banner

ዝክረ አበው (27-29 ነሐሴ) ፦ ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዝክረ አበው (27-29 ነሐሴ) :- ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ

ዝክረ በዓል ናይ ሊቃነ አበው፡ ካብ ኣርእስተ አበው ዝኾኑ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ብዓቢይ መንፈሳዊ ሓበን ንዝክሮ። ሊቃውንት መዘምራን “ወተዘከረ ሣህሎ ዘለዓለም ዘሠርዐ ለአብርሃም፡ ወመሐለ ለይስሐቅ ወዐቀመ ስምዐ ለያዕቆብ፡ ያርኁ ክረምተ ይገብር ምሕረተ እምሰማይ ይሁብ ወእምድር በረከተ ያጽግብ ነፍሰ ርኅብተ” ብምባል ምስ ዘመነ ክረምት ብምትእስሳር ይዝምሩ።

“ኣባ ኣብርሃም” እናበላ ኣዴታት ብውዳሴን ምህላን፡ ሕፃናት ድማ ብሆየ ሆየ የኽብርዎ። ተኣዛዝነት ኣብርሃም፣ ተበጃውነት ይስሓቅ፡ በረኸት ያዕቆብ ብሰፊሑ እናተረኸት ካብ ቃል ኪዳኖም ኽንሳተፍን ኣሰሮም ኽንስዕብን ትምዕደና።

ኣቦና ኣብርሃም መን እዩ፧ ኣቦና ይስሓቅ መን እዩ፧ ኣቦና ያዕቆብ መን እዩ፧” ንዝብል ሕቶ ኣስዒብና ብዝርዝር ክንምልሶ ኢና፣ በረኸት ቃል ኪዳኖም ኣይፈለየና!

፩. ኣብርሃም ርእሰ አበው

‘ኣብራም’ ማለት ዓቢይ ኪኸውን ከሎ፣ ድኂሩ እግዚአብሔር አምላኽ ዝሃቦ ስም ‘ኣብርሃም’ ኣቦ ብዙኃት ማለት እዩ። ሥድራ ቤቱ መማለኽቲ ጣዖት ነበሩ። ብፍላይ ኣቦኡ ታራ ድማ ነቲ ዝጸረቦ ጣዖት ንኽሸጠሉ ናብ ዕዳጋ ይልእኾ ነበረ።

ኣብርሃም ኣቐዲሙ ታራ ኣቦኡ ዝቐረጾም ጣዖታት ኪሸይጥ ከሎ፡ ነቲ ዝሸጦ ዝነበረ ጣዖት “ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ጸምዩኒ ኣሎ እሞ ኣዛርበኒ፤ ጠምየ ኣሎኹ’ሞ እስከ ኣብልዓኒ፤ ጸሚአ ኮይነስ ኣስትየኒ፤” ዝብሉ ሕቶታት ሓቲቱ መልሲ ምስ ሰኣነ፡ “ኣምላኽ ዝበሃል የልቦን” ኢሉ ኣይተጠራጠረን። “ብርግጽ ኣሎ፣ ግና መን’ዩ፧ ፀሓይ’ዶ ትኸውን፧ ወይስ ሓዊ፧ ወይስ ንፋስ፧ ወይስ ማይ፧” ኢሉ መርሚሩ፡ ሕፀፅ ምስ ረኸበሎም፡ ናይ’ዞም ኵሎም ፍጥረታት ፈጣሪ፡ ሓላዊ፡ መጋቢ፡ ሠራዒ ኪህሉ ኣለዎ፣ ባዕሉ ይገለጸለይ ብምባል “ኦ ንፀሓይ ዝፈጠርካ ኣምላኽ፣ ተዛረበኒ!” በለ። በዛ ዓባይ እምነቱ ድማ ፈጣሬ ፍጥረታት እግዚአብሔር ኣዘራረቦ። 

ኣብርሃም፣ እግዚአብሔር ምስ ጸውዖ፡ ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ከይተጠራጠረ (“ናበይ፧ ስለምንታይ፧ ብኸመይ፧” ከይበለ) ካብ ሃገሩን ቤተ ሰቡን ተፈልዩ ከደ። (ዘፍጥ. 12፥1-9)።

