banner

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ቃለ ቡራኬ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ሂቡ!

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ቃለ ቡራኬ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ሂቡ!    audioiconn

“ ኣብ ቀረባ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ርሑቕ ወፃኢ ሃገራትን ዘለኹም ሕዝበ እግዚአብሔር፣ ብምኽንያት ሕማም ኣብ ሆስፒታላት ዘሎኹም፥ ኣብ ልምዓትን ምክልኻል ሃገርን ዘሎኹም ብሓፈሻ ኵልኹም ሥድራ እግዚኣብሔር፡ ናብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ኣብጺሑ፡ እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ 2011 ዓ.ም. ብሰላም ኣሰጋገረና! ” ብምባል ቃለ ቡራኬ ዝጀመሩ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ “ ናብዚ ክቡር ዕለት’ዚ “እንቋዕ ኣሰጋገረና” ጥራሕ ምባል ኣኻሊ ስለዘይኮነ ምስኡ ኃቢሩ’ውን ሕይወትናን ኣረጊት ኣተሓሳስባናን ናብ ሠናይ ኣተሓሳስባን ሓድሽ ሕይወትን ክሰጋገር ይግባእ።” ኢሎም።


ቀጺሎም “ከምቲ እቲ ቅዱስ ቃል “ ኣኅዋት ብሓደ ኃቢሮም ኪነብሩስ ሠናይን ጥዑምን እዩ” ዝብል ኣብ መንጎ መንግሥታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሥራተ ሰላም ተሰሚዑ ናብ ጉዕዞ ልምዓት የቕንዕ ምህላዉ ምስዚ ጠለለት ክራማት ተሓዊሱ እዚ እንኣትዎ ዘሎና ዘመነ ሉቃስ ምስ ብሩህ ተስፋን ሰላምን እዩ እሞ ነዚ ሰላም’ዚ ፍጹም ክገብረልናን ጽንዕቲ ኢዱ ከንብረሉን ንእግዚአብሔር ኣበርቲዕና ክንልምኖ ይግባእ” ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓመት፦ ዕርቀ ሰላም ዝነግሠሉ፣ ዝረኃቑ ዝቐርብሉ፡ ዝተበኣሱ ዝዕረቕሉ፡ ሃይማኖት ዝጸንዓሉ፡ ሥነ ምግባር ዝዓብየሉ፡ . . . ብሓፈሻ ዓመተ ሰላምን ፍቕርን ክኾነልና ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና። “ ብምባል ቃለ ቡራኬኦም ዛዚሞም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195