banner

ልዕሊ 800 መጻሕፍቲ ንመንፈሳዊ ኮሌጅ ተወፍዩ!

ልዕሊ 800 መጻሕፍቲ ንመንፈሳዊ ኮሌጅ ተወፍዩ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ዝርከቡ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ብዝተገብረ ወፈያ ገንዘብን መጻሕፍትን ልዕሊ 800 መጻሕፍቲ ንመንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ተወፍዩ!

እዞም መጻሕፍቲ፦ ኣብ ነገረ መለኮትን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን፣ ነገረ ሃይማኖትን ዝክረ ኣበውን፣ ቀኖናን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን፣ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዓለም፣ ትርጓሜ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፣ ነገረ ቅዱሳንን ገድላትን ድርሳናትን፣ ምኅደራ ቤተ ክርስቲያን፣ መወከሲ ኢንሳይክሎፖዲያን መዝገበ ቃላትን መምሃሪ ምርምራዊ ጽሑፋትን . . . ዘተኮሩ ኮይኖም ብዓይነት ኮነ ብትኅዝቶ ዝተፈላለዩ፣ ምስ ሥርዓተ ትምህርቲ መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ዝሰማማዑን፣ ዓቅሚ መወከስቲ መጻሕፍቲ ናይዚ ኮሌጅ ዘዕብዩን እዮም።


ኣቐዲማ ነዚ ፍሉይ ዕዮ ዝተመዘት ኮሚተ ሃገረ ስብከት ሕ/መ/ ኣሜርካን ካናዳን፣ ኣብ መሥርሕ ምዕዳግ ነዞም መጻሕፍቲ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ኣብ ተመሳሳሊ ሞያ ዝርከቡ ናይ ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ሊቃውንት ብምውካስን፣ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን መንፈሳዊ ኮሌጃት ዓለም ዝርከቡ ርቱዕ መወከሲታት ሰፊሕ መጽናዕቲ ብምክያድን፣ ምስ ምምኅዳር ደብረ ሲና መንፈሳዊ ኮሌጅ ብምልዛብን ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርንዓት ዓለም ንዝርከብ ትኅዝቶ ኣብ ምፍታሽን ምእካብን ምልኣኽን ብዙኅ ጻዕሪ ብምክያድ ኣብዚ ደረጃ’ዚ በጺሓ።

ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስን ዋና ኣመኃዳሪ ቤ/ጽ መንበረ ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስን ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምረቃ፥ ነቶም ንምውፋዩን ንምብርካቱን፣ ብኵሉ መዳይ ንዝጸዓርኩም ዓስብኹም ካብ እግዚአብሔር ክትረኽብዎ ኢኹም” ብምባል ድኅሪ ምጽላይ፣ ነዚ እግሪ ተኽሊ መንፈሳዊ ኮሌጅን ሓገዞምን ኣበርክቶኦምን ክቕጽሉ ብስም ቤተ ክርስቲያን ተማኅፂኖም።

ተሓጋጋዚ ዲን መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣባ ሲላስ ብወገኖም “ ዓለም ለኻዊ ደረጃ ዘለዎም ልዕሊ 800 መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ እዋን ምርካቦም፣ ነዚ መንፈሳዊ ኮሌጅ’ዚ ማዕረ ካልኦት ኮሌጃት ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ንምሥርዑ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዓቢይ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ብምጥቃስ፣ ንዓቕሚ ትኅዝቶ መወከሲ መጻሕፍቲ ናይዚ ኮሌጅ ብ40% ከምዘዕብዮ ገሊጾም። ቀጺሎም፥ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ኅቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እስራኤል፣ ግብጺ፣ ኤውሮጳ . . . ዝርከቡ ኣብያተ ክርስቲያናትና መጻሕፍቲ ከምዝተወፈዩ ብምዝኽኻር ብመጻሕፍቲ ዝግበር ሓገዝ ክቕጽል ይግባእ ኢሎም። ኣብ ቀረባ እዋን’ውን ኣገልግሎት ዲጂታል ላይብረሪ (ቤተ መጻሕፍቲ) ንምጅማር ኣብ ምጽፋፍ ከምዝርከቡ ገሊጾም።

እዞም መጻሕፍቲ፡ መሥርሕ ዘቤታዊ ካቶሎግ ተወዲእሎም ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ደብረ ሲና መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ ኣገልግሎት ውዒሎም ይርከቡ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195