
ናይ ሃገረ ስብከት ኣመሪካን ካናዳን፡ ንኡስ ዞባዊ ጉባኤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ተቓኒዑ!
ብሃገረ ስብከት ኣመሪካን ካናዳን ተማእኪሉ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ዝካየድ ንኡስ ዞባዊ ጉባኤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት፡ ልኡካነ ሲኖዶስ ኣብ ዝተረኽብሉ ‘ኣብ ጊዜ ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክር’(ምሳ. 12፡8)ብዝብል መሪሕ ቃል ብዕለት 15 ኅዳር 2011 ዓ.ም. (24/11/2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሜርላንድ ተኻይዱ።
ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ካብ ዝርከባ ሾሞንተ ኣብያተ ክርስቲያናት ማለት ጽርሐ ኣርያም ቅድስት ሥላሴ ሜሪላንድ፡ ሓመረ ኖህ ቅድስት ማርያም ዋሽንግቶን፡ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ሜሪላንድ፡ ደብረ ግዕዛን ደብረ ኢየሱስ ፊላደልፊያ፡ ኣቡነ እንድርያስ ባልቲሞር፡ ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ኒው ጀርሲ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ቦስቶን፡ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቡፋሎ ዝመጹ ኣስታት 240 ኣባላት ትምህርተ ሰንበት ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ተሳቲፎም።
እቲ ጉባኤ ብጸሎት ምስ ተኸፍተ፡ ኣብ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ተራ ትምህርተ ሰንበት፣ ኣገልግሎት ትምህርተ ሰንበትን ፈተናታቱን፣ . . . ዘተኮሩ ኣርእስታት ብዕምቈትን ስፍሓትን ተዘቲሎም።
መዝሙር ብመዘምራን ቅዱስ ሚካኤል ቦፋሎ ምስ ቀረበ ብሊቀ መዘምራን መሪጌታ ኣፈ ወርቅ ሰማዒ ‘ኣብ ጊዜ ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክር’ ብዝኣርእስቱ ስብከተ ወንጌል ተዋሂቡ። መዘምራን ቅድስት ሥላሴ ድማ ብያሬዳዊ ዜማ ኣሸብሺቦም።
ድኅሪ ዕረፍቲ፡ ብቋንቋ እንግሊዝ ስብከት ወንጌል፣ ሓፈሻዊ ፍልጠት፣ ድራማ ብተኸታቲሉ ቀሪቡ። ሕፃናት ተማሃሮ ደብረ ግዕዛን ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ፊላደልፍያ ዘጽንዕዎ ጸሎት ዘወትርን ውዳሴ ማርያምን ሓደ ድኅሪ ሓደ እናተቐባበሉ ምስ ኣስምዑ ብያሬዳዊ ጣዕመ ዜማ ወሪቦም።
እቶም ኣብ ሓፈሻዊ ፍልጠት ዝተዓወቱ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅዱስ ሚካኤል ቡፋሎ ድማ ብብፁዓን ኣቦታት እናተሳለሙ ተመሪቖም።
ኣብ መወዳእታ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ጸሎትን ምስ ሃቡ እቲ ጉባኤ ብሰላም ተፈጺሙ።
ንጽባሒቱ፡ ኣብ ጽርሓ ኣርያም ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ናይ ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያናት ተማሃሮ ዲቁና ማለት ኃሙሽተ ተማሃሮ ካብ ጽርሓ ኣርያም ቅድስት ሥላሴ፡ ኣርባዕተ ካብ ሐመረ ኖህ ቅድስት ማርም፡ ሓደ ካብ ደብረ ኢየሱስ ፊላደልፊያ ብድምር ዓሰርተው ተማሃሮ ብብፁዓን ኣቦታት መዓርገ ዲቁና ተሠይሞም።
ብተወሳኺ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሚሪላንድ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ሂቦም።