banner

ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥሩዕ ናይ 2011 ዓ.ም. መደብ ትምህርቲ ጀሚሮም!

ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥሩዕ ናይ 2011 ዓ.ም. መደብ ትምህርቲ ጀሚሮም!

ኣብ ሃገርና ናይ መጀመርያ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዝኾነ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብናይ ዲግርን ዲፕሎምን መደባት ትምህርቲ ፡ ናይ ካልኣይ ዓመት ናይ ዲግሪ መደብ 32፡ ናይ ዲፕሎማ መደብ ድማ 27 ተማሃሮ ከምኡ’ውን ሓደሽቲ ተማሃሮ ቀዳማይ ዓመት ናይ ዲግሪ መደብ 27፡ ናይ ዲፕሎማ መደብ ድማ 13 ተማሃሮ ብዕለት 23-24 መስከረም 2011 ዓ.ም. (03-04 መስከረም 2018 ዓ.ም.ፈ.) ሥሩዕ ናይ 2011 ዓ.ም. መደብ ትምህርቲ ጀሚሮም።


እዞም 99 ተማሃሮ ካብ ገዳማትን ኣህጉረ ስብከታትን መጺኦም ዝመሃሩ ዘለዉ መነኮሳትን ቀሳውስትን ዲያቆናትን ትምህርቶም ብልዑል መንፈሳዊ ባህጊን ሃይማኖታዊ ስምዒትን ቀዳማይ እብረ (ሰሚስተር) ጀሚሮም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ ዜና፡ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ብሓፈሻ ልዕሊ 60 ተማሃሮ ካብዚኦም 18 ሓደሽቲ ተማሃሮ ብሽዱሽተ ዓይነት ናይ ሞያ ትምህርቲ ማለት ትርጓሜ መጻሕፍት፡ ድጓ፡ መዝገብ ቅዳሴ፡ ቅኔ፡ ኣቋቋምን ዝማሬ ወመዋሥዕትን ትምህርቶም ጀሚሮም ኣለዉ።

ብኽልተ ሞያ ትምህርቲ ትምህርቶም ዝዛዘሙ 6 ተማሃሮ ብመዝገብ ቅዳሴ፣ 6 ተማሃሮ ድማ ብትርጓሜ መጻሕፍት ቅድሚ መመረቕታኦም ብመምህርነት ንሓደ ዓመት ምእንቲ ኸገልግሉ ናብ ዝተመደብዎ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን ብምኻድ ኣገልግሎቶም ጀሚሮም ኣለዉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195