banner

ክብረ በዓል ‘ቅዱስ ሚካኤል 12 ኅዳር’ ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ‘ቅዱስ ሚካኤል 12 ኅዳር’ ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ‘ቅዱስ ሚካኤል’ ሎሚ ዓመት 2011 ዓ.ም. ብሓፈሻ ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ኣብተን ብስም ቅዱስ ሚካኤል ዝጽውዓ ብኽብሪ ተባዒሉ።

ብፍሉይ ዝጥቀስ ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን (ጸጸራት)፡ ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ክሳዕ ረፋድ 12 ኅዳር መኀትወ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ሊቃውንት መምህራንን መዘምራንን ውሉድ ክህነት፡ ተራዳእነት መላእክት እናተማኅፀኑ ኵሉ ስብሐተ እግዚአብሔርን ንቅዱስ ሚካኤል ዝጠቅስ ቅኔያትን ማኅሌትን ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣብጺሖም።

ካብ ሰዓት 7፡00 ቅ.ቀ. ክሳዕ 10፡00 ቅ.ቀ. ብዝተፈላለዩ መምህራንን ደቀ መዛሙርትን ስብከተ ወንጌል ተዋሂቡ።

ብመሠረት መርሐ ግብር ድማ ሰዓት 10፡00፡ ‘ታቦተ ሕጉ’ ካብ መንበረ ክብሩ ተላዒሉ ክዓውድ ከሎ፡ ብፁዓን ኣቦታት ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን፡ ገዳማውያን፡ ውሉደ ክህነት ካህናትን ዲያቆናትን፡ ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበትን፡ ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ብዝማሬን ዕልልታን ምህለላን ኣኽቢሮም ምስ ዓጀብዎ፡ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ቆመ። 

ሠለስተ ካብ ሊቃውንት ሠለስተ ለዘብ ብምስማዕ ‘ ውእቱ ሚካኤል መልአከ ኃይል ልዑል ውእቱ ልዑለ መንበር፡ ይስአል ለነ ረዳኤ ይኩነነ/ እቲ ኃያልን ልዑልን በዓል ልዑል መንበርን ዝኾነ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ይለምነልናን ረዳኢ ይኹነናን’ እናበሉ ኣሸብሺቦም። 

ናይቲ ደብሪ ሕፃናት ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት ብወገኖም ብሕቶን መልስን ዝተሰነየ መሠረታዊ ትምህርተ ሃይማኖት ከምኡ’ውን ሠለስተ መዛሙር ብምዝማር ነቲ በዓል ድምቀት ወሲኾምሉ። ብሓፈሻ ነቲ በዓል ከኽብር ዝመጸ ሕዝቢ ሓጐሱን ፍቕሪ ሃይማኖትን ብጣቕዒትን ዕልልታን ይገልጽ ነበረ።

ቀጺሎም ነቲ በዓል ዝምልከት ትምህርቲ ብመምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ ተዋሂቡ። መምህር ክነፈ ርግብ ኣብ ትምህርቶም ታሪኻዊ ኣበዓዕላ ናይዚ ዕለት’ዚ ብምትራኽ ክብሪ መላእክትን ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤልን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እናጠቐሱ ምሂሮም። ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ሃይማኖት ሓደ ስመ እግዚአብሔር ዝተጻሕፎ ኣምልኾትና ንገልጸሉ ታቦት ክህልዋ ከሎ ንኽብሪ መጸውዒ ግና “ ታቦተ ሚካኤል” ከምዝበሃል ኣረዲኦም። ኣብ መወዳእታ መምህር ክነፈ ርግብ፡ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን ዝምልከቶ ስለዝኾነ ንልዑል እግዚአብሔር ንለምኖ እሞ ጸሎትና ሰሚዑ ክበጽሓና እዩ ኢሎም።

ኣመኃዳሪ ናይቲ ደብሪ መልአከ ሣህል ቀሲስ ተስፋሚካኤል መልእኽቲ ሰበኻ ጉባኤ ኣመኃላሊፎም። 

ብድኅር’ዚ ብፁዓን ኣቦታት ዝመርሕዎ ምህለላን ጸሎትን ምስ ተገብረ ታቦተ ሕጉ ብኽብሪ ናብ መንበሩ ብምቕማጥ ሥርዓተ ዑደት ሰዓት 12፡00 ተፈጸመ። ሥርዓተ ዑደት ደኣ ይፈጸም እምበር ናይ በዓል መእሠርን ፍጻሜን ጸሎተ ቅዳሴ ስለዝኾነ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ዝተሳተፍዎ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ‘እተዉ በሰላም’ ተባሂሉ ሠርሖተ ሕዝብን ፍጻሜ በዓልን ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195