banner

ክብረ በዓል ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ ብውዳሴ ሊቃውንት ጠሊሉ፡ ብዕንባባ መንእሰያት ወቂቡ ሰኑይ 21 ነሓሴ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ ብውዳሴ ሊቃውንት ጠሊሉ፡ ብዕንባባ መንእሰያት ወቂቡ ሰኑይ 21 ነሓሴ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ኣቡነ ኣብራንዮስ፦ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሀ/ስ ደቡብ መንደፈራ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሀ/ስ ማእከል፣ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ጳጳስ ሀ/ስ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፣ ከምኡ’ውን ኣበምኔት ገዳማትን ኣቦታት ገዳማውያንን፡ መምህራን ሊቃውንት፡ ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ሰኑይ 21 ነሓሴ ብድምቀት ተኸቢሩ። 

ካብ ብድሮኡ ዝጀመረ ስብሐተ እግዚአብሔር ክሳዕ’ቲ ክብረ በዓል ዝፍጸም ብንቕሓትን ተመስጦን በጺሑ። ብጸሎተ ሰዓታት ኣቦታት ገዳማውያን፣ ብማኅሌት ሊቃውንት መዘምራን፣ ምእመናንን ምእመናትን’ውን ብውዳሴን ጸሎተ ምህላን ንእግዚአብሔር ኣመስጊኖምን ለሚኖምን፣ ብናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በረኸትን ብናይ ጻድቕ ኣቡነ ኣብራንዮስ ጸሎትን ተማሕፂኖም።

ብፍላይ ሎሚ ዓመት ብብዝኂ ተሳተፍቲ በዓል ዝነበሩ ተረከብቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ መንእሰያት ኣእዳዎም ዘርጊሖም፡ ሕልናኦም ሰማይ ሰቒሎም ስለ ሃገርን ዓለምን ጸሎቶም ኣዕሪጎም።

ብብፁዓን ጳጳሳት ዝምራሕ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ንታቦት ኣምሪሖም ኵሎም ተሳተፍቲ በዓል ብውዳሴን ምህላን ሠለስተ ሳዕ ዘይሮም። ታቦት ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት መዘምራን ያሬዳዊ ዜማ ከስምዑ ከለዉ፡ ብኣባ ወልደገብርኤል ብርሃነ ድማ ምስ ታሪኽ ኣቡነ ኣብራንዮስ ዝተዛመደ ስብከት ተዋሂቡ።

ቀጺሎም ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ኣባታዊ ቃለ ምዕዳንን ትምህርትን ሂቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ ጸሎተ ምህላ ምስ በጽሐ ብቡራኬ ብፁዓን ጳጳሳት ናይቲ ክብረ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

ኵሎም ተሳተፍቲ በዓል ድማ ካብ በረኸት ቃል ኪዳን ኣቡነ ኣብራንዮስ ተሳተፍቲ ኾይኖም መኽፈልተ ሠናየ እናቐመሱ ነናብ ቦታኦም ተመልሱ።

እዚ ዕለት’ዚ ቅዱሳን ዋላ እኳ ሰብ እንተኾኑ በቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ጸጋ ቅድስና ክሳብ ክንደይ እግዚአብሔር ኣብ ሰባት ክብረ ሞገስ ከምዘውህቦምን ቃል ኪዳኖምን ዝኽሮምን ንዘለዓለም እናተዘከረ ከም ዝነብር ዝተረጋገጸሉ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195