banner

ተኣምር ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ተኣምር ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት

“ነቲ ንነፍስን ንሥጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርህዎ እምበር ነቶም ንሥጋ ክቐትሉ ንነፍሲ ግና ኪቐትልዋ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም” (ማቴ. 10፡18) ከምኡ’ውን “ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ፧” (ሮሜ 8፡35) ዝብል መሪሕ ቃል ገይሮም፡ ስለ እግዚአብሔር፡ ስለ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ስለ ሃይማኖትን ሓቅን ክብሉ ዝተፈላለየ መከራ ዝተቐበሉ፡ ደሞም ኣፍሲሶምን ዓጽሞም ከስኪሶምን ሕይወቶም ዝወፈዩ ‘ቅዱሳን ሰማዕታት’ ይበሃሉ።
ስለቲ ሰማዕትነቶም ድማ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ጽድቂ ይደፍኡ፣ ብቃል ኪዳኖም በረኸት ይዕድሉ፣ ብዐፀደ ነፍስ ኮይኖም ነቶም ብኣካለ ሥጋ ዘለዉ ይራድኡን ተኣምራት ይገብሩን፣ . . . ።

ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ ብዐፀደ ነፍስ እናተገልጸ ይትረፍ ንክርስቲያን ዋላ’ውን ንዘይኣማኒ ተኣምራት ፈጺሙ እዩ። ሓደ ኻብኡ በረኸት ንክኾነና ክንትርኾ ኢና፡ እግዚአብሔር ፍቕሪ ሰማዕታት የኅድረልና!

ኣብ ሃገረ ምስር ብስም ሰማዕት ቅዱስ መርቆሬዎስ ዝተሓንፀት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘለዋ ዓዲ ሓደ ካብ መሳፍንት ወገን ዝኾነ ዘይኣማኒ ተንበላታዊ መንእሰይ ነበረ። እዚ መንእሰይ’ዚ ተቈጢዑ ንሓደ እምነተ ክርስትና ብምቕባሉ ናብ ሰማዕትነት ዘምርሕ ዝነበረ ክርስቲያን፡- “ስለምንታይ ንሓደ ፈጣሪ ሠለስተ ኣማልኽት ትገብርዎ፡ . . . ነዚ እምነት’ዚ ኃዲግካ ተመሓር” በሎ።

እቲ ክርስቲያን፥ “ንሕና ክርስቲያን ሠለስተ ኣማልኽት እንኣምን ከሓድያን ኣይኮንናን። ብሓደ ኣምላኽ ዝኾነ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ግና ንኣምን። . . . ብስምን ግብርን ብኣካልን ሠለስተ ክንብል ከለና፡ ብመለኮት፡ ብእግዚአብሔርነት ግና ሓደ ንብል። ምሥጢረ ሃይማኖት ፍጹም ዕፁብ እዩ። ንኣኹም ሕቡእ እዩ፡ ልቦናኹም’ውን ክጾሮ ኣይክእልን እዩ። ንስኻ ሕጂ ብርሃነ ሃይማኖት ስለዘየብርሃልካ ልብኻ ጸልማት እዩ። ድኅሪ ቍሩብ ጊዜ ግና ብርሃነ ክርስቶስ ክበርሃልካ እዩ” በሎ።

እቲ ዘይኣማኒ ወዲ መስፍን ነዚ ምስ ሰምዐ እምብዛ ተቘጥዐ። ናብ ቤቱ ከይዱ ካብ ብዙኂ ኃዘኑ ዝተላዕለ ሠለስተ መዓልቲ መግቢ ከይበልዐ ቀነየ። ተሻቒሎም ሥድራ ቤቱ፡ ‘እንታይ ኢኻ ኴንካ፧’ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ ኵሉ’ቲ ሰማዕት ዝኾነ ክርስቲያን ዝበሎ ነገሮም። ንሳቶም ከኣ ኣጸናንዕዎ።

በቲ ወርኃት’ቲ ብዙኃት ዘይኣማንያን ናብ መቃብር ነቢዮም ዝኸድሉ ጊዜ ስለዝነበረ፡ ምስኦም ክኸይድ ነቦኡ ሓተቶ። ኣቦኡ ድማ እናተሓጐሰ ኣስኒቑ ምስኣቶም ሰደዶ።

ናብቲ ዝሓሰብዎ ቦታ በጺሖም፡ ተግባሮም ፈጺሞም ክምለሱ ከለዉ ሾብዓተ መዓልቲ ተጓዓዙ። ብለይቲ እናተጓዓዙ ከለዉ እቲ ወዲ መስፍን ምእንቲ ክሸይን ካብ ገመሉ ወሪዱ ዘወር በለ። እቶም ብጾቱ ምስኦም ዝጓዓዝ ዘሎ መሲልዎም ከይረኣይዎ ገዲፎሞ ከዱ። ኣብቲ በረኻ በይኑ ተረፈ። ናበይ ከምዝኸይድ ጠፍኦ። ኣራዊት ከይበልዕዎ’ውን ኣዝዩ ፈርሐ።