ኣብርሃም፡ “ዘርእኻ ከም ሑፃ ባሕሪ፣ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝኃልካ እየ፤” ዝብል ተስፋ ተዋህቦ። ዋላ እኳ ካብ ሰበይቱ ሣራ ውላድ እንተ ዘይነበሮ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ግና ብእምነት ተቐበሎ። (ዘፍጥ. 13፥14-18፣ 15፥5)። ክልቲኦም ኣሪጎም፣ ሣራ’ውን ልማድ ኣንስት ኃዲጉዋ ከሎ ነዚ ተስፋ እዚ ኣሚኑ ተጓዕዘ። ብድኅር’ዚ እግዚአብሔር ተገሊጹ፡ “ንዓመታ ከም’ዚ ቅንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፣ ሰበይትኻ ሣራ ድማ እነሃ፡ ሽዑ ወዲ ኽህልዋ እዩ” (ዘፍጥ. 18፥10) ከምኡ’ውን “ሰበይትኻ ሣራ ደኣ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፣ ስሙ ድማ ይስሓቅ ከተውፅኣሉ ኢኻ። ኪዳነይ ከኣ ምስኡን ብድኅሪኡ’ውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለዓለም ከቕውም እየ።” (ዘፍጥ. 17፥19) ኢሉ ኣብ ልዕሊ ቃል ኪዳን፡ ቃል ኪዳን፣ ኣብ ልዕሊ ተስፋ ድማ ተስፋ ወሰኾ። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኸኣ ይስሓቅ ተወሊዱ ዓበየ።

ድኅር’ዚ ዅሉ ተስፋን ቃል ኪዳንን ኣብርሃም ተፈተነ፤ እግዚአብሔር ንኣብርሃም፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፤ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ካብ’ቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መሥዋዕቲ ሠውዓዮ።” (ዘፍጥ. 22፥2) በሎ። ኣቦና ኣብርሃም ግና እምነቱ ፍጽምቲ ስለ ዝነበረት፡ “ኣነ ከም’ታ ዝተኣዘዝኩዋ ክሥውዖ እየ፣ እግዚአብሔር ድማ ካብ ምዉታን’ውን ኣተንሢኡ ዝኣተወለይ ቃል ኪዳን፣ ዝሃበኒ ተስፋ ኪፍጽም እዩ፤” ኢሉ ብምሕሳብ ትእዛዝ እግዚአብሔር ካብ ምፍጻም ንድኅሪት ኣይበለን። “ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሓቅ ሠውዖ። እቲ ተስፋ ዝተቐበለ ነቲ፡ ብይስሓቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተባሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። እግዚአብሔር ካብ ምዉታን ድማ ኬተንሥኦ ኸም ዚከኣሎ ሓሲቡ፤ ካብኡ’ውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ።” (ዕብ. 11፥17-19)።

በዚ እምነቱ እዚ ድማ፡ “እዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፣ ነቲ ሓደ ውሉድካ’ውን ካብ ዘይትኸልእ፣ ስለዚ ኣዝየ ክባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከም’ቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን ኣዝየ ኸብዝኆ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ሕዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም።”(ዘፍጥ. 22፥15-18) ዝብል ቃል ኪዳን ተቐበለ። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ድማ እግዚአብሔር ወልድ ካብታ ካብ ሐረገ ወለድኡ ዝተረኽበት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኮነ። ኣምላከ ኣብርሃም እግዚአብሔር ወልድ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ወዲ ኣብርሃም ተባህለ። እንሆ ድማ እዚ ነገር እዚ መጀመርታ ምሥጢር መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኮይኑ፡ “መጽሐፈ ልደቱ ለኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም፤ መጽሓፍ ወለዶ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፤” (ማቴ. 1፥1) ኢሉ ብምጥቃስ ፍጻሜ ቃል ኪዳን ኣብርሃም ዘበሥር።

