banner

1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም)

ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን ሓድሽ ተስፋ ዝሽውተሉ እዩ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ “ካብ ዘመነ ፍዳ ናብ ዘመነ ምሕረት እትሰጋገርሉ ጊዜ በጺሑ’ዩ” እናበለ ዝዓወጀ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ዝዝከረሉን ናቱ ትምህርተ ንስሓን ተግሣፅን፣ ተስፋን ጽንዓትን ዝስበኸሉ እዩ። ኵሎም ኣገልገልትን ምእመናንን ምእመናትን ከም ቅዱስ ዮሓንስ ስምዐ ጽድቅ (መስከርቲ ሓቂ) ከምኡ’ውን ክሳብ ሰማዕትነት ጽኑዓት ክኾኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተስተምህር።

እዚ እዋን ሰማይን ማይን ዝጸርየሉ ጊዜ ብምዃኑ ካብ ብልየት ኽሕደሱን ብመንፈስ ኽዓብዩን ከምኡ’ውን “ደጊም እቲ ብዕብዳንን ብፍትወት ሥጋን ብስኽራን ብጓይላን ዓቐን ብዘይብሉ መስተን ብዜጸይፍ ኣምልኾ ጣዖትን ኽትነብሩ ከሎኹም ከምቲ ኣሕዛብ ዚደልይዎ እናገበርኩም ዘኅለፍክምዎ ዘመን ይኣክል።” (1ይ ጴጥ. 4፡3) ብምባል ብኃጢኣት ዘኅለፍናዮ ዘመን ብሓድሽ ጐደና ጽድቂ ብንስሓ ኽንትክኦን፣ ከም ዕምባታታት ምድሪ ብሃይማኖትን ምግባርን ኽንዕምብብ ብሰፊሑ ዝምህረና ጊዜ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195