banner

እምአምልኮተ ባዕድ ኀበ አምልኮተ እግዚአብሔር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እምአምልኮተ ባዕድ ኀበ አምልኮተ እግዚአብሔር!

ኣብ ግብሪ ሰይጣን ምሕባር፡ ፍልጠትን ሃብትን ንምርካብ ከምኡ’ውን መፍትሔ ንምርካብ ኣብ ሰይጣን ምውካል፡ ፈቃደ ሰይጣን ምፍጻም . . . ኣምልኮተ ባዕድ እዩ። “ ኢታምልክ ባዕደ ኣምላከ ዘእንበሌየ/ ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትግበር” ዘፀ. 20፡1 ዝብል ኣምላኻዊ ትእዛዝ ምፍራስ እዩ።

ሓደ ሓደ ሰባት፡ ሰይጣን ኣምሲሉ ምትሓታውን ጊዜኣውን ግብሪ ስለዝገበረሎም ይግዝእዎ። ገሊኦም ድማ ሰይጣን ድሌቶም ምእንቲ ክህቦም ከም ዘምልኽዎ ቃል ኪዳን ይኣትውሉ። ተስፋኦም ኵሉ ኣብ ኣጋንንቲ ገይሮም ብቀትሪ ምስ ሰባት፡ ብምሸት ድማ ምስ ኣጋንንቲ ክመሓሓሉ ዝኃድሩ ብዙኃት እዮም።

ፈቐዶ ጠንቈልትን መሠርያንን እናኸዱ ሕሊናኦምን ኣካሎምን ሃብቶምን ጕልበቶምን ብከንቱ ዘፍስሱ’ውን ኣለዉ። እዚኣቶም ኵሎም ትውክልቶም ኣብ ኣጋንንቲ ቀይሮም፡ ፈቃደ ኣጋንንት ይፍጽሙ። ብመንገዲ እዞም ሰባት ኣቢሉ ሰይጣን ናይ ሓሶት ተኣምራት ኽገብር ይኽእል።

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተጠቕሱ ኣብነታት ኣለዉ። ብምትሓትን ጥንቈላን ተኣምር እናገበረ ንሰባት ዘጋግይ ዝነበረ ሲሞን መሠርይ (ግብ.ሓዋ. 8፡9)፣ ብጥንቆላ ንጐይተታ ብዙኅ ተርብሖም ዝነበረት ገረድ (ግብ. ሓዋ. 16፡16)፣ . . . ። 

ኣብ መዝገበ ታሪኽ መጽሓፈ ስንክሳር (21 ምስከረም) ዝተጠቕሰ ሓቀኛ ታሪኽ’ውን ኣሎ። ቆጵርያኖስ ዝስሙ ጠንቋሊ፣ ዘይኣማኒ፡ ሊቀ ጠበብት ነበረ። ብግብሪ ጥንቍልናኡን ትምህርቱ ኣዝዩ ምኩሕ ነበረ። ዝተረፎ ትምህርተ ሥራይ እንተሃልዩ ኽምልእ ወይ’ውን ዝያዳ ክኸብርን ክምካሕን ናብ ኣንጾኪያ ከደ። ኣብዛ ሃገር ምስ በጽሐ ዝናኡ ኣብ ኵሉ ተሰምዐ።

መሠርይ ቆጵርያኖስ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ጠንቈልቲ እቲ ዝኃየለ ምዃኑ ዝሰምዐ ሓደ መንእሰይ ናብኡ ኸይዱ ዅሉ ድሌት ልቡ ኽፍጽመሉን እንተፈጺምሉ ድማ ዓስቡ ኣብዚኁ ኺህቦ ምዃኑ ነገሮ። እዚ መንእሰይ’ዚ ወዲ ኻብቶም ዓበይቲ ናይ'ታ ሃገር ኮይኑ ንሓንቲ መልክዕቲ ድንግል ኣፍቂሩ ነበረ። ስም እዛ ጓል ‘ዮስቴና’ እዩ። ንቤተ ክርስቲያን እናኸደት ኺርእያ ከሎ ልቡ ብፍቕራ ይቓጸል ነበረ። ገንዘብ ብምሃብ፣ ብምፍርራህ፣ ፈውሲ ጠንቈልቲ እናተጠቕመ ኮነ ብኻልእ መንገድታት እኳ እንተፈተነ ፈጺሙ ኺረኽባ ኣይከኣለን ነበረ። ነዚ መንእሰይ ግና መሠርይ ቆጵርያኖስ ‘ኣጆኻ ኣይትኅዘን ኵሉ ድሌት ልብኻ ኪፍጽመልካ እየ’’ ኢሉ ቈጸራ ሂቡ ኣፋነዎ።

