banner

ብልኡካነ ሲኖዶስ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ጃክሰንቢል ተመሪቑ!

ብልኡካነ ሲኖዶስ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ጃክሰንቢል ተመሪቑ!

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ሓዋርያዊ ዑደቶም ብምቕጻል ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ከተማ ጃክሰቪል ንሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል መሪቖም!

ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን፡ ምሉእ ለይቲ ስብሐተ እግዚአብሔር ክበጽሕ ምስ ኃደረ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ብድኅሪ’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብ ሃገረ ስደት ከምዚ ዓይነት ቤተ ክርስቲያን ምሕናፅ ዘደንቕን ዓስቢ ዘውህብን ምዃኑ ድኅሪ ምግላጽ ብሓድነትን ፍቕርን ኣምልኮተ እግዚአብሔር ዝፍጸመሉ ክኸውን ከምዝግባእ ምዒዶም።

ቀጺሎም ኣቦ መንበር ደብረ መዊዕ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን (ኦርላንዶ) ዝኾኑ ቀሲስ ኪሮስ መሥርሕ ኣተሓናንፃ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ድኅሪ ምግላጽ ‘ደብረ ሣህል’ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ክጽዋዕ ከምዝተወሰነ ሓቢሮም። ኵሉ ሕዝቢ ድማ ብዕልልታን ጣቕዒትን ሓጐሶም ገሊጾም።

ኣብ ሰበካ ጉባኤ ናይዚ ቤተ ክርስቲያን ብገንዘቦምን ንዋቶምን ጉልቦቶምን ብኣብነት ዘገልገሉ ሠለስተ ኣባላት ማለት ኣቶ ገብረመድኅን፣ ኣቶ ዳኒኤልን ወ/ሮ ኣድያምን ዝተባህሉ ፍሉይ ሽልማት ምስ ምስክር ወረቐት ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ተቐቢሎም። ሓደ ተመሃራይ’ውን መዓርገ ዲቁና ተሠይሙ።

ብኻልእ መርሐ ግብር፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኖርዝ ኮሮላይና ከተማ ቻርሎት እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ መንክራት ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ክብረ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ብምስታፍ ጸሎተ ቅዳሴ ሠሪዖም። ቃለ ቡራኬን ኣቦታዊ ምኽርን ሂቦም። ንኣርባዕተ ተማሃሮ ድማ ብመዓርገ ዲቁና ሠይሞም።

ብተወሳኺ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ብምኻድ ጸሎተ ቅዳሴ ሠሪዖምን ቃለ ቡራኬ ሂቦምን።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195