banner

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ክኽበር ከሎ መጽሓፈ ገድል ቅድስት ኣርሴማ ብግእዝን ትግርኛን ድማ ተመሪቑ!

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ክኽበር ከሎ መጽሓፈ ገድል ቅድስት ኣርሴማ ብግእዝን ትግርኛን ድማ ተመሪቑ!

ዓመት መጽአ ዝኽበር 29 መስከረም ቅድስት ኣርሴማ ሰማዕትነት ዝተቐበለትሉ ንምዝካር፡ ብስማ ኣብ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ሓውሻ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ገዳማውያን፡ ሊቃውንት መዘምራን፡ ውሉደ ክህነት ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ።

ብዋዜማ ዝጀመረ ስብሐተ እግዚአብሔር፡ ናይ ዕለቱ ስብሐተ ማኅሌት ንበዓለ ዝክረ ልደትን ስደትን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ዝገልጽ ምዑዝ ያሬዳዊ ዜማ በጺሑ።

ጸሎተ ቅዳሴ፡ ብዓቢይ ተመስጦ ክሳዕ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ምስ ተሠርዐ፣ ዑደተ ታቦት ተኻዪዱ። ሊቀ ሥዩማን ቀሲስ ኪሮስ ኪዳነ ንኽብሪ ታቦት ዝምልከት ትምህርቲ ክምህሩ ከለዉ ለባስያን ውሉደ ክህነት ብማዕጠንት ዓጂቦም፡ ዘማርያን ሊቃውንት ብጣዕመ ዝማሬ እናሸብሸቡ፡ ውላድ ክህበን ዝመባጽዓ ገድሊ ኃዚለን፡ መንእሰያት ሥዕለ አድኅኖ ኂዞም፡ ኣቦታትን ኣደታትን እናተማህለሉ ታቦት ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ቆይሙ።

ብድኅር’ዚ ብዕልልታን ጣቕዒትን ተሰንዮም ሊቃውንት መዘመራን፡ “ስምኪ ጥዑም ኣርሴማ ሰማዕት” እናበሉ ኣሸብሺቦም። ቀጺሎም መምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ፡ “ንእግዚአብሔር ቀረባ ከሎ ጸውዕዎን ድለይዎን” (ኢሳ. 55፡6) ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም። ከም ቅድስት ኣርሴማ ዝበሉ ቅዱሳን፡ እግዚአብሔር ቀረባኦም’ዩ ይርከበሎም ድማ እዩ፣ እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ እኳ እንተሃለወ ነቶም ከም በዓል ዲዮቅልጥያኖስን መክስምያኖስን ዝመስሉ ዓላውያን ነገሥታት ግና ርኁቖም’ዩ ኣይርከበሎምን’ውን እዩ። “ሃይማኖተይ ኣይክሕድን” ስለዝበለት ቅድስት ኣርሴማ ብዓላውያን ነገሥታት ጸዋትወ መከራ ኣኅሊፋ ናብ ቀረባኣ ኣምላኻ ከደት። ስለዚ ካብ ጽንዓት ሃይማኖትን ተጋድሎን ቅድስት ኣርሴማ ተማሂርና ኣሰራ እንተ ሰዓብና እግዚአብሔር ቀረባና’ዩ። ካብቲ ዝሃባ ዘይሕሶ ቃልኪዳኑ’ውን በረኸት ክዕድለና እዩ . . . ” ብምባል ልቢ ዘዕርፍ ሕልና ዝምስጥ ቃለ እግዚአብሔር ኣስሚዖም። 

ኣብ መወዳእታ ጸሎተ ምህላ ተገይሩ፡ ባርኾትን ምርቓን ምስ ተዋህበ ታቦት ኣብ መንበር ክብሩ ነበረ።

ብፍሉይ ኣብዚ ክብረ በዓል ናብ ልሳነ ትግርኛ ዝተተርጐመ እሞ ብጉባኤ ሊቃውንት ዘመንበረ ፓትርያርክ ዝረትዕን ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተፈቕደን ገድለ ቅድስት ኣርሴማ ብሕሱር ዋጋ (60 ናቕፋ) ይሽየጥ ስለዝነበረ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን እናዓደገ፡ በረኸት ሰኒቑ ጸሎቱ ኣብጺሑ ብዓቢይ ሓጐስ ተፋንዩ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ከምቲ ‘ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ’ መዝ. 112፡6 ዝብል ቅድስት ኣርሴማ ብሰማዕትነት ዝዓረፈትሉ 29 መስከረምን፡ ቅዳሴ ቤታ 6 ታኅሣሥን ብዓቢይ ክብሪ ትዝክሮ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195