banner

ጽማቕ ትኅዝቶ ተልእኾ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ!

ጽማቕ ትኅዝቶ ተልእኾ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ!

ልኡካን ሲኖዶስ ኣብ ሀገረ ስብከት ኤውሮጳ ካብ 25 መስከረም ክሳዕ 07 ኅዳር 2011 ዓ.ም. (05/10/2018 ክሳዕ 16/11/2018 ዓ.ም.ፈ) ዑደት ብምግባር ብርክት ዝበለ ሓዋርያዊ ተልእኾታት ከም ዘቃንዐ ይፍለጥ።

ልኡካን ሲኖዶስ፡ ኣብ ሾብዓተ ሃገራት ኤውሮጳ ቅዳሴ ብምሥራዕን ጉባኤታት ብምቅናዕን ንሕዝቢ ቡራኬ ክህቡ ከለዉ፣ ኣብ ኃሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያናት ከኣ ታቦት ባሪኾም ኣእትዮም። 34 ካህናት ዝርከብዎም ኣስታት 239 መዓርጋተ ዲቁናን ክህነትን ሠይሞም።


ኣብ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ተረኺቦም ከኣ ጸብጻብ ሥራሕ ሃገረ ስብከትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታትን ሰሚዖም። ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብቍጽሪ ዝርገሐ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስፋሕ፣ ብማእከልነት ምኅደራን ጽፈት ጥርናፈን፣ ምኅደራ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት፣ . . . ጽቡቕ ምዕባለን ገስጋሰን የመዝግብ ከምዘሎ ገምጊሞም። ክእረሙን ክመኃየሹን ዘለዎም ድኽመታት ከኣ መምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዛትዮምን ተማኺሮምን።

ነቲ ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ብኣተግባርነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ኣብ ዕብየት ቤተ ክርስቲያን ዘተኮሩ ፕሮጀክትታት መብርሂ ብምሃብ ድጋፍ ሃገረ ስብከትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣዘካኺሮም። ብሕዝበ ክርስቲያን ብፍላይ ከኣ ብውሉደ ክህነት ንዝቐረበሎም ዝተፈላለዩ ምኅደራዊን መንፈሳዊን ሕቶታት ምላሽ ሂቦም። ብወገን ተሳተፍቲ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ተካይዶም ዘላ ንጥፈታት ብሩህ መጻኢኣ ዘመልክት ምዃኑ ብምጥቃስ ንምድጋፉ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም። 

ኣብ ወፃኢ ዝምድናታት ንምኅያል ከኣ ምስ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም (WCC) ዝርከብዎም ምስ ዝተፈላለዩ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት፣ መራሕቲ ካልኦት ትካላት እምነትን ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ዕዉት ዘተ ኣካይዶም።

እዝን ካልእን ተልእኾታት ብምፍጻም ድማ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ይፍለጥ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195