banner

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ሥልጠና ተዋሂቡ!

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ሥልጠና ተዋሂቡ!

ንዅሎም ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ተሓዝቲ ገንዘብን ሃገረ ስብከት መንደፈራ ንኽልተ መዓልታት 22-23 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (28-29/08/18 ዓ.ም.ፈ) መንፈሳዊ ሥልጠና ተዋሂቡ።
እዚ ሥልጠና’ዚ ኣብ ሠለስተ ዓበይቲ ኣርእስታት ማለት ስብከተ ወንጌል፡ ምኅደራ ቤተ ክርስቲያን፣ ፋይናንሳዊ ኣተኃኅዛ ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ብጸሎትን ቡራኬን ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ምስ ተጀመረ፡ ብኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ መም. ርእሶም ሰሎሞን ብሓፈሻ ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል ብፍላይ ድማ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ፡ መርዓ፡ ቀብሪ፡ በዓላትን ፍሉይ ኵነታትን ብመንን እንታይ ዓይነት ትምህርትን ክወሃብ ከም ዘለዎ፣ ከምኡ’ውን መሠረት ወለዶ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ስለዝኾኑ ብርቱዕ ትምህርተ ወንጌል ብኸመይ ይዓብዩን ትምህርተ ሰንበት ዘይብሎም ኣብያተ ክርስቲያን ብኸመይ ይጅምሩ . . . ዘጠቃለለ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ። 

ብናይቲ ሃገረ ስብከት መራሕ ሥራሕ ቀሲስ ነጋሢ ባህረ ኣብ ምኅደራ ቤተ ክርስቲያን ዘተኮረ ትምህርቲ ምስ ተዋህበ ብኃላፊ ክፍሊ ፋይናንስ ዲያቆን ያሬድ ክብረአብ ድማ ኣገባብ ኦዲት፡ ሕሳብ ባንክን ኣጠቓቕምኡን . . . ወቦ ዘተርፈ ተዋሂቡ። 

ሠልጠንቲ፡ ዓሚቝ ፍልጠት ከምዝቐሰሙ ድኅሪ ምግላጽ ንትግባረኡ ተጊሆም ከምዝዓዩ ኣረጋጊጾም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195