banner

ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ መቀጸልታ ናይ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዑደቶም ኣብ ሚላኖ በጺሖም!

ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ መቀጸልታ ናይ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዑደቶም ኣብ ሚላኖ በጺሖም!

ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ መቀጸልታ ናይ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዑደቶም ብዕለት 01 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (11/10/2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ከተማ ሚላኖ ሃገረ ኢጣልያ ብምእታው፣ ኣብ ልደታ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝኃለፈ ክልተ ዓመት ብመሠረት ዝነበረ ሓባራዊ ምርድዳእ ተፈጺሞምን ተሪፉምን ንዘለዉ ኣገደስቲ ጉዳያት ዝግምግም ኣኬባታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ምዝርራብን ምምኽኻርን ኣካይዱ።


ዕለተ ሰንበት 04 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (14/10/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ደብረ ገነት ልደታ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ጸሎተ ቅዳሴ ብምሥራዕ ቡራኬን መምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስን ኣመኃላሊፉ።

ካብ ከተማ ሮማ ምስ ዝመጹ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን፡ ሰፊሕ ምዝርራብን ምርድዳእን ገይሮም። ነቲ ኣብ ከተማ ሮማ ንቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል መሬት ዓዲጎም ዘዳለውዎ ንድፍታት ብምዕዛብ ብስም ቅዱስ ሲኖዶስ ምስጋናኦምን ቡራኬኦምን ኣመኃላሊፎም።

ብምቕጻል ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመንን ሆላንድን ዑደቶም ይቕጽሉ ኣለዉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195