banner

“ገዳማት፡ ልቢ ኣብያተ ክርስቲያናትና ልሳን ተዋሕዶና”

“ገዳማት ልቢ ኣብያተ ክርስቲያናትና ልሳን ተዋሕዶና”

ተማሃሮ ዲፕሎማ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ሃም መንፈሳዊ ጕዕዞ ኣካዪዶም!

“ገዳማት ልቢ ኣብያተ ክርስቲያናትና ልሳን ተዋሕዶና” ብዝብል መሪሕ ቃል፡ ተማሃሮ ዲፕሎማ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ሃም መንፈሳዊ ጕዕዞ ኣካዪዶም!

ቀንዲ ዕላማ’ቲ ጕዕዞ ካብ ሕይወት ገዳማውያን ርቱዕ ኦርቶዶክሳውን ግብራውን መንፈሳዊ ሕይወት ንምምሃር፣ ኣቦታዊ ምኽሪ ምቕሳም፣ በረኸት ቅዱሳን ምስታፍን እዩ።

በዚ መሠረት ቀዳም ዕለት 13 ታኅሣሥ 2011 ዓ.ም. ወጋሕታ ሰዓት 7፡00 ካብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስት ሥላሴ ብጸሎት ተበጊሶም።

እናዘመሩን እናተመዓዓዱን ኣጋ ምሸት ኣብ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ሃም በጺሖም። ኣብ ‘እንዳ ሓዋርያ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ፡ ገዳማውያን ደቂ ገዳም ንዅሎም ተማሃሮ ኣእጋሮም እናሓጸቡ ተቐቢሎሞም። ሓፈሻዊ ታሪኽን መንፈሳዊ በረኸትን ናይቲ ገዳም ብኣባ ዕቍበ ሚካኤል ተገሊጽሎም።

ኣብቲ ቦታ ካብ ዝርከብ ዓፅመ ቅዱሳን በረኸት ምስ ተሳተፉ፡ ኣብ ‘ማይ ክብሮም’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ ምጽላይ ኣቡነ ሊባኖስ ተዓዚቦም። ምኅዳሮም ድማ ኣብቲ መነኮሳት ዝቕመጥሉን መቃብር ኣቡነ ሊባኖስ ዘለዎን ቦታ ብምኻድ እክለ-ማይ ተመጊቦም ኣብ ዝተዳለወሎም መዕረፍ ኣጋይሽ ኃደሩ። 

ለይቲ ምስ ገዳማውያን ስብሐተ እግዚአብሔር ብምብጻሕ ካብ ጸሎተ ቅዳሴ በረኸት ተሳቲፎም። 

ብድኅር’ዚ ብአበምኔት ገዳም መምህር ገብረሥላሴ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣቦታትን ምስ ታሪኽ ኣቡነ ሊባኖስን ገዳምን ብምትእስሳር ሰፊሕ ትምህርትን ኣቦታዊ ምኽርን ተዋሂብዎም። 

ተማሃሮ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፦ “ ነቲ ዝመሃርዎ ዘለዉ ኣብዚ ገዳም ብግብሪ ከምዝረኣይዎን፡ መንፈሳዊ ተመስጦን ሃይማኖታዊ ስምዒትን ከምዘኅደረሎምን፡ ምስ ሰብ ጸጋ ገዳማውያን ኣብ ጸሎትን ሕይወትን ምስታፍ ዓቢይ ረብሓ ከምዝረኸብሉን ገሊጾም። 

ብድኅር’ዚ ጸሎትን ቡራኬን ተቐቢሎም ብሰላም ናብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስት ሥላሴ ተመሊሶም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195