ኣብዚ ጊዜ’ዚ ነታ ኣብ ሃገሩ ምስር ኣብ ጥቃ ቤት ኣቦኡ ዘላ ናይ ሰማዕት መርቆሬዎስ ቤተ ክርስቲያን ዘከረ። ብሕልናኡ’ውን ‘ብዙኃት ሰባት ኣብኣ ተመባጺዖም ኵሉ ድሌቶም ይፍጸመሎም እዩ፡ ስለዚ ኣነ’ውን ኦ መርቆሬዎስ ሰማዕት ክርስቶስ ካብዚ በረኻ’ዚ ኣራዊት ከይበልዑኒ ብሰላም እንተ ኣውፂእካኒ ክርስቲያን ክኸውን እየ’ ኢሉ ለመነ።

በዚ ጊዜ’ዚ ቅዱስ መርቆሬዎስ ኣብ ፈረሱ ተወጢሑ ብኣካል ተገልጸሉ እሞ “ካበይ መጺኻ፧ ኣብዚ በረኻ’ኸ በይንኻ ብኸመይ ጠፊእካ፧” ክብል ሓተቶ። እቲ መንእሰይ ድማ ኵሉ እቲ ዝበጽሖ ነገሮ። ብድኅር’ዚ ቅዱስ መርቆሬዎስ ‘ንዓ ኣብ ፈረሰይ ብድኅረይ ተወጣሕ’ ኢሉ ብምድያብ ኣብ ኣየር እናብረረ ብቕጽበት ኣብ ሃገሩ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብዕፅውታ ኣእቲዎ ተሠወረ።

እቲ ዘይኣማኒ መንእሰይ በቲ ዝኾነ ፈሪሑ ‘ኣበይ እየ ዘለኹ፧ እዚ ቤተ ክርስቲያን’ዶ ኣይኮነን! ኣብ በረኻ’ዶ ኣይነበርኩን’ ኢሉ እናሓሰበ ከሎ፡ መጋቤ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ካህን ብለይቲ ቤተ ክርስቲያን ከፊቱ ኣትዩ ረኸቦ። ሰራቂ መሲልዎ ኣዚዩ ሰንበደ። እቲ መንእሰይ ግና ኣይትሰምብድ፡ ናባይ ቅረብ፡ ኣበይ እየ ዘለኹ፧” ክብል ሓተቶ። እቲ ካህን ከኣ ኣብ ምስር እትርከብ ናይ ቅዱስ ሰማዕት መርቆሬዎስ ቤተ ክርስቲያን ኢኻ ዘለኻ። ልቡ ከም ዝጠፍኦ ሰብ ስለምንታይ ትሓተኒ፧ ናብዚ ብኸመይ መጺኻ፧ ንገረኒ” በሎ። እቲ መንእሰይ ድማ እርይ ቍጽር ኣቢሉ ኵሉ ዘጋጠሞ ነገሮ። እቲ ካብ በረኻ ናብዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረሱ ኣወጢሑ ዘምጽኣኒ እዚ እዩ ብምባል ናብ ሥዕሊ ሰማዕት መርቆሬዎስ ኣመልኪቱ ነገሮ።

ብድኅር’ዚ ትምህርተ ክርስትና ተማሂሩ ተጠምቀ፣ ስሙ ድማ ‘ዮሓንስ’ ተሰይመ። ብሰንኪ’ዚ ግና ብሥድራ ቤቱን ወገኑን ከቢድ ጸዋትወ መከራ በጽሖ። ኣብ ገዳመ ኣስቄጥስ ኣትዩ ብተጋድሎ ንኽልተ ዓመት ድኅሪ ምንባር ናብ ትውልዲ ዓዱ ተመሊሱ ንብዙኃት ካብ ሃይማኖተ ተንባላት ናብ እምነተ ክርስትና ኣእተዎም።

ቀጺሉ፡ ብስም ሰማዕት ቅዱስ መርቆሬዎስን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ቤተ ክርስቲያን ኣሕኒፁ፡ አበምኔት ተሠይሙ ብዙኃት መነኮሳት ኣፍረየ።

ጸጋ መንፈስ ቅዱስ በዚኅሉ ኽልተ መጻሕፍተ ድርሳን ጸሓፈ። ብድኅሪ ብዙኅ ተጋድሎ ከኣ ንእግዚአብሔር ኣሥሚሩ ብሰላም ኣዕረፈ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195