banner

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብያተ ክርስቲያናት ባሪኾም!

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብያተ ክርስቲያናት ባሪኾም!

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ከም ኣካል ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዘርላንድ ኣብያተ ክርስቲያናት ባሪኾም። ብዕለት 22 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (01/11/2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ከተማ ሽፋውዘን ብስም ቅዱስ ሚካኤል ታቦት፣ ብዕለት 27 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (06/11/2018 ዓ.ም.ፈ) ድማ ኣብ ሳንጋለን ብሽም ቅዱስ ዑራኤል ታቦት ኣእትዮም። ዝግባእ ስብሐተ እግዚአብሔር፡ ጸሎተ ቅዳሴን ቃለ ቡራኬን ድማ ቀሪቡ።

ብዕለት 24 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (03/11/2018 ዓ.ም.ፈ) ነቶም ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ማኅበራትን ስዊዘርላንድ ከምኡ’ውን ሃገራት ጥልያን፣ ዓዲ እንግሊዝን ጀርመንን ክመሃሩ ዝጸንሑ 54 ተማሃሮ ብመዓርገ ዲቁና፣ 7 ዲያቆናት ድማ መዓርገ ክህነት ሥርዓተ ሢመት ተፈጺምሎም።

ብተወሳኺ’ውን ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብዕለት 07/11/2018 ዓ.ም.ፈ. ኣብ መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዙሪኽ ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ ሰንበት ብምስታፍ ኣባታዊ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ሂቦም።

ብሓፈሻ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዘርላንድ ትሽዓተ ኣብያተ ክርስቲያንን፣ 10 ማኅበራትን ዝጥርንፍ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195