banner

“ዮም ተወልደ ቤዛ ኵሉ ዓለም/ በጃ ኵሉ ዓለም ሎሚ ተወልደ።”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ዮም ተወልደ ቤዛ ኵሉ ዓለም/ በጃ ኵሉ ዓለም ሎሚ ተወልደ።”

ኣምጻኤ ዓለማት እግዚአብሔር፡ ንቀዳማይ ሰብ ኣቦና ኣዳም ኣዛዚን ገዛኢን ገይሩ ድኅሪ ምሻም (ዘፍ. 1፡1-37፣ ኩፋ. 3፡1)፣ ኣብ ገነት ካብ ዘለዉ ፍረታት ብላዕ፡ ካብታ ሠናይን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብ ፍሬኣ ከይትበልዕ፡ ካብኣ ምስ ትበልዕ ግና ሞት ክትመውት ኢኻ ክብል ኣዘዞ። (ዘፍ. 2፡16-17) ኣዳም ድማ ብምክረ ሰይጣን ተጋጊዩ ካብ እግዚአብሔር መርገምን ፍርድን ተቐበለ። (ዘፍ. 3፡1-19፣ ራዕ. 12፡9) ዕፀ ሕይወት በሊዑ ንዘለዓለም ሕይወት ከይነብር ተዀነነ፣ ካብ ገነት ተባረረ፣ ብበትሪ ኃጢኣት ተገሪፉ ብእግረ ኣጋንንቲ ተረግጸ። (ዘፍ. 3፡22-24)


ኣዳም ብበደሉ ተጣዒሱ ፍጹም ንስሓ ኣቲዩ ምሕረት ለመነ። መፍቀሬ ሰብ እግዚአብሔር ድማ ካብ ዝወደቖ ከምዘተንሥኦ፡ ናብ ዝቐደመ ክብሩ ከምዝመልሶ ተስፋ ሃቦ። ካብ ኣብራኹ ካብ ትኽፈል ንጽሕት ድንግል ማርያም ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ተወሊዱ ከም ዘድኅኖ ነገሮ። “ናይ ኣዳም ተስፋኡ ንስኺ ኢኺ” ከምዝበለ ኣባ ሕርያቆስ።

እዚ ናይ ኣዳም ናይ በደል ዕዳ ናብ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ተመኃላለፈ። (ሮሜ 5፡12) 5500 ዓመት፡ ካብ ኣዳም ክሳዕ ልደተ ክርስቶስ ዝነበሩ አበው፡ ካብዚ ዕዳ ናፃ ዝኾንሉን ናብ ጥንቲ ርስቶም ዝምለስሉን እናተተስፈዉ፡ እግዚአብሔር ብዝተፈላለየ ትንቢትን ምሳሌን ንተስፋ ኣዳም ይገልጸሎም ነበረ።

ንሊቀ ነቢያት ሙሴ፡ ኣብ በረኻ ሲና እሳትን ሓመልማልን ኣዋሒዱ፡ ነቲ ደኃራይ ዘመን ዝኸውን ናይ መለኮትን ሥጋን ተዋሕዶ ኣርኣዮ። ዘፀ. 3፡1-8። ዋሕድ ቃለ እግዚአብሔር በአፃብዐ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማኅፀን ድንግል ማርያም ከም ዝቕረጽ ንኸረድእ ዓሰርቱ ቃላት ኣብ ጽላት ጽሒፉ ሃቦ። ዘፀ. 37

ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት’ውን “ መልክዐ ንጽናሕኪ ንጉሥ ፈቲኪ እዩ እሞ ጓለየ ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ፡ ርኣዪ’ውን፣ እዝንኺ ