banner

“ጸሐፌ ተአምረ ማርያም” ቅዱስ ደቅስዮስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ጸሐፌ ተአምረ ማርያም” ቅዱስ ደቅስዮስ

በዓለ ብሥራት ከም በዓል ብምሥራዕን ተአምረ ማርያም ከም መጽሓፍ ብምጽሓፍን ዝፍለጥ ቅዱስ ኣቦ ቅዱስ ደቅስዮስ እዩ። ቅዱስ ደቅስዮስ፡ ንእግዚአብሔር ዘኽብር፡ ንእግዝእትነ ማርያም ዘፍቕር ጻድቕ ሰብ ነበረ። ናይ ሃገር ጥልጥልያ (ሀገረ ሮሜ) ኤጲስቆጶስ ኮይኑ የገልግል ነበረ። እግዚአብሔር፡ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ጣዕማ ኣብ ልሳኑ ፍቕራ ኣብ ልቡ ኣኅዲርሉ ነበረ። ካብ ፍቕሩ ዝተላዕለ ድማ እግዚአብሔር ምሥጢር ኣብ ልቡ፡ ነገር ኣብ ልሳኑ፡ ብርዒ ኣብ ኢዱ ኣቃኒዕሉ፡ ቀለም በጽቢጹ ብራና ፍሒቑ መጽሓፍ ተኣምረ ማርያም ክጽሕፍ ጀመረ። ንብዘሎ ተኣምራ ኣኻኺቡ’ውን ጸሓፎ።


ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ተገሊጻ፦ “ ኦ ፍቁርየ ደቅስዮስ አንሰ ሠመርኩ ብከ ወንእድኩከ በእንተ ዘገበርከ ሊተ ዘንተ መጽሐፈ / ኦ ፍቁረይ ደቅስዮስ ኣነ ብኣኻ ደስ ኢሉኒ ኣሎ፡ ነዚ መጽሓፍ ስለዝጸሓፍካለይ ከኣ ኣኽቢረካ ኣለኹ” በለቶ። ብድኅር’ዚ ክብራ ምእንቲ ክዓዝዝ ዝያዳ ዘገልግለሉ መንገዲ ብሓሳብ ከውርድን ከደይብን ከሎ፡ በዓለ ብሥራት ቅድሚ 8 መዓልቲ በዓለ ልደት ንኽበዓል ሠርዖ። እዚ ድማ ጥንተ ዕለቱ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንእግዝእትነ ማርያም ዘብሠረሉ 29 መጋቢት እኳ እንተኾነ፡ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ስለ ዝውዕል ሕዝበ ክርስቲያን ብዝግባእ ኣየብዕልዎን ነበሩ። ቅዱስ ደቅስዮስ ግና ብዕለተ 22 ታኅሣሥ ብዓቢይ ድምቀት ሕዝቢ ኣኪቡ ኣብዓሎ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ተገሊጻ፥ “ኣነ ብኣኻ ተሓጒሰ እየ፡ ንግብርኻ’ውን ሠሚረዮ እየ” በለቶ። እንሆ ድማ ካብ ሽዑ ጊዜ ጀሚሩ በዓለ ብሥራት 22 ታኅሣሥ እናተኸብረ ይነብር ኣሎ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሰማያዊ ልብስን መንበርን ኂዛ ናብ ቅዱስ ደቅስዮስ ብምምጻእ፥ ንሱ ጥራሕ ዝለብሶ ልብስን ዝቕመጦ መንበርን ሃበቶ።

መጽሓፋ ብምጽሓፉን በዓላ ብምኽባሩን ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተዓዲሉ ንሕዝቡ እናጓሰየ ክነብር ከሎ፡ ኣብታ ዝሠርዓ ዕለተ በዓለ ብሥራት 22 ታኅሣሥ ብሰላም ዓረፈ።

ብድኅሪኡ ካልእ ኤጲስቆጶስ ተሾመ እሞ እቲ ደቅስዮስ ዝለብሶ ዝነበረ ልብስን፡ ዝቕመጦ ዝነበረ መንበርን ኣምጽኡለይ በለ። እቶም ሊቃውንትን ካህናትን ግና ናይተን ልብስን መንበርን ክብሪ ድኅሪ ምግላጽ ‘ ወይቤልዎ በእንተ እግዚአብሔር ኢትግበር ዘንተ ግብረ/ ንከይትደፍረን በእንተ እግዚአብሔር ንምኅፀነካ ኣሎና በልዎ። ንሱ ግና “ኣነ ከምኡ ሰብ እየ፣ ከምኡ’ውን ኤጲስቆጶስ’ዶ ኣይኮንኩን እየ፧” ብምባል ነታ ልብሲ ምስ ለበሳን ኣብ መንበር ምስ ተቐመጠን፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ተደፊኡ ብምውዳቕ ብኽፉእ ኣማውታ ሞተ።

በቲ ዝተገብረ ተኣምር ከኣ ኵሎም ሕዝቢ ተደነቑ። ንእግዚአብሔር እናኣመስገኑን ንኣደኡ ድንግል ማርያምን እናተማኅፀኑ ድማ ብትግሃትን ፍርሃትን የገልግሉ ነበሩ።

ናይ ቅዱስ ደቅስዮስ ቅድስናን ክብርን ድማ ኣብ ኵሉ ዓለም ብዝያዳ ተጋህደ።

ሰላም እብል ለደቅስዮስ ባህርያ፡

ኤጲስቆጶስ ዘጥልጥልያ፡

በእንተ ዘጸሐፈ ላቲ ተአምራቲሃ ወዜና ዕበያ፡

እንተ ወሀበቶ ማርያም ማርያ፡

ልብሰ ሰማያዊተ እስከ ዮም ነያ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር! አሜን።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195