banner

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ንምኅደራን ፋይናንስን ዝምልከት ሥልጠና ተዋሂቡ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ንምኅደራን ፋይናንስን ዝምልከት ሥልጠና ተዋሂቡ!

ብኽፍሊ ፋይናንስ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝተሠርዐ፡ ካብ ዕለት 1-10 ታኅሣሥ 2011 ዓ.ም.ግ. (10- 19 ታኅሣሥ 2018 ዓ.ም.ፈ.) ንዅሎም ኣመኃደርትን ምክትል ኣመኃደርትን፡ ጸሓፍትን ሕሳብ ሹምን ካሸራትን፡ . . . ካልኦትን ብጠቕላላ ልዕሊ 120 ዝተሳተፍዎ ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ብዛዕባ ምኅደራን ፋይናንስን ሥልጠና ተዋሂቡ።

እዚ ሥልጠና እዚ፡ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ጉዳይ ምኅደራን ፋይናንስን ዘጋጥም ሽግር ንምቕራፍ፣ ናይ ሓባር ርድኢት ንምፍጣር፣ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ኣብ ዝመጹ መምርሒታት ንዘጋጥም ናይ ኣተገባብራን ርድኢትን ጸገም ንምፍታሕ፡ . . . ወዘይመስሎ ዕላማ ዝገበረ እዩ። 

ኣብዘን 10 መዓልታት ሥልጠና፡ ንሠልጠንቲ ዘሳተፈ ሰፊሕን ዓሚቝን ትምህርቲ ብዲያቆን ዓወት ሠመረን ብጀነራል ኦዲተር መሓሪ ገብረ ሕይወትን ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ሥልጠና፡ መራሕ ሥራሕ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽ ንሠልጠንቲ ምስክር ወረቐት ምስ ዓደሉ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “በዚ ዝተዋህበ ትምህርቲ ኣብ ምኅደራን ፋይናንስን ዝርአ ዘሎ ሽግር ክውገድ ክትጽዕሩ ይግባኣኩም” ብምባል ተላብዮም።

ተሳተፍቲ ሥልጠና ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ‘ በቲ ሥልጠና’ዚ ሕጕሳት ኢና፣ ብኃይሊ እግዚአብሔር ድማ ጽፉፍ ሥራሕ ክንሠርሕ ኢና” ኢሎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምኅደራን ፋይናንስን ዘተኮረ ከምዚ ዝበለ ሥልጠና ኣብ ኵለን ሃገረ ስብከታት በብጊዜኡ ይወሃብ ከምዘሎ ይፍለጥ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195