banner

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ሰንበትን ሰኑይን ኪብገሱ እዮም!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ሰንበትን ሰኑይን ኪብገሱ እዮም!

ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ኣብ በዓለ ዕርገተ ሥጋሃ ለማርያም (ፍልሰታ) ወርኀ ነሐሴ 2010 ዓ.ም.ግ. ናብ ኢየሩሳሌም ንምንጋድ ነጋድያን ኵሉ ምድላዋቶም ኣጽፊፎም።

በዚ መሠረት፡ ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ብኽልተ ፍሉያት ናይ ኩንትራት ነፈርቲ (charter flight) ንዕለተ ሰንበት 13 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (19/08/2018 ዓ.ም.ፈ) ከምኡ’ውን ንዕለተ ሰኑይ 14 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (20/08/2018 ዓ.ም.ፈ) ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሥመራ ኪብገሱ እዮም።

እዚ ተሠሪዑ ዘሎ ጕዕዞ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ጾም ፍልሰታ ዝተሠርዐ ኮይኑ፡ ብዝሖም ልዕሊ 300 ምእመናንን ምእመናትን ይነግዱ ኣለዉ።

ነጋድያን፡ ኣብዘን ናይ ኽልተ ቅነ ጻንሖቶም ብጸሎተ ቅዳሴን ውዳሴን ዝማሬን ኣብ ብዙኃት ቅዱሳት መካናት ዑደት ኽፍጽሙ እዮም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195