banner

ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ!

ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ!

ክብረ በዓል በአታ ለማርያም ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ

ክብረ በዓል በአተ ማርያም ውስተ ቤተ መቅደስ/ ቅድስተ ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም ኣብ ሠለስተ ዓመት ዕድመኣ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣተወትሉ፡ ሓደ ካብ 33ተን በዓላተ እግዝእትነ ማርያም እዩ። እዚ በዓል እዚ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ብኽብሪ ክበዓል ከሎ፡ ብፍሉይ ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ወበአታ ለማርያም ወአቡነ ሊባኖስ ቤተ ክርስቲያን (ቲራቮሎ) ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ።


ብድሮ ብዕለት 2 ታኅሣሥ ኣብ ሰዓታት ድኅሪ ቀትሪ (1፡00-5፡00 ድ.ቀ.) ብጸሎታትን ቅኔያትን ዝተሰነየ ስብሐተ ዋዜማ በጺሑ። ከም መቀጸልትኡ ድማ ምሉእ ለይቲ ክሳዕ ረፋድ ሰዓት 9 ቅ.ቀ. ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን “ ንጽሕተ ንጹሓን ከዊና፡ ከመ ታቦተ ዶር ዘሲና ውስተ ቤተ መቅደስ ነበረት በቅድስና ሲሳያ ኅብስተ መና ወስቴሃ ስቴ ጽሙና፣ ንጽሕተ ንጹሓን ማኅደረ መለኮት ታቦተ ብርሃን ዝኾነት ድንግል ማርያም ን12 ዓመት ከም ታቦተ ኦሪት ኣብ ቤተ መቅደስ ብቅድስና ሰማያዊ ኅብስተን ጽዋዕን ብቅዱሳን መላእክት እናተመገበት ነበረት። . . .” እናበሉ ንዕቤታን ክብራን ዝገልጹ ዜማታት እናዝየሙን እናወረቡን ኃዲሮም። ኣብ መወዳእታ ኣብ ረፋድ ሰዓት 9 ቅ.ቀ. ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ብጸሎተ ኪዳን ተፈጺሙ።

ብድኅሪ እዚ ታቦተ ሕጉ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝዘረሉ እዋን ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስን ኣበምኔት ገዳማትን ለባስያንን እናመርሕዎም ብሊቃውንትን ተመሃሮ ትምህሕርተ ሰንበትን መዛሙር ክቀርብ ከሎ፡ ምእመናንን ምእመናትን ድማ እናተማህለሉ ዓጂቦሞ። 

ኣብ ዓውደ ምሕረት ታቦት ኣብ ዝቖመሉ፡ ነቲ ክብረ በዓል ዝገልጽ ብሊቃውንትን መዘምራንን ልቢ ዝምስጥ ያሬዳዊ ዜማን ሸብሸቦን ቀሪቡ። ሕፃናት ትምህርተ ሰንበት ድማ ናብዚ ዕለተ በዓላ ዘብጽሓና እግዚአብሔር ይመስገን እናበሉ ዘሚሮም።


ቀጺሎም ሰባኬ ወንጌል መሪ. ስምዖን በየነ ነቲ በዓል ዝምልከት ካብ ወንጌለ ሉቃስ ምዕራፍ 1፡37 “ ንእግዚአብሔር ዝስእኖ የሎን” ዝብል ኣርእስቲ ብምልዓል ክብርን ቅድስናን ድንግል ማርያም ዝገልጽ ትምህርቲ ምሂሮም። ንሶም ኣብ ትምህርቶም ‘ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ፍጥረተ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ዝነበረት፡ ድኅረ ዓለም ነቢያት ብትንቢትን ኅብረ ምሳሌን ዝገልጽዋ ዝነበሩ፡ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ድማ ኣዳማዊ ኃጢኣት ከይኃለፋ ካብ ኣቦና ኢያቄምን ኣደና ሃናን ብንጽሕና ተወሊዳ፡ ብቅድስና ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ ወልደ እግዚአብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ፍጹም ሰብ ዝኾነላ ምክንያተ ድኅነት ናይ ደቂ ሰባት እያ። ስለዚ ንኽብራ ፈሊጡ ንድንግል ማርያም ከም ኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ ዝኃደሮ እንተዘይኮይኑ ካብ ገዛእ ርእሱ ተላዒሉ ዝኾነ ሰብ ከመስግና ኣይኽእልን እዩ‘ሞ ንሕና’ውን ሎሚ መንፈሰ እግዚአብሔር ኣነቃቂሕና ኢና ነመስግና ዘሎና” ኢሎም።
ኣብ መፈጸምታ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ‘ሰላመ አብ’ ኢሎም ምህላ ድኅሪ ምምርሖም ብሥርየት ናይ ዑደተ ታቦት መርሐ ግብር ተዛዚሙ።

ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ መፈጸምታን ኣሳርን ናይ ዅሉ ዝኾነ ጸሎተ ቅዳሴ ተጀሚሩ ልክዕ ሰዓት ሠለስተ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮይኑ።

ኵሎም ኣብዚ ክብረ በዓል ዝተሳተፉ፡ ብዝናብ ጠሊሎም፣ በረኸት ሰኒቖም፡ ውሽጣዊ ሰላም ኃዲርዎም መክፈልተ ሠናየ እናጠዓሙ ነናብ ቤቶም ከይዶም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195