banner

ተፈጥሮ ሰብ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ተፈጥሮ ሰብ

ኣብ መወዳእታ ድኅሪ ኵሎም 21 ፍጥረታትን መበል ራብዓይ ፍጥረት ናይ ዕለተ ዓርብን ዝኾነ ሰብ እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ/ ብመልክዕናን ብምስልናንን ሰብ ንፍጠር” ብምባል ፈጠረ። ድኅሪ ኵሎም ዝፈጠረሉ ምኽንያት ከምቲ ለዋህ ወላዲ ንውላዱ ኣቐዲሙ ንመጻኢ መነባብሮኡ ዘዳልወሉ፡ እግዚኣብሔር ድማ ነቲ ኣዝዩ ዘፍቅሮ ሰብ ኵሉ ዘድልዮ ኣቐዲሙ ምስ ፈጠረ ፈጠሮ ።

ንዝቐደሙ ዕሥራን ሓደን ፍጥረታት ብሓልዮ (ብሓሳብ)፡ ብነቢብ (ብቃል) ክፈጥሮም ከሎ ንሰብ ግና ፍልይ ብዝበለ ብግብሪ ፈጠሮ። (ዘፍ 1፡26) 

ሥላሴ ብመልክዕናን ብኣምሳልናን ሰብ ንፍጠር ምስ በሉ ናይ ሰብ ሥጋኡን ነፍሱን ብዘይምቅድዳም ብሓደ ጊዜ ተረኽቡ፡ “ወገብሮ እግዚአብሔር ለሰብእ እመሬተ ምድር ወነፍሐ ውስተ ገጹ መንፈሰ ሕይወት፡ ወኮነ ዕጓለ እመ ሕያው / እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ምድሪ መሬት ወሲዱ ንሰብ ፈጠሮ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ሕይወት ዝህብ ትንፋስ ኡፍ በለሉ እሞ ሰብ ከኣ ሕይወት ዘለዎ ኾነ።” (ዘፍ. 2፡7) 

ንግዙፍ ኣካለ ሥጋ ብኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ (መሬት፡ ማይ፡ እሳት፡ነፋስ) ኣራኺቡ ብሥጋ ኣለሳሊሱ፡ ብጅማት ኣተኃኂዙ፡ ብኣዕፅምቲ ኣጽኒዑ ከምኡ’ውን ነታ ረቂቅ ኣካል ዘለዋ ነፍሲ ካብ ዘይምህላዉ ናብ ምህላው ኣምጺኡ፡ ንሠለስተ ባህርያት ማለት ለባውነት (ፍልጠት)፡ ነባቢነት (ቃል)፡ ሕያውነት (ሕይወት) ሂቡ፣ ብሓፈሻ ንሥጋን ነፍስን ኣዋሒዱ ፈጠሮ።

ሰብ በቲ ግዙፍ ኣካሉ ሥጋውን መዋትን ብምዃኑ እንስሳ ኣይኮነን። በታ ረቃቕ ነፍሱ ለባውነት ፡ ነባቢነት ፡ ሕያውነት ስለዘለዎ መልኣኽ ኣይኮነን። ባህሪኡ ናይ መልኣኽን ናይ እንስሳን ስለ ዝኾነ ማእከላዊ እዩ።

ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ፡ ብመልክዕናን ብምስልናን ሰብ ንፍጠር ዝበሉ፡ ሰብ ብኸመይ ንሥላሴ ስለዝመስል እዩ፧

ሀ. ብመልክዕ

ንሰብ ዝርአን ዝድኅሠሥን ግዙፍ ኣካል መልክዕ ክህልዎ ከሎ፡ ንሥላሴ ድማ ረቂቅ መልክዕ ኣለዎም። ነቢየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት “እስመ አዕይንቲሁ ለእግዚአብሔር ኀበ ጻድቃኑ፡ ወእዝኑሂ ኀበ ስእለቶሙ/ ናይ እግዚአብሔር ኣዕይንቲ ናብ ጻድቃን ይጥምታ፡ ኣዕዛኑ ድማ ንልመናኦም ጽን ይብላ” ከም ዝበለ። (መዝ. 33፡18 ፣ 34፡15 ፣ ኢሳ. 48፡13 ፣ 59፡1) ከምኡ’ውን መምህራነ ቤተ ክርስቲያን ሠለስቱ ምእት ኣብ ሃይማኖተ አበው ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፦ “ነአምን ከመ ቦሙ ሥላሴ መልክዐተ ጽዱቃተ አዕይንት ወአዕዛን ወአእጋር ወኵሎንሂ እለ ተርፋ አባላት/ ንሥላሴ ርግጸኛ መልክዕ ኣዕይንቲ፡ ኣዕዛን፡ ኣእዳው፡ ኣእጋርን ኵሎም ዝተረፉ ኣካላት ከም ዘለዎም ነኣምን።”

ለ. ብሓድነትን ሠለስትነትን

ሥላሴ፦ ለባውያን፡ ነባብያን፡ ሕያዋን እዮም። እንተኾነ ግና ‘ሓደ ኣምላኽ’ እምበር ሠለስተ ኣማልኽቲ ኣይበሃሉን። “እንዘ አሐዱ ሠለስቱ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ/ ሓደ እንከሎ ሠለስተ፡ ሠለስተ እንከለዉ ሓደ ” ከምዝብል። ሰብ ድማ ለባዊ፡ ነባቢ፡ ሕያው እዩ። እንተኾነ ሓደ ሰብ ይበሃል።

ሐ.ብዘለዓለማውነት

ሥላሴ፡ ንዘለዓለም ሕያው እዮም። ሰብ ከኣ ሞይቱ ኣብ መቃብር በስቢሱ ፈሪሱ ኣይተርፍን እዩ፣ ዘለዓለማዊት ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ።

ስለዚ እግዚኣብሔር፡ ንሰብ ወዲ 30 ዓመት ጐበዝ መንእሰይ፡ ማእከላይ ቁመት ዘለዎ ምልኩዕ ገይሩ ፈጠሮ። ንእንስሳታት፡ ኣራዊትን ኣዕዋፍን ኣጎቢጡ (ኣድኒኑ) ክፈጥሮም ንኣዳም ግና ኣቅኒዑ (ትኽ) ኣቢሉ ፈጠሮ። ኣዳም ምቕንዑ ንሱ ገዛኢ እንስሳታት ምዃኑ እንስሳታት ምድናኖም ድማ ተገዛእቲ ምዃኖም ከረድእ እዩ።

እዚ ፍጡር እዚ ፦

• ‘ሰብ’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ሾብዓተ ባህርያት (ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋን ሠለስተ ባህርያተ ነፍስን) ዘለዎ ፍጹም ንምባል እዩ።
• ‘ኣዳም’ ተባህለ። ኣዳም ማለት ካብ መሬት ዝተረኽበ ምልኩዕ ማለት እዩ። “ወይፈደፍድ ብርሃኑ ለአዳም እምብርሃነ ፀሐይ ወይበርህ ሥጋሁ ከመ ኮከበ ጽባሕ/ ኣዳም ከም ፀሐይ ዘንጸባርቕ፡ ከም ኮኸብ ጽባሕ ዝበርህ እዩ” ከም ዝብል ቀሌምንጦስ።
• ካብ ሕያው እግዚአብሔር ካብ ኅትምት ምድሪ ኣደ ዚተረኽበ ዚተፈጥረ ውሉድ ንኺብል “ዕጓለ እመ ሕያው” ይብሎ። ‘ዕጓል’ ዚተባህለ አዳም እዩ፣ ‘እም’ ዝተባህለት ምድሪ ኮይና ‘ሕያው’ ዚተባህለ ድማ እግዚአብሔር እዩ።
• ‘ብእሲ’ ይብሎ። ‘ብእሲ’ ማለት ብሩህ ፍጥረት ማለት እዩ፡ “ወታስተርኢ ወርኅ ከመ ብእሲሃ/ ወርኂ ከም ሰብ ኮይና ትረአ” ከምዝብል መጽሓፈ ሄኖክ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ንኣዳም ዝቕመጥ፡ ዝቀውም (ደው ዝብል)፡ ዝድቅስ፡ ዝትንሥእ (ዝነቅሕ) ገይሩ ፈጠሮ።

- ብምቅማጡ ፡- ምድራዊ
- ብምድቃሱ፡- መዋቲ
- ብምቋሙ፡- ሰማያዊ
- ብምትንሣኡ ፡- ትንሣኤ ከምዘሎ ንምግላጽ’ዩ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ንኣዳም ድኻም ድቃስ ዚሰማምዖ ገይሩ ፈጠሮ። እዚ ድማ ድኻምን ድቃስን ናይ ሥጋ ምንቕቓሕ፣ ምትንሣእ ድማ ናይ ነፍሲ ግብሪ ምዃኑ ንምርዳእ እዩ።

“ወይቤ እግዚአብሔር ኢኮነ ሠናየ ለዕጓለ እመሕያው ይንበር ባሕቲቱ አላ ንግበር ሎቱ ቢፀ ዘይረድኦ/ እግዚአብሔር ድማ ኣዳም በይኑ ኪነብር ጽቡቕ ኣይኮነን’ሞ ደጋፊት ንግበረሉ በለ” (ዘፍ. 2፡18)። ደጋፊት ዝበላ ውሉድ ብምውላድ፡ ካብ ፍትወት ሥጋን ካብ በይንኻ ምዃንን ስለእትረድኦ እዩ።

ስለዚ ንኣዳም ኣዕሚቑ ከይደቀሰ፡ ነቒሑ ድማ ከይተንሥአ ኣብ መንጎ ድቃስን ንቕሓትን ማእከላይ ብምግባር ካብ ጐድኑ ሓንቲ ዓፅሚ ወሲዱ ምሉእ ኣካል ገይሩ ብሕጊ ተፈጥሮ ካብ ኣዳም ከይነኣሰት ጓል 15 ዓመት ምልክዕቲ ጐርዞ ፈጠረሉ።

ኣዳም ካብ ድቃሱ ተባራቢሩ ምስ ረኣያ “ዛቲ ዓፅም እምዓፅምየ ወሥጋ እምሥጋየ ለትኵነኒ ብእሲትየ እስመ እምታ ወፅአት ይእቲ/ እዚኣ ዓፅሚ ካብ ዓፅመይ፡ ሥጋ ካብ ሥጋይ እያ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ ሰበይቲ ትብሃል በለ።” (ዘፍ. 2፡21-23 ፣ ኩፋ. 4፡6) ሔዋን ኢሉ ድማ ሰመያ። ሔዋን ማለት ናይ ሕያዋን ኣደ ማለት እዩ።(ዘፍ 3፡20)

እግዚኣብሔር ንኣዳም ኣብ መንጎ ድቃስን ምንቃሕን ገይሩ ዝወሰደሉ ምኽንያት ኣዳም ተንሢኡ እንተዝኸውን ነይሩ ዓጽሚ ክውሰዶ ከሎ መቐንዘዎ እሞ በዚ ምኽንያት ንሔዋን ምጸልኣ ነይሩ። ደቂሱ እንተዝኸውን ድማ ‘ካበይ መጺኣ’ ብምባል ምፈርሐ ነይሩ።

ንሔዋን ክፈጥረሉ ከሎ ልዕል ኢሉ ካብ ግንባሩ (ርእሲ) ወይ ድማ ትሕት ኢሉ ካብ እግሩ ዘይኮነስ ካብ ማእከል ሰብነት ጐድኑ ዝወሰደሉ ምኽንያት ድማ ብደኃራይ ዘመን ጐይታ ብዕለተ ዓርቢ ምዉት ብሥጋ ሕያው ብመለኮት ኮይኑ ካብ ጐድኑ ብዝወፀ ማየ ጐቦ ኣዳምን ሔዋንን ደቆምን ድኅነት ከምዝረኽቡ ምሳሌ እዩ። (1ይ ጴጥ. 3፡18) ከምኡ’ውን ‘ግንባር’ ናይ በዓል ቤት፣ ‘እግሪ’ ድማ ናይ ቤተ ሰብ ምሳሌ’ዩ። ስለዚ ሰበይቲ ካብ በዓል ቤታ ንታሕቲ፡ ካብ ቤተ ሰባ ድማ ንላዕሊ ምዃና ንኸረድእ እዩ።(ኤፌ. 5፡20) ካብ ኅቱም ሽፉን ጐድኒ ዓፅሚ ምውሳዱ ኸኣ ሰበይቲ ኽትሽፈን ከምዝግብኣ ዘረድእ እዩ። (1ይ ቆሮ. 11፡5-10)

ከምቲ መጽሓፈ ኩፋሌ “ወእምድኅረ ተፈጸመ ሎቱ ለአዳም አርብዓ ጽባሕ አባእናሁ ውስተ ገነተ ኤዶም / ንኣዳም ኣብ ዝተፈጥረላ ምድሪ ኣርብዓ መዓልቲ ምስ ጸንሐ ናብ ገነት ኣእተናዮ። ከምኡ’ውን “ወፈጺማ እሎንተ ሰማንያ መዋዕለ አባእናሃ ለብእሲቱኒ ውስተ ገነተ ኤዶም/ ንሰበይቱ ድማ ካብ ትፍጠር ድኅሪ ሰማንያ መዓልቲ ናብ ገነት ኣእተናያ” ከም ዝብል (ኩፋ. 4፡12-16)

በዚ መሠረት እግዚኣብሔር ንኣዳም ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ ንሔዋን ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ ብኽብሪ ናብ ገነት ምስ ኣእተዎም “ንገነት ሓልዋን ተኸናኸናን” ብምባል ሃቦ (ዘፍ. 2፡15)።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195