ኣብርሃም ንኃሙሽተ ነገሥተ ሰዶም ረዲኡ ነቶም አርባዕተ ነገሥተ ሎዶ ጎሞር ሰዒሩ ምስ ተመልሰ “አብርሃምኒ ጸለየ ወይቤ በመዋዕልየኑ ትፌኑ ቃለከ ወሚመ ታርእየኒ ኪያሃ ዕለት አው አልቦ ዲበ ምድር፣ ወይቤሎ ዕዱ ዮርዳኖስ ወበህየ አርእየከ አምሳሊሁ።/ አብርሃም ድማ “ንወድኻ ኣብ ዕድሜይ ዲኻ ትልእኾ፧ ወይ እታ ዕለት ከተርእየኒ ኢኻ፧” ኢሉ ጸለየ። ጐይታ ኸኣ ‘ንእኡስ ኣይትርእዮን ኢኻ፣ ግና ዮርዳኖስ ተሳጊርካ ኪድ እሞ ኣብኡ ናቱ ኣምሳል ክትርእይ ኢኻ’ በሎ። ኣብርሃም ከኣ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ እንተኸደ ናቱ ኣምሳል ዝተባህለ ካህን መልከጼዴቅ ኅብስተ በረከት፡ ጽዋዓ አኰቴት ኂዙ ተቐበሎ።

ኣቦና ኣብርሃም፡ ኣብዚ ምድሪ 175 ዓመት ምስ ጸንሐ ብሰላም ዓረፈ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሰላም ለከ ለፍኖተ ጌጋይ ዘኢተለውኮ፣
በኀዲገ አብ ምስለ ስብኮ፣
አብርሃም ፍጹም በኂሩት ወበአምልኮ፣
እግዚአብሔር አዕበየከ ወባረከከ ባርኮ፣
እስመ ሰመከ ዲበ ምድር ዓርኮ።
***

፪. ይስሓቅ ወዲ አብርሃም

ኣደኡ ሳራ ኣብ ጊዜ እርግናኣ ‘ወዲ ኺትወልዲ ኢኺ’ ተባሂላ ብሥላሴ ምስ ተበሥረት ስለዝሰሓቐት፡ እቲ ዝወለደቶ ሕፃን ስሙ ይስሓቅ ተሰየመ። ይስሓቅ ከኣ ቅኑዕን ተኣዛዝን ነበረ። እንሆ ካብ እግዚአብሔር “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ሠውዓዮ” ዚብል ቃል ንኣብርሃም ምስ መጽኦ፣ ከምቲ ዝተኣዘዞ ንወዱ ይስሓቅን ካራን ሓውን ተማሊኡ ንምድሪ ሞርያ ከደ። ወዱ ይስሓቅ ከኣ “ኣቦየ ሓውን ዕንፀይትን’ሲ እንሆ፣ እቲ ንመሥዋዕቲ ዚኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣብርሃም ምሥጢር ልቡ ሠዊሩ “ወደየ በጊዕ’ሲ እግዚአብሔር ባዕሉ ከዳልወልና እዩ” በሎ።

ብድኅር’ዚ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ እምኒ ጸፍጺፉ ዕንፀይቲ ረብሪቡ ንይስሓቅ ኣሲሩ በጥ ኣበሎ። ይስሓቅ ብተኣዛዝነት ‘ትእዛዝ ፈጣሪኻ ፈጽም ኢሉ’ ኢሉ ክሳዱ ንመጥባሕት ኣዳለወ። ኣብርሃም ካራ ኂዙ ናብ ክሣዱ ወዱ ኢዱ ወስ ምስ ኣበለ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኸልከሎ። ይስሓቅ ካብ ምሥዋዕ ደኃነ፣ ኣብ ክንድኡ ድማ ብዕፀ ሳቤቅ ዝተኣሰረ በጊዕ ኣምሰያኡ ተሠውዐ። ጽንዓት ኣብርሃምን ተኣዛዝነት ይስሓቅን ተመስከረ።

ይስሓቅ ምስ ርብቃ ተመርዕዩ ንኤሳውን ይዕቆብን ወለደ። ንያዕቆብ ድማ መረቖ። ኣብዚ ምድሪ 180 ዓመት ጸኒሑ ድማ ብሰላም ዓረፈ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሰላም ለይስሐቅ ዘኢያግዘፈ ክሣዶ፣
ለደኒን ወለተሐርዶ፣
ምስለ አብርሃም በህየ ከመ ይፈጽም መፍቅዶ፣
እግዚአብሔር ውስተ ደብረ ራእይ ወሰዶ፣
ኀበ ንጽሐ ልቡ ነጸረ ወንጹሐ እዶ።

