banner

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ዑደቶም ብምቕጻል ኣብ ቅዱሳን መካናት ይበጽሑ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ዑደቶም ብምቕጻል ኣብ ቅዱሳን መካናት ይበጽሑ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስን ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን እናተመርሑ ዘይበጽሕዎ ቅዱሳን መካናት ንምብጻሕ ካብ ዕለተ 18 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (24/08/2018 ዓ.ም.ፈ) ጀሚሮም ዑደቶም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ብንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራሕ ዝፈልጥዎም ቦታታት ከም ቅድስት ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ንእግዝእትነ ማርያም ዘቕረበትሉን ...

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ዝተወልደሉን ዝዓበየሉን ቦታ፣ ጐይታ 40 መዓልትን ለይትን ዝጾመሉ ገዳመ ቆሮንቶስ፣ ብተኣምራት ካብ መቓብር ንኣልኣዛር ዘተንሥኣሉ፡ ቅዱስ ቍርባን ዝሠርዓሉ፣ ሆሳዕና በኣርያም እናተመስገነ ዝኸዶ፣ ደብረ ዘይት መካነ ዕርገቱን ንቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ዝወረደሉ ቅዱሳን ቦታታት ብምብጻሕ በረኸት ተሳቲፎም።

ኣብ መቓብር ኣበው ኣብርሃም ይስሓቅ ያዕቆብ፣ ነቢይ ዮናስ ካብ ከብዲ ዓሳ ዝተተፍኣሉ . . . ክበጽሑ ከለዉ ከምኡ’ውን ኣብ መቓብር ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ሊቀ ሰማዕት እስቲፋኖስ ብዳርባ እምኒ ዝተቐትለሉን ብስሙ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኢዮጴ ራእይ ዝረኣየሉ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ልዳ ሰማዕትነት ዝተቐበለሉ፣ . . . ብምብጻሕ ዘይርሳዕ ዝኽርን ዘይውዳእ ዓስብን ረኺቦም።

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ዑደቶም ዛዚሞም ንዕለተ ሰኑይ 28 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (3/09/2018 ዓ.ም.ፈ.) ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተስፋ ይግበር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195