banner

ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ኣብ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ጋሽ ባርካ ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም!

ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ኣብ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ጋሽ ባርካ ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም!

ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዓንሰባን ጋሽ ባርካን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ኣብ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ጋሽ ባርካ ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም!

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ቶኾምብያ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ኣብታ ብነፋስ ዝዓነወት ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ብራር ብምብጻሕ ህልው ኵነታት ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ ክርስቲያንን ተዓዚቦም። ኣቦታዊ ምጽንናዕን መምርሒ ሥራሕን ድማ ሂቦም።

ቀጺሎም ኣብ ምሕናፅ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ኣይተራን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ቶኾምብያን ብምብጻሕ ኣቦታዊ ቡራኬ ክህቡ ከለዉ ኣሳልጦ ሥራሕ ድማ ተመንዮም።

ኣብዚ ሓዋርያዊ ዕዮ’ዚ፡ ነቶም ካብ ኵለን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ጋሽ ባርካ ዝመጹ ተማሃሮን ዲያቆናትን . . . 

ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ባረንቱ ንዓሰርተው ሸሞንተ ብመዓርገ ክህነት ክቐብኡ ከለዉ ንሰማንያን ሾብዓተን ድማ ብመዓርገ ዲቁና ሠይሞም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195