***

፫. ያዕቆብ ወዲ ይስሓቅ

ያዕቆብ ማለት አኃዜ ሰኰና ማለት እዩ፣ ኣቦኡ ይስሓቅ ኣዲኡ ርብቃ ይበሃሉ። ያዕቆብ ንዓሠርተው ክልተ (12) ነገደ እስራኤል ወለደ። ንሳቶም ድማ ሮቤል፡ ስምዖን፡ ሌዊ፡ ይሁዳ፡ ይሳኮር፡ ዛብሎን፡ ጋድ፡ አሴር፡ ዳን፡ ንፍታሌም፡ ዮሴፍን ብንያምን ወለደ። መበል 13 ዲና ዝተባህለት ጓል ካብ ልያ ዝተወልደት ነበረት። እንተኾነ ብባህሊ እስራኤል ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ወለዶ ስለዘይትኣቱ ኣብ ቍጽሪ ኣይኣተወትን።

ያዕቆብ፡ ትርጕም ብዅርና ካብ ማሕፀን ኣደ ምኽፋት ዝኃልፍ ምሥጢር ከም ዘለዎ ዘስተውዓለ ኣቦ ነበረ። ኃዉ ኤሳው ኣብ ሃድን ውዒሉ መግቢ ክህቦ ምስ ለመኖ፡ “ሎሚ ብዅርናኻ ሽጠለይ፣ በሎ። ኤሳው ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኽመውት ኢለ ኣሎኹ። እዛ ብዅርና’ኸ ንምንታየይ እያ፣ በለ። ያዕቆብ ከኣ፡ ሎሚ ምሓለለይ በሎ እሞ መሓለሉ፤ ብዅርናኡ’ውን ንያዕቆብ ሸጠሉ። ያዕቆብ ድማ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ገይሩ ሃቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተንሥአ፣ ኸደ’ውን። ኤሳው ንብዅርናኡ ኸም’ዚ ገይሩ ነዓቓ።” (ዘፍጥ. 25፥31-34)

በዚ ተቘጢዑ ኤሳው ኃው ኪቐትሎ ምስ ደለየ ናብ ኣኵኡ ክኸይድ ኣደኡ መኸረቶ፡ ኣቦኡ’ውን መረቖ። ክኸይድ ከሎ፡ ፀሓይ ዓሪብዎ ኣብ ምድረ ሎዛ እምኒ ተተርኢሱ ደቀሰ። በታ ጊዜ’ቲኣ ድማ ናይ ወርቂ ሰዋስው ካብ ምድሪ ክሳብ ሰማይ ተተኺሉ መላእኽቲ ብእኡ ኪድይቡን ኪወርዱን ከለዉ ረኣየ፡ እግዚአብሔር ድማ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ፥ “ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን እየ። . . .” በሎ።

ስሙ ‘ያዕቆብ’ ዚብል ተሪፉ እስራኤል ኪበሃል ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ተሰምየ። ብምሥጢር’ውን ንደቂ ዮሴፍ ዝኾኑ ኤፍሬምን ምናሴን ክልተ ኢድ ኣመሳቒሉ ብኣምሳለ ትእምርተ መስቀል ባረኾም። ነቲ መሠውዒ ድማ “ቤቴል” ኢሉ ሰመዮ። ዓቢይ ኣቦ ኮይኑ ድማ ኣብ መበል 147 ዓመት ዕድሚኡ ዓረፈ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሰላም ለያዕቆብ እንተ ወለደ ነገሥተ፣
ወለደብተራ ስምዕ ካህናተ፣
በኀበ ሰዋስወ ርእየ እንዘ ይነውም ሌሊተ፣
ተነበየ ለአሕዛብ መንገለ አሚን ሚጠተ፣
ለሐውልተ ስምዕ አመ ቀብዐ ዘይተ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

***

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195