banner

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ጀርመን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣካይዶም !

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ጀርመን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣካይዶም !

ኣብ ኤውሮጳ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዘካይዱ ዘለዉ ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ብክልተ ጉጅለ ብምዃን ኣብ ሃገረ ጀርመንን ሃገረ ንግሥነት ነዘርላንድ ሰፊሕ ዑድት የካይዱ ኣለዉ።

በዚ መሠረት ቀዳማይ ጉጅለ ልኡካን ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስን መምህር መልከጼዴቅን ቆሞስ ሃብተወልድን ብዕለተ 07 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (17/10/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሃገረ ጀርመን ካብ ዝኣተዉሉ ጊዜ ጀሚሮም ሰፊሕ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ፈጺሞም።

ብዕለት 09-10 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (19-20/10/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ከተማ ቪስባደን ኣብ ዋዜማ ሥርዓተ ተቀብኦ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተፈጸመ፡ ንጽባሒቱ ታቦት ብስም ቅዱስ ሩፋኤል ብኽብሪ ናብዚ ሓድሽ ዝምሥረት ዘሎ ቤተ ክርስቲያን ኣእትዮም። ብዙኃት ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን መንእሰያትን ከኣ ኣብዚ ቡራኬን ጸሎትን ተሳቲፎም። ብተመሳሳሊ ድማ ብዕለት 10-11 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (20-21/10/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ከተማ ፍራይቦርግ ተረኺቦም ሓድሽ ታቦት ብስም ኪዳነ ምሕረት ብኽብሪ ኣእትዮም። ከምኡ’ውን ብዕለት 12 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (22/10/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ዋና ከተማ ጀርመን ዝኾነት በርሊን ታቦት ብስም ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣእትዮም።

ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ክመሃሩ ንዝጸንሑ 28 ተማሃሮ ብመዓርገ ዲቁና፣ ን15 ዲያቆናት ድማ መዓርገ ክህነት ብኢድ ኣቡነ ቄርሎስ ተሠይሞም። ንኣገልግሎተ እግዚአብሔር ብቅንዕናን መንፈሳውነትን ክተግሁ ድማ ቃለ ምዕዳን ሂቦም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195