ብድኅር'ዚ ቆጵርያኖስ ናብኡ ንኸምጽእዋ ብኃይሊ ሥራይ ኣጋንንቲ ናብ ዮስቴና ሰደደ። እቶም ኣጋንንቲ ግና ንኸምጽእዋ ብዙኅ ጊዜ እኳ እንተ ኸዱ ብጸሎታ ትከላኸል ስለ ዝነበረት ኣብ ጥቓኣ ኸይቀረቡ እናተቓጸሉ ይምለሱ ነበሩ። ብዙኅ ጊዜ እንተ ሰደዶም ከምጽእሉ ኣይከኣሉን። ብድኅር'ዚ ቆጵርያኖስ ኽብሩ ዘዋርድ፡ ረብሓኡ ዘጥፍእ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ንዅሎም ኣጋንንቲ ጸዊዑ ድማ “ንዮስቴና እንተዘይኣምጺእኩምዋ ንኣኻትኩም ኃዲገ ክርስቲያን ክኸውን እየ” በሎም።

ንቆጵርያኖስ ምእንቲ ንኸይከስርዎ ክብል ሓለቓ ሰይጣናት ንሓደ ሰይጣን ከም ዮስቴና ተመሲሉ ናብኡ ኺኸይድ ኣዘዞ። እቲ ዝተላእከ ሰይጣን ከምቲ ዝተኣዘዞ ናብ ቆጵርያኖስ ከም ዮስቴና ኾይኑ ኺኸይድ ከሎ፣ ባዕሉ እቲ ሓለቓ ሰይጣውንቲ ድማ ንቆጵርያኖስ ‘ዮስቴና ትመጽእ ኣላ’ ኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ ሓቂ ኾይኑ ስለ ዝተሰምዖ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ነቲ ብኣምሳል ዮስቴና ዝመጽአ መስሓቲ ሰይጣን ምስ ረኣዮ፣ ‘እንቛዕ ደኃን መጻእኪ ንግሥቲ ኣዋልድ ዮስቴና’ ኢሉ ቅርብ ኪብል ከሎ ወዮ ሰይጣን ስማ ኺጽዋዕ ምስ ሰምዐ ኸም ትኪ በኒኑ ጠፍአ። ንከታልልዎ ከምዝገበርዎ ቆጵርያኖስ ፈለጠ እሞ ‘ስማ ኺጽዋዕ ከሎ እኳ ኸምዚ ኢሎም ከም ትኪ ዝበነኑስ፣ ኣብ ቅድሚኣ ቖይሞም ከስሕትዋ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኺከኣሎም እዩ፧’ ብምባል ሓሰበ። ሓሲቡ ኣይተረፈን እቲ ንሥራይ ዚጥቀመሉ ዝነበረ መጻሕፍቲ ዅሉ ብሓዊ ኣቃጸሎ። እቲ ዝነብሮ ዝነበረ ሕይወት ከንቱ ምዃኑ፣ ኣምላኽ ዮስቴና ልዕሊ ዅሉ፣ እምነታ ድማ ዝለዓለ ምዃኑ ተረዲኡ ብልቡ ተጣዕሰ።

ብድኅር'ዚ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ኣንጾኪያ ከይዱ ተጠሚቑ፡ ክርስቲያን ኮነ፣ ገዳም ከይዱ ድማ መንኮሰ። ሢመተ ዲቁና ቐጺሉ'ውን ክህነት ተዋህቦ፣ ብሥነ ምግባርን ብትምህርተ ሃይማኖትን ምስ ዓበየ ተመስኪርሉ ድማ ኣብ ቅርጣግና እትበሃል ኣብ ምዕራብ ኣንጻኪያ እትርከብ ሃገር ኤጲስ ቆጶስ ኮይኑ ተሾመ።

ቆጵርያኖስ ንቅድስት ዮስቴና፡ ኣብ ደብረ ደናግል ኣደ እተን መነኮሳዪያት ኃላፊት (እመ ምኔት) ገይሩ ሸማ። ብድኅሪ ብዙኅ መዋዕል ዳኬዎስ ዝተባህለ ኸሓዲ ንጉሥ ብዛዕባኦም ምስ ሰምዐ ልኡኻቱ ልኢኹ ናብኡ ኣምጽኦም። ንክርስቶስ ኪሕዶም ንጣዖት ኪሰግዱን ኣዘዞም። ክልቲኦም ግና ኣይንሰግድን ምስ በልዎ ብዙኅ ኣሳቐዮም። ድኅሪ ብዙኅ ስቓይ ድማ ንቆጵርያኖስን ንዮስቴናን ሽዑ ንዝኣመኑ ሰባትን ሰይፉ ብሰማዕትነት ኣኅለፎም። ዓስቢ ዓወቶም ኣኽሊል ሕይወት ደፊኦም ድማ መንግሥተ ሰማያት ወረሱ።

በረኸቶም ኣይፈለየና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ኣሜን። 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195