banner

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኅዳር ጽዮን 2011 ዓም. ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኅዳር ጽዮን 2011 ዓም. ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ!

ወርኀ ኅዳር ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ተደራራቢ በዓላት ዝእንገደላ እዩ። ካብዞም በዓላት ሓደ ክብረ ታቦተ ሕጉን፡ ዕቤትን ቅድስናን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝበዓለሉ በዓል 21 ኅዳር እዩ። ስለዝኾነ ድማ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ብስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ውዳሴን ቅዳሴን ብድሙቅ ሥርዓትን ትውፊታዊ ባህልን ተኸቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ርእሰ አድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን፦ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ፣ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ዞባ ዓንሰባን ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ፡ ኣካላት መንግሥቲ፡ ኃለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ፡ ኣመኀደርቲ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ገዳማውያን፡ ውሉደ ክህነትን ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተባዒሉ።

ብዝወፀ መርሓ ግብር መሠረት፡ ብድሮ 20 ኅዳር ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ዋዜማ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ቀጺሎም ሊቃውንት መዘምራን፡ ካብ ሰዓታት ምሸት ጀሚሮም ክሳዕ ሰዓት 9፡00 ረፋድ ስብሐተ ማኅሌት ምስ ኣብጽሑ፡ ታቦተ ሕጉ ካብ መንበሩ ተላዒሉ ኣብ ውሽጥን ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወፃእን፡ ልብሰ ተክህኖ ተኸዲኖም ማዕጠንት፡ መስቀልን ሥእለ አድኅኖን ብዝኃዙ ውሉደ ክህነት፡ ያሬዳዊ ዜማ ብዘሸብሽቡ ሊቃውንት፡ ዝዝምሩ ናይቲ ደብሪ ተመሃሮ ኣካዳማውን ኣባላት ትምህርተ ሰንበትን፡ ዝምህለሉን ዘጣቕዑን ዝዕልሉን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ድኅሪ ምዛሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ቆመ። 

መቐጸልታ ናይቲ በዓል ዝኾነ ብሊቃውንት ምስቲ በዓል ዝሰማማዕ ሠለስተ ያሬዳዊ ዜማ ምስ ተዘመመ ትምህርቶም ዘጠናቐቑ ተመሃሮ አቋቋም ናይቲ ደብሪ እናመርሕዎም “ዘካርያስ ርእየ ተቅዋመ ማኅቶት ኵለንታሃ ወርቅ በየማና ወበጸጋማ አዕጹቀ ዘይት፣ ነቢያት ይትፌሥሑ ሐዋርያት ይትኃሠዩ በውስቴታ ወዳዊት ይዜምር በውስተ ማኅፈዲሃ/ ኵለንትናኣ ብወርቂ ዝተገብረት ብየማናን ጸጋማን ዘይት ዘለዋ እተብርህ ፋና ዘካርያስ ርኣየ፣ ብእኣ ነቢያት ይሕጐሱ ሓዋርያት’ውን ደስ ይብሎም፣ዳዊት’ውን ኣብ ኣዳራሻ ይዝምር” ዝብል ወረብ፡ ልቢ ብዝምስጥ መገድን ያሬዳዊ ሥርዓትን ቀሪቡ።

ኣስዒቦም ተመሃሮ መዋዕለ ሕፃናት ናይቲ ደብሪ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘመስግን “ሙሴ ዘርእያ፡ ጽላት ዘሙሴ፡ ለባርኮ ዐውደ ዓመት” ዝብሉ ሓፀርቲ ግእዛዊ መዛሙር ምስ ኣቕረቡ፣ ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት “ሃሌ ሉያ በጾም ወበጸሎት ተመጠወ ሙሴ ኦሪተ ዐሥሮነ ቃላተ/ ሃሌ ሉያ ሙሴ ብጸሎትን ጾምን ዓሠርተ ቃላት ዝተጻሕፎ ሕገ ኦሪት ተቐበለ” ከምኡ ድማ “ሰላም ለኪ ደብረ ጽዮን ደብረ መቅደሳ ለማርያም እመ አምላክ፣ ዐባይ ሃገር ደብረ ጽዮን እመ ሊቃውንት ይሴኒ ላኅያ እምኵሎን አድባር/ ናይ ወላዲት ኣምላክ መኅደሪት ዝኾንኪ ደብረ ጽዮን ሰላም ንዓኺ፣ ኣደ ሊቃውንት ዝኾንኪ ዓባይ ሃገር ደብረ ጽዮን ካብ ኵለን ኣድባራት ዝበለጸት እያ።” እናበሉ ብምዝማር ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ወሲኾምሉ።

ብናይቲ ደብሪ ሰባኬ ወንጌልን ኣብ ኮሌጅ ፍኖተ ብርሃን ናይ ትርጓሜ መጻሕፍት መምህርን ዝኾኑ ኣባ ዮሐንስ ጊላይ “ኢታምልክ አማልክተ ዘእንበሌየ፣ ካብ ምድረ ግብጺ ዘውፃእኩኻ ናይ ሥጋኻን ነፍስኻን ኣምላኽ ኣነ እየ እሞ ብዘይካይ ካልእ ኣማልክቲ ኣይትግበር” (ዘፀ. 20፡3) ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ። መምህር ዮሓንስ ኣብ ትምህርቶም ‘ታቦት’ ሰባት ብሓሳቦም ዘንቀልዎ ምድራዊ ዘይኮነስ ብኢድ እግዚአብሔር ዝተቐበልናዮ እዩ ብምባል ክብርን ኣመጻጽኣን ታቦት ገሊጾም። ኣስዒቦም ምሕረትን ፈውስን ዝህቡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ከምኡ’ውን ባዕሉ ልዑል እግዚአብሔር ጸጋኡ ዘኅደረሎም ብሰብን እግዚአብሔርን ዝተመስከረሎም ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅዱሳን መላእክትን ቅዱሳን ሰባትን ስለዝኾኑ ሕዝበ ክርስቲያን አምልኮተ ባዕድ ካብ ዝኾነ ኣብ ደቂ ሰባት ካብ ምውካል ክጥንቀቑ ከምዝግባእ ተናጊሮም። ኣብ መወዳእታ ነዚ ብቃል ኪዳን ድንግል ማርያም ተረኺቡ ዘሎ ሃገራዊ ሰላም ምሉእን ፍጹምን ክገብረልና ብጸሎትን ፍቕርን ሓድነትን ክንዕቅቦ ይግባእ’ ብምባል ተማሕጺኖም።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ንተመረቕቲ ተመሃሮ አቋቋም ናይቲ ደብሪ ምስክር ወረቐትን ዝተዳለወ ሽልማትን ምስ ሃቡ፡ መልእኽቲ ሰበኻ ጉባኤ ብኣመኃዳሪ ናይቲ ደብሪ መልአከ ጽዮን ቀሲስ ጲጥሮስ ቀሲስ ተኽለ ቀሪቡ። 

ነዚ ተኸቲሉ ቡራኬ ብፁዓን ኣቦታት ምስ ተወሃበ ብጸሎተ ምህላ ተዓጂቡ ታቦት ናብ መንበር ክብሩ ተመሊሱ።

ኣሳርን ፈጻምን ኵሉ ኣገልግሎት ዝኾነ ጸሎተ ቅዳሴ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ምስ ተሠርዐ ድማ ልክዕ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. መፈጸምታ ናይቲ በዓል ኮነ።

ከምዝፍለጥ፡ ርእሰ አድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ጥንታውነቱ ዓቂቡ ፈለገ መንፈሳዊ ትምህርት ብምዃን ንብዙኃን ሊቃውንት ዘፍርን መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ዝህብን ዘሎ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195