banner

ክብረ በዓል ጻድቅ አቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ገዳሞም ደብረ ድማኅ ብድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ጻድቅ አቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ገዳሞም ደብረ ድማኅ ብድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ገዳም ደብረ ድማኅ ፦ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀ/ስ ዓንሰባን፣ ከምኡ’ውን ኣበምኔት ገዳማትን ኣቦታት ገዳማውያንን፡ መምህራን ሊቃውንት፡ ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ብተወሳኺ ድማ ካብ ሀገረ ኢትዮጵያ ክነግዱ ዝመጹ ኣብ ዝተረኽብሉ ሠሉስ 16 ታኅሣሥ ብድምቀት ተኸቢሩ።


ካብ ብድሮኡ ዝጀመረ ስብሐተ እግዚአብሔር ክሳዕ’ቲ ክብረ በዓል ዝፍጸም ብንቕሓትን ተመስጦን በጺሑ። ብጸሎተ ሰዓታት ኣቦታት ገዳማውያን፣ ብማኅሌት ሊቃውንት መዘምራን፣ ምእመናንን ምእመናትን’ውን ብውዳሴን ጸሎተ ምህላን ንእግዚአብሔር ኣመስጊኖምን ለሚኖምን፣ ብናይ ጻድቅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ጸሎትን ተማሕፂኖም።

ካብ ወጋሕታ ክሳዕ ሰዓት 10:30 ቅ.ቅ. ገድለ አቡነ መርቆሬዎስ ተነቢቡ። ብድኅር’ዚ ታቦት ብብፁዓን ጳጳሳትን ሊቃውንት መዘምራን፣ ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ኣብቲ ልሙድ ቦታኡ ወሪዱ። ንእግዚአብሔር ዘመስግንን ንጻድቅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዝጠቕስን ያሬዳዊ ዜማ ብሊቃውንት መዘምራን ቀሪቡ። “አዝዛ መርቆሬዎስ ኢትዕርበነ ለዘመን ፀሐይ” እናበሉ ወሪቦም።

ቀጺሎም መሪ. ኣብርሃለይ፡ “አነን ቤተይን ንእግዚአብሔር ነምልክ ንእኡ ድማ ንግዛእ” ብዝብል አርእስቲ ምሂሮም። ኣብ ትምህርቶም፦ “ ሥድራ ኣቡነ መርቆርዎስ ዝኾኑ ካህን ቶማስን እምነ ሰሎሜን ምስ ደቆም ማለት ኣቡነ መርቆርዎስ፡ አቡነ ኣብሳዲ፡ አቡነ ማቴዎስን መክብበ ድንግልን ሕይወቶም ምሉእ ንእግዚአብሔር ዘገልገሉ ነበሩ። እንሆ ድማ ዓስቢ ኣገልግሎቶም ብኣማላድነቶም ንምሕጸነሉ ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ንዘለዓለም እናተዘከሩ ይነብሩ ኣለዉ። ንሕና’ኸ ብሃይማኖትን ግብርን፡ ፍቕርን ተስፋን ምሕረትን ትዕግሥትን ኣሰር ዝቐደሙ ኣበው ንስዕብ’ዶ ኣሎና፧ . . . ” ዝብል ሕቶ ብምልዓል ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

ቀጺሎም ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስና ኣከታቲሎም ኣባታዊ ቃለ ምዕዳንን ትምህርትን ሂቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ ጸሎተ ምህላ ምስ በጽሐ ብቡራኬ ብፁዓን ጳጳሳት ፍጻሜ ሥርዐተ ዑደተ ታቦት ኮነ። 

ብድኅር’ዚ ካብ ሰዓት 12፡00 ክሳዕ 3፡00 ድ.ቀ. ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ናይቲ ክብረ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

ኵሎም ተሳተፍቲ በዓል ድማ ካብ በረኸት ቃል ኪዳን ኣቡነ መርቆሬዎስ ተሳተፍቲ ኾይኖም መኽፈልተ ሠናየ እናቐመሱ ነናብ ቦታኦም ተመሊሶም።

እዚ ዕለት’ዚ ቅዱሳን ዋላ እኳ ሰብ እንተኾኑ በቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ጸጋ ቅድስና ክሳብ ክንደይ እግዚአብሔር ኣብ ሰባት ክብረ ሞገስ ከምዘውህቦምን ቃል ኪዳኖምን ዝኽሮምን ንዘለዓለም እናተዘከረ ከም ዝነብር ዝተረጋገጸሉ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195