banner

ምስጋና ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ምስጋና ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም!

ምስጋና ኽልተ ዓይነት እዩ፦ እዚ’ውን ንፈጣሪ እግዚአብሔር ንበይኑ ዝቐርብ ናይ ኣምልኾን ናይ ባህርይን ምስጋና ከምኡ’ውን ንቅዱሳን ዝቐርብ ናይ ጸጋ ምስጋና እዩ። ንቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ናይ ጸጋ ምስጋና ይግብኣ።

ናታ ምስጋና ንጐይታ ድኅሪ ምውላዳ ዝጀመረ ዘይኮነስ ካብ ዘመነ ብሉይ ጀሚሩ ብኅብረ ምሳሌን ትንቢትን እናተተኃኃዘ ዝመጸ እዩ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ገና ከይተወልደትን ንጐይታ ከይወለደትን ከላ ብትንቢት ትምስገን ከምዝነበረት ንምርዳእ ኣቦኣ ዳዊት “ወትቀውም ንግሥት በየማንከ በአልባሰ ወርቅ ዑፅፍት ወኁብርት፡ ርስዒ ሕዝበኪ ወቤተ አቡኪ እስመ ፈተወ ንጉሥ ሥነኪ/ እታ ንግሥት ጽሩይ ወርቂ ተሰሊማ ኣብ የማንካ ትቐውም፡ ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ፡ ርኣዪ’ውን እዝንኺ ኸኣ ጽለዊ፣ ሕዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ።” እናበለ ኣመስጊንዋ እዩ። (መዝ. 44(45)፡9-10)

ነቢይ ኢሳይያስ’ውን “ቅንቲ ሐቌኪ ወልበሲ ትርሢተ መንግሥትኪ ይሰግዱ ለኪ ኵሎሙ ነገሥታተ ምድር ወይልሕሱ ጸበለ እግርኪ ወትሰመዪ ሀገረ እግዚአብሔር ቅዱሰ እስራኤል/ ሕቈኺ ተዓጠቒ፣ ሥልማት መንግሥትኺ ልበሲ፣ ኵሎም ነገሥታት ምድሪ ኪሰግዱልኪን ጸበል እግርኺ ክልሕሱን እዮም፣ ሃገረ እግዚአብሔር ከተማ’ቲ ቅዱሰ እስራኤል ኢሎም ኪሰምዩኺ እዮም” በላ። (ኢሳ. 60፡14)

ዘመነ ብሉይ ኃሊፉ ዘመነ ሓዲስ ምስ ተተከአ ድማ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል “ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስሌኪ ቡርክት አንቲ እምአንስት” እናበለ ኣመስጊንዋ እዩ። (ሉቃ. 1፡28)

ኣደ መጥምቀ መለኮት ቅድስት ኤልሳቤጥ’ውን “ወብፅዕት አንቲ እንተ ተአምኒ ከመ ይከውን ቃል ዘነገሩኒ እምኀበ እግዚአብሔር/ ካብ እግዚአብሔር ንዝኸውን ነገር ከም ዝፍጸም እትኣምኒ ንስኺ ክብርቲን ንዕድቲን ኢኺ” እናበለት ኣመስጊናታ እያ። (ሉቃ. 1፡45)

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ንቃል ኤልሳቤጥ ኣኸቲላ “ናሁ እምይእዜሰ ያስተበፅዑኒ ኵሉ ትውልድ እስመ ገብረ ሊተ ኃይለ ዓቢያተ/ ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ እሞ ካብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ከመስግኑኒ እዮም” (ሉቃ. 1፡48) ብምባል ብኤልሳቤጥ ተመስጊና ትተርፍ ዘይኮነትሲ ካብቲ ጊዜ’ዚ ጀሚሩ ዘዝተንሥአ ትውልዲ ኵሉ ከመስግና ምዃኑ ተናገረት።

ነዚ መሠረት ብምግባር ድማ በብጊዜኡ ዝተንሥኡ ሕዝበ ክርስቲያንን ሊቃውንትን ቅዱሳን አበውን ብዝተፈላለየ ምስጋና ኣመስጊኖማ እዮም። ካብዚኣቶም ሓደ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ ጸሎተ ሰዓታቱ “ውድስት አንቲ በአፈ ነቢያት ወስብሕት በሐዋርያት/ ንስኺ ብልሳን ነቢያትን ሓዋርያትን ምስግንቲ ኢኺ” ክብል ኣመስገና። ቅዱስ ኤፍሬምን ኣባ ሕርያቆስን’ውን መንፈስ ቅዱስ ከምዝገለጸሎም ምስጋናኣ ደሪሶም እዮም።

 

ድኅሪ ምስጋና እግዚአብሔር ምስጋናኣ ክቐርብ ስለዝግባእ’ውን ኣብ ጸሎተ ማእድ ከይተረፈ “ስብሐት ለእግዝእትነ ማርያም/ ምስጋና ንእመቤትና ማርያም” ፣ ኣብ ጸሎተ ማኅበር ድማ “ስብሐት ለማርያም እግዝእትነ ወመድኃኒትነ/ ንእመቤትናን ጀማሪት ድኅነትናን ዝኾነት ድንግል ማርያም ምስጋና ይግባእ” እናበልና ከነመስግና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህረና።

ነአኵቶ ለእግዚአብሔር በእንተ ኵሉ ጸጋ ዘወሃባ ወአሠልጠና ለእሙ . . . እስመ እግዝእትነሰ ማርያም ቅድስት ይእቲ በሰማይ ወበምድር። በረከተ ጸሎታ ውኩፍ ወሀብተ ረድኤታ ትሩፍ ወምሕረተ ፍቁር ወልዳ ምልዕተ አጽናፍ የሀሉ ምስለ ኵልነ ሕዝበ ክርስቲያን ለዓለመ ዓለም፡ አሜን።

ምእንቲ’ቲ ኵሉ ነዲኡ ዝሃባ ጸጋን ዘኽበራን ንእግዚአብሔር ነመስግኖ። . . . ከመይ እግዝእትነ ማርያምሲ ኵሉ ሳዕ ብሰማይን ብምድርን ምስግንቲ እያ።
ብእግዚአብሔር ቅቡል ዝኾነ በረኸት ጸሎታን ሃብተ ረድኤታን ክሳዕ ጽንፊ ዝመልአ ምሕረት ፍቁር ወዳን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለም ዓለም ይኹን፡ ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚኣብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፣ ኣሜን ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195