገልጹ ስለ ዝፈትዉ እዩ። ከምኡ’ውን ክትከይድን ክትምለስን ድኻም ዘለዋ ስለዝኾነ ቀኖና ይኹና” ኢሉ እዩ። ‘ምስ ኸድኪ ግና ከምቲ ናይ ቀደም ብሕይወተ ሥጋ ኣይትረኽብዮን ኢኺ፥ ሞይቱ ናብ መቓብር ክወስድዎ ክትረኽብዮም ኢኺ። ከይተጠራጠርኪ ኣብቲ ሬሳኡ ደርብዪያ‘ሞ ክትድምሰሰልኪ እያ” በላ። እንተ ኸደት ሞይቱ ንመቃብር ክወስድዎ ኣርከበቶም እሞ ከይተጠረጠረት “ኦ ባስልዮስ ገብረ እግዚኣብሔር ሥረይ ኃጢአታ ለአመትከ/ ንኃጢኣት ኣገልጋሊትካ ሥርየት ሃብ” ኢላ ኣብቲ ሬሳ ደርበየታ። ኣልዒላ እንተረኣየታ ተደምሲሳ ረኸበታ። “ደምሰሰ በሕይወቱ ዘኃጣውኢሃ መጽሐፈ፥ ወድኅረ ሞቱሰ አሐደ ዘተርፈ” ከም ዝብል ደራሲ። እዚ ድማ ልዕልና ሥልጣነ ክህነት እዩ። ኣቦታት ካህናት ብዓጸደ ሥጋ ከለዉን ብዓጸደ ነፍስ ከለዉን ኃጢአት ከም ዘስተሰርዩ ዘረድእ እዩ። ናይ ያዕቆብ ዘንጽቢን ወደ መዝሙር ዝኾነ ስምዖን ዘዓምድ መማህርቱ ስለዝኾነ ክበጽሖ ኢሉ ናብኡ መጽአ። ቅዱስ ኤፍሬም ፦ “ሰላም ለኪ ኦ እግዝእትየ ቅድስት ድንግል” እናበለ ከስተምህር ስምዖን ዘዓምድ ምስ ሰምዖ፥ ‘ኦ እግዝእትየ’ ዝብል ካብ መን ረኺብካዮ መምህርና ኣይመሃረናን በሎ። ምሂርና እምበር ኣይመሃረናን ምስ ተበሃሃሉ፡ እስከ ባዕሉ ይመስክር ኢሎም ናብ መቃብሩ እንተኸዱ ዓሠርተ ኣጻብዕቱ ከም ፋና እናብርሁ ተንሢኡ “በሕይወትየ እብለኪ ሰላም ለኪ ኦ ቅድስት ድንግል ከመ ስምዖን ዘዓምድ፥ ወድኅረ ሞትየሰ ኵሎሙ አዕፅምትየ ይብሉኪ ወይወድሱኪ ሰላም ለኪ ኦ እግዝእትየ ቅድስት ድንግል ከመ ኤፍሬም ሶርያዊ” ኢሉ መስከረሉ። እዚ ድማ መምህሩ ምስ ሞተ ብዓጸደ ነፍስ ኮይኑ ዘመስግኖ ፈሊጡ ምምሃሩ ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ጸጋኡን ክብሩን ዝገልጽ እዩ። ሶርያዊ ብሃገሩ ዘብሎ ክሳዕ እዚ እዩ።

ንቕዱስ ኤፍሬም ለብሓዊ ብተግባሩ ዘብሎ ጣሳ ብርለ ብርጭቆ እናሠርሐ ንናይ ዕለት ቀለቡን ንናይ ዓመት ክዳኑን ዝኣክሎ ኣትሪፉ ዝተረፈ ይምጽውቶ ነበረ። ክምጽወት ከሎ ድማ ኣብ ድንግል ማርያም ዘለዎ ፍቅሪ ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ይምጽውት ነበረ።

‘ናይ ድንግል ማርያም ምስጋና ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከም ሑጻ ባሕሪ በዚኅለይ፥ ከም ክዳን ተኸዲነዮ ከም መግቢ ተመጊበዮ፥ ከም ማይ ሰትየዮ እንተ ዝነብር’ እናበለ ይምነ ነበረ። ነቲ ዝተመነይዎ ሠናይ ድሌት ምግላጽ ልማድ እግዚአብሔር እዩ’ሞ ገለጸሉ። “አኃዝ እግዚኦ መዋግደ ጸጋከ” ክሳዕ ዝብል 14፣000 ድርሰት ደረሰ።

ክጽሊ ከሎ ድማ ካብ ወንጌል ሉቃስ “ወበሳድስ ወርኅ . . . ”(ሉቃ. 1፡46-55) ዝብል ጸሎተ እግዝእትነ ማርያም 64 ጊዜ ብዕድሜኣ ለኪዑ ኣዳልዩ ይጽሊ ነበረ። ካብ ዕለታት ብሓደ መዓልቲ ጊዜኡ ነግህ መዓልቱ ሰኑይ ነበረ። ናይ ነግህ ተግባሩ ኣብጺሑ ኣብ መካነ ግብሩ ተቐሚጡ ከሎ፥ ድንግል ማርያም ትመጽእ። ብርሃናዊ ምንጻፍ ይንጸፍ፡ ብርሃናዊ ድባብ ይዝርጋሕ፥ ንሳ ድማ ኣብቲ ላዕሊ ኮይና ‘ሰላም ለከ ኦ ፍቁርየ ኤፍሬም’/ ሰላም ንኣኻ ፍቁረይ ኤፍሬም” ትብሎ። ንሱ ድማ ተዓጢቑ ኢድ ነሢኡ ደው ይብል ። “ወድሰኒ” ትብሎ “እፎ እክል ወድሶተኪ ዘኢይክሉ ሰማያውያን ወምድራውያን/ ሰማያውያን መላእክት ምድራውያን ጻድቃን ሰማዕታት ከመስግኑኺ ዘይከኣሎም ነኣይ ከመይ ኢሉ ከመስግነኪ ይከኣለኒ” በላ። “በከመ አለበወከ መንፈስ ቅዱስ” ተናገር በለቶ። ብዝተረታዕካሉ ምርታዕ ልማድ’ዩ። “እፎኑ ይከውነኒ ዝንቱ እንዘ ኢየአምር ብእሴ” ምስ በለቶ ቅዱስ ገብርኤል “መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ ወኃይለ ልዑል ይጼልለኪ” ኢልዋ ስለ ዝነበረ ባርክኒ ይብላ “በረከተ ወልድየ ወአቡሁ ወመንፈስ ቅዱስ ይኅድር በላዕሌከ” ትብሎ። ተባሪኹ ምስጋናኣ ይጅምር። ከመስግና ከሎ ድማ ወደ መዝሙር ቅኔ ቈጺሩ ከም ዝቅነ፡ ድርሰት ሓሲቡ ከም ዝጽሕፍ ዘይኮነስ በሊሕ ወደ መዝሙር ዘጽንዖ ቀለም ኣብ ቅድሚ መምህሩ ጸፍ ኣቢሉ ከም ዘብጸሖ፥ ልክዕ ከምኡ ጌሩ ኣመስገና። ከተድርሶ ከላ ኣብ ሾብዓተ ከፊላ ኣድረሰቶ። ስለምንታይ እንተበልና ብሾብዓቲኡ ዕለታት ክትምስገን ፍቃዳ ስለ ዝኾነ እዩ። ከምኡ’ውን ሾብዓተ ዕለታት ምሳሌኣ ስለዝኾኑ እዩ።

ብዕለተ ሰንበት እሑድ ትምሰል። ብዕለተ እሑድ ኣሥራወ ፍጥረታት ኣርባዕቱ ባህርያት ተረኺቦም፥ ካብኣ ድማ “ለዘኮነ ምክንያተ ፍጥረት” ከም ዝብል። ምንጪ ፍጥረት ዝኾነ ጐይታ ተርክበ።

ብዕለተ ሰኑይ ትምሰል። ብሰኑይ ካብ’ዚ ክሳዕ ዓለመ መላእክት መሊኡ ዝነበረ ማይ ኣብ ሠለስተ ከፈሎ እቲ ሓደ ንውቅያኖስ እቲ ሓደ ንሃኖስ እቲ ሓደ ንጠፈር ኣጽኒዑ ናይ ነፋስ መመላለሲ ገበሮ። ጠፈር ናይ ድንግል ማርያም፥ ብርሃን ናይ ጐይታ ምሳሌ፡ እዚ ደኣ’ሞ ናይ ጠፈር ምሳሌ ደኣ እምበር መዓስ ናይ ዕለተ ሰኑይ ምሳሌ ኮይና እንተተባህለ ዕለተ ሰኑይ ናይ ድንግል ማርያም፥ ጠፈር ካብኣ ዝተወሐዶ ሥጋ፥ ብርሃን ናይ ጐይታ ምሳሌ እዩ። በዕለተ ሰሉስ ትምሰል።

ብዕለተ ሠሉስ “ለታብቍል ምድር ሐመልማለ ሣዕር ዘይዘራእ በበዘርኡ ወበበዘመዱ በበአርአያሁ ወበበአምሳሊሁ” ከም ዝብል ንሥጋውያን ምግቢ ዝኾኑ ብኢድ ዝልቀሙ ፍሬያት፥ ብማዕጺድ ዝዕጸዱ ኣዝርእት፥ ብምሳር ዝቁረጹ ዕፀዋት ተረኽበ።

ብዕለተ ረቡዕ ትምሰል። ብረቡዕ “ለይቁሙ ብርሃናት በገጸ ሰማይ” ምስ በለ። ንሥጋውያን ምግቢ ዝኾኑ ፀሓይ ወርኅ ከዋኽብቲ ተረኽቡ። ካብኣ ድማ ንመንፈሳውያን ምግቢ ዝኾነ ፀሓየ ጽድቅ ክርስቶስ ተረኽበ።

ብዕለተ ኃሙስ ትምሰል። ብዕለተ ኃሙስ “ለታወፅእ ባሕር ዘቦ መንፈሰ ሕይወት” ምስ በላ፡ ብልቦም ፍሑኽ እናበሉ ዝኸዱ ብእግሮም ዝጎዩ፡ብኽንፎም ዝበሩ ብደመ ነፍስ ሕያዋን ኮይኖም ዝነብሩ ፍጥረታት ተረኽቡ። ካብዚኣቶም በበሪሮም ዝኸዱ ኣለዉ ኣብኡ ዝተረፉ ውን ኣለዉ። እቶም ኣብኡ ዝተረፉ ናይ ጥሙቃን፣ እቶም በሪሮም ዝኸዱ ናይ ዘይጥሙቃን ምሳሌ እዩ። እዝስ “ወባረኮሙ ለክልኤሆሙ በአሐቲ በረኸት” ይብል ኢሉ፥ እቶም ብልቦም ፍሑኽ እናበሉ ዝኸዱ ናይ ሰብአ ዓለም፥ እቶም ብእግሮም ዝጎዩ ናይቶም ካብ ትሩፋት ናብ ትሩፋት ዝጎዩ ናይ ባሕታውያን፥ እቶም በበሪሮም ዝኸዱ ናይቶም ተመስጦ ዘለዎም ናይ ሰማዕታት እዩ። ዕለተ ኃሙስ ናይ ድንግል ማርያም፣ ባሕር ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ።

ብዕለተ ዓርብ ትምሰል። ብዕለተ ዓርቢ በኵረ ፍጥረት ኣዳም ተረኺቡ፡ ካብኣ ድማ ዳግማይ ኣዳም ክርስቶስ ተረኽበ።

ብዕለተ ቀዳሚት ትምሰል። ብቀዳሚት ዕረፍት ተረኸበ፡ “ወአመ ሳብዕት ዕለት አዕረፈ እግዚአብሔር እምኵሉ ግብሩ ዘአኃዘ ይግበር’’ ከም ዝብል፥ ንሥጋውያን ዕረፍት ተረኽበ። ካብኣ ድማ ንመንፈሳውያን ዕረፍት ዝኾነ ጐይታ ተረኽበ።

ምስጋናኣ ድማ “ፈቀደ እግዚእ . . . “ ኢሉ ይጅምሮ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቅሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195