banner

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም (WCC) ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም!

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም (WCC) ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም!

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ከም ኣካል ሓዋርያዊ ዑደቶም ብዕለት 3-4 ኅዳር 2010 ዓ.ም. (12-13/11/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ጀነቫ (ስዊዘላንድ) ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም (WCC) ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም!

ዋና ጸሓፊ እቲ ቤት ምኽሪ ዶ/ር ኦላቭ ትቬትን ተጠባባቒት ኃላፊት ፕሮፌሰር ዶ/ር ኢዛቤል ፊሪ ከምኡ’ውን ካልኦት ኃለፍቲ እቲ ምኽሪ ኣብ ዝተሳተፍዎ ጉባኤ፣

ክልቲኣዊ ዝምድና ንምድልዳል ዘተኮረ ዝተፈላለዩ ኣርእስታትን ብኢኮሜኒያዊ መትከላት ኣብ ባይታ ክህልዉ ብዛዕባ ዝግብኦም ግብራዊ ናይ ምትሕግጋዝ መደባትን ዓሚቕ ዘተ ድኅሪ ምክያድ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።

ብተወሳኺ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ኢኮሜኒናዊ ኢንስቲትዩት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ብምብጻሕ ንጥፈታት ናይቲ ኢንስቲትዩትን ቤተ ክርስቲያንና ክህልዋ ዝኽእል ተሳትፎን ተዘራሪቡ።

ኣቐዲሞም’ውን ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብዕለት 01 ኅዳር 2010 ዓ.ም. (10/11/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ንግሥነት ኔዘርላንድ ኣብ ገዳም ቅዱስ ኤፍሬም ምስ ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሶርያ ምስ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ፖሊካርፐስ፡ ንኽልተአን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከት ኣርእስታት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ስለ ርትዕቲ ሃይማኖቶም ብዙኅ ፀዋተወ መከራን ሰማዕትነትን ብዛዕባ ዝቕበሉ ዘለዉ ሶርያውያን ኣኃው ኣርቶዶክስ ሶርያ ዘለዎም ክብሪ ብምግላጽ፣ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምእንቲ ሰላም ዓለም ወትሩ ከምእትጽልይን ከምእትዝክሮምን ገሊጾም። ብፁዕ ኣቡነ ፖሊካርፐስ ድማ ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘለዎም ፍሉይ ፍቕርን ጦብላሕታን ብምግላጽ፣ ገዳሞም ከም ቀደሙ ንኣገልግሎት ኤርትራውያን ሕዝበ ክርስቲያን ክፉት ምዃኑ ኣረጋጊጾም። ብኣበምኔትን ኃለፍትን ገዳም ቅዱስ ኤፍሬም ንዝተዳለወ ፍሉይ ህያባት ካብ ኢድ ብፁዕ ኣቡነ ፖሊካርፐስ ተቐቢሎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዳም ቅዱስ ኤፍሬም ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን’ውን ብሓባር ብምኻድ፣ ብብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ዝተመርሐ ጸሎተ ኪዳን ኣብጺሖም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195