banner

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ጉባኤ ፈጻሚት ኮሚቴ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ተሳቲፋ!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ጉባኤ ፈጻሚት ኮሚቴ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ተሳቲፋ!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣባል ፈጻሚት ኮሜትን ምክትል ኣቦ ወንበር ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን (FECCLAHA) ብምዃና ካብ ዕለት 17-21 ጥቅምት 2018 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሃገረ ታንዛንያ ኣብ ዝተቓንዐ ጉባኤ ብኃላፊ ወፃኢ ዝምድናታት ቀሲስ በረኸት ኪዳነ ተሳቲፋ።


ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ናይ 2018 ዓ.ም.ፈ. ጸብጻብን ገምጋምን ሥራሕ ከምኡ’ውን ክለሳ ቅዋም ማኅበር ከካይድ ከሎ ናይ ዝመጽእ ዓመተ 2019 ዓ.ም.ፈ ባጀት ኣጽዲቑን ክሳዕ 2021 ዓ.ም.ፈ. ውጥን ሥራሕ ተዘራሪቡ። ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቀሪቡ ክጸድቅ እማመ ብምቕራብ ድማ እቲ ጉባኤ ተዛዚሙ።

ፈክልሃ (FECCLAHA)፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምሥራቕን ዓበይቲ ቀላያት ዝርከባ 10 ሃገራት ማለት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሩዋንዳ፡ ኬንያ፡ ብሩንዲ፡ ታንዛንያን፡ ደሞክራሲያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎን ዮጋንዳን ዘጠቓልል ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195