banner

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብዛዕባ ኣሠራርሓ ባጀትን ኣተኣኻኽባ ዕሽርን ጥሮታን ዝምልከት ጉባኤ ተኻይዱ!

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብዛዕባ ኣሠራርሓ ባጀትን ኣተኣኻኽባ ዕሽርን ጥሮታን ዝምልከት ጉባኤ ተኻይዱ!

ብዕለት 27 ሐምሌ 2010 ዓ.ም. (03/08/ 2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብዛዕባ ኣሠራርሓ ባጀትን ኣተኣኻኽባ ዕሽርን ጥሮታን ዝምልከት ንዅሎም ካብ ሾብዓተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ዝመጹ መራሕቲ ሥራሕን ጸሓፍትን ተሓዝቲ ገንዘብን ጉባኤ ተኻይዱ።

እቲ ጉባኤ ብጸሎት ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ምስ ተጀመረ፡ . . . 

ብናይቲ ሃገረ ስብከት ሊቀ ካህናት ቀሲስ ነጋሢ ባህረን፡ ብጸሐፋይ ቀሲስ ኣኅፈሮምን፡ ብሕሳብ ሹም መሪጌታ ሠመረን ኃላፊ ፋይናንስ ዲያቆን ያሬድ ክብርኣብን እናተመርሐ ብዛዕባ ምስፋሕ ስብከተ ወንጌል፡ ናይ ሠለስተ ወርኂ ሓድሽ ኣሠራርሓ ባጀት ከምኡ’ውን ኣተኣኻኽባ ዕሽርን ጥሮታን ዝምልከት ሰፊሕ ኣስተምህሮን መምርሕን ተዋሂቡ።

ሕቶን ርእይቶን ምስ ተገብረ ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ፡ ነዚ ዕዮ’ዚ ንምዕዋት ተወፍዮም ከገልግሉ ድኅሪ ምምዓድ ልዑል እግዚአብሔር ነዚ ርእናዮ ዘለና ናይ ሰላም መድረኽ ምሉእ ክገብሮ ተመንዮም።

ነዚ ዝመስል ጉባኤ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንሊቀ ካህናት ንኡስ ሃገረ ስብከትን ጸሐፍትን ተሓዝቲ ገንዘብን ጸሓፍትን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ገንዘብን መዛግብትን ከምኡ’ውን ኦዲት ዝምልከት ሰፊሕ ትምህርቲ ክወሃብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195