banner

ክብረ በዓል ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር 2011 ዓ.ም. ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ!

01 መስከረም 2011 ዓ.ም. ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ። ንኽብሪ እዚ በዓል ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ገዳማውያንን፡ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ በረኸት ቃል ኪዳኑ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ዑደተ ታቦት ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ኣሥርቆት ባሕረ ሓሳብ፡ ገድለ ዮሓንስ መጥምቅ፡ ጸሎተ ቅዳሴ . . . ሓደ ድኅሪ ሓደ ምስ ተሠርዐ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ዑደተ ታቦት ኮነ።

ኣብ ዑደተ ታቦት ያሬዳዊ ዝማሬን ሸብሸቦን ምስ ቀረበ ብመምህር ሰሎሞን ተስፋማርያም ነቲ ዕለት ዝምልከት ስብከተ ወንጌል ተዋሂቡ። ጸሎተ ቡራኬ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ተዋሂቡ፡ ብመዝሙርን ዕልልታን ታቦት ኣብ መንበር ክብሩ ምስ ነበረ ነጋድያን በረኸት ሰኒቖም፡ ‘ያብጽሓነ አመ ከመ ዮም’ እናበሉ ነናብ ቦታኦም ብሰላም ተመሊሶም።

ገዳም ቅዱስ ዮሐንስ ቴድረር፡ ኣብ ዓመት ብዙኃት ክብረ በዓላት እኳ እንተለዎ እቶም ቀንዲ ዝኽብሩ ግና 1 መስከረም ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ከምኡ’ውን 2 ሰነ ፍልሰተ ሥጋሁ ለዮሓንስ እዮም። ከምዝፍለጥ ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር፦ ከም ገዳም ብስም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ካብ ዝግደም ልዕሊ 1600 ዓመት ዝገበረ፡ ንብዙኃት ቅዱሳን ኣበው መዕረፊ ዝኾነ፡ ክሳዕ ሕጂ በረኸቱ ዘይሓፀፀ ቅዱስ ቦታ እዩ። ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንሸነኽ ደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ተገዲሙ ዝርከብ ገዳም እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195