banner

ብዛዕባ ‘ተወክፎ ነጋድያን ኢትዮጵያውያን’ ዝዝቲ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ብዛዕባ ‘ተወክፎ ነጋድያን ኢትዮጵያውያን’ ዝዝቲ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ናብ ገዳማትን ኣድባራትን ኣብያተ ክርስቲያንን ኤርትራ ዝነግዱ ኢትዮጵውያን ንኣቀባብሎኦም ክግብር ዘለዎ ምድላዋትን ጥንቃቐታትን ዝዝቲ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ብዕለት 18 ኅዳር 2011 ዓ.ም. ተቓኒዑ።

ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ኣባላት ቤ/ጽ መንበረ ፓትርያርክ፡ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽ መራሕ ሥራሕ ሃ/ስ ኣሥመራ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሃ/ስ ኣሥመራ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣመሓደርትን ጸሓፍትን ሰበኽቲ ወንጌልን ኃለፍቲ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበትን . . . ተሳቲፎም ነይሮም።

ድኅሪ ዝተገብረ ዘተን ሕቶን መልስን ርእይቶን መብርሂታትን ነቶም ብብዝኂ ዝነግዱ ዘለዉ ኣኅዋት ኢትዮጵያውያን ከምቲ ቅዱስ ቃሉ ዝምህረና፡ ታሪኽን ባህልን ቤተ ክርስቲያንና ዝምስክሮ ምቝሉል ኣቐባብላ ክግበረሎም ከምዝግባእ ተገሊጹ።

ከምኡ’ውን ተሓድሶኣዊ ምንቅስቓስ ዝኽተሉን መናፍቃንን፣ ኣምልኮ ባዕድን ሥራይን ጥንቆላን ክፉእ ግብርን ዝፍጽሙ ሰባት፣ . . . ወዘይመስሎ ምስቶም ቅኑዓት ምእመናንን ምእመናትን ተሓዊሶም ክመጹ ስለዝኽእሉ ግቡእ ምክትታል ክግበረሎም ከምዝግባእ ምኅጽንታ ቀሪቡ። 

በዚ መሠረት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኮሚቴ ቆይማ ምስ ሰበኻ ጉባኤን ትምህርቲ ሰንበትን ብምውሓድ ነጋድያን ኣብ ምእንጋድን ምክትታል ኣብ ምግባርን ክትነጥ ከምዝኾነት ተሓቢሩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195