banner

“በአማን ፈነወ መልአኮ ወአድኃነኒ / ብሓቂ መልኣኹ ልኢኹ ኣድኃነኒ” (ግብ. 12፡11)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“በአማን ፈነወ መልአኮ ወአድኃነኒ / ብሓቂ መልኣኹ ልኢኹ ኣድኃነኒ” (ግብ. 12፡11)

ብኣምጻኤ ዓለማትን ፈጣሬ ፍጥረታትን እግዚአብሔር ብዕለተ እሑድ ካብ ዝተፈጥሩ፡ ‘መላእክት’ እዮም።

ቍጽሪ መላእክት ብዘይካ እግዚአብሔር ዝፈልጦ የለን። (ዳን. 7፡10) ብነገድ ግና ዓዓሠርተ ዝኅዙ 100 ነገዳት እዮም። ንሳቶም ድማ ኣጋዕዝት፡ ኪሩቤል፡ ሱራፌል፡ ኃይላት፡ አርባብ፡ መናብርት፡ ሥልጣናት፡ መኳንንት፡ ሊቃናት፡ መላእክት እዮም። (ቅዱስ ኤጲፋንዮስ) ኣብ ሠለስተ ሰማያት ኢዮር፡ ራማ፡ ኤረር ድማ ይሰፍሩ። ዲያብሎስ ብትዕቢቱ ድኅሪ ምውራዱ ግና ቍጽሪ ነገደ መላእክት 99 ነገዳት ኮነ።

በዚ ኸኣ መላእክት ዋላ እኳ ተፈጥሮኦም ሓደ ይኹን እምበር ብርሃናውያን መላእክትን ናይ ጸልማት መላእክትን ተባሂሎም ኣብ ኽልተ ወገን ይምደቡ። እቶም ናይ እግዚአብሔር ወገን ዝኾኑ ብርሃናውያን መላእክት “ቅዱሳን” ብዝብል ቅጽል ይጽውዑ። ብኣንጻሩ እቶም ሠራዊተ ዲያብሎስ ግና እኩያን፡ ርኩሳን መላእክት ይበሃሉ።

ቅዱሳን መላእኽቲ ካብ እግዚአብሔር ናብ ሰብ፡ ካብ ሰብ’ውን ናብ እግዚአብሔር ዝለኣኹ ሠራዊተ ሰማይ እዮም። ብእግዚአብሔር ምስ ተኣዘዙ ልዕሊ ቅልጣፈ ብርሃን ብቅጽበት ንላዕሊ ክሳብ ጽርሐ አርያም ይበጽሑ፡ ንታሕቲ ድማ ክሳብ በርባሮስ ይወርዱ።

ብዝተፈላለየ መልክዕ እናተገልጹ ድማ ንደቂ ሰባት ናይ እግዚአብሔር ሠናይ መልእኽት የበሥሩ፣ ምስትውዓልን ጥበብን ይዕድሉ፣ ካብ ጥፍኣትን መከራን የድኅኑ። ንምሳሌ፦

• ብኣምሳለ እሳት ንሊቀ ነቢያት ሙሴ፣(ዘፀ. 3፡2-4)
• ብኣምሳለ ዓምደ ብርሃንን ደመናን ንሕዝበ እስራኤል።(ዘፀ. 13፡21፣ 23፡20-21፣ ዘኁ. 20፡16)
• ብኣምሳለ ተራ ሰብ ንጌዴዎንን ንጦቢትን፣ (መሳ. 6፡12-23)
• ብኣምሳለ ነቢይ ንሰበይቲ ማኑሄ፣ (መሳ. 13፡6)
• ብኣምሳለ እሳታዊ ፈረስን ሠረገላን ንኣገልጋሊ ኤልሳዕ ፣ (2ይ ነገ. 6፡16-17)
• ብኣምሳለ እሳት ንነቢይ ሕዝቅኤል፣ (ሕዝ. 8፡2)
• ብኣምሳለ ሃሪ ዝተኸድነን ሕቋኡ ብወርቂ ዝተቐነተን ሰብ ንነቢይ ዳንኤል፣ (ዳን. 10፡5)
• ከም ትሑት ንዘካርያስን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን።(ሉቃ. 1፡12-26)
• ክብሪ ጐይታ ኣብ ዙሪኦም ኾይኑ ንጓሶት።(ሉቃ. 29፡30)
• . . .

ክቡር ዳዊት “ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኺሕልዉኻ፡ እግዚአብሔር ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ። ንሳቶም ከኣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ በእዳዎም ኪፆሩኻ እዮም።” መዝ. 91፡10-12 ከም ዝበለ ቅዱሳን መላእክት ሓለውትን ተራዳእትን ደቂ ሰባት እዮም። ንእስራኤል ዘሥጋ ዝሓለዎም ቅዱስ ሚካኤል መልኣኽ እዩ። ነዚ’ውን ንመስፍን እስራኤል ኢያሱ ኣብ ጥቃ ኢያሪኮ ነጊርዎ እዩ። (ኢያ. 5፡14-15)

ካብ ሕዝበ ክርስቲያንን ኣካሉ ካብ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኣይፍለዩን እዮም። ንኵሉ ሰብ ሓላዊ መልኣኽ ኣለዎ።
ኣብ ሥራሕና ዅሉ ይሕልዉና፡ ብኃጢኣት ምስ እንወደቕ ደጊፎም የተንሥኡና፡ ዕድመ ንንስሓ ናብ ፈጣሪኦምን ፈጣሪናን የማልዱልና (ሉቃ. 13፡7-9)፣ ብናትና ምንሳሕ ኣብ ሰማያት ዓቢይ ሓጐስ ይገብሩ (ሉቃ. 15፡7)፣ . . . ።

ስለዚ ነዞም ወትሩ ስለ ድኅነትና ክራድኡናን ክልምኑልናን ዝነብሩ ቅዱሳን መላእክት ዝግባእ ክብሪ ክንህቦምን ክብረ በዓሎም ከነኽብርን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ትምህረናን ትእዝዘናን።

ሓለዋ ቅዱሳን መላእክት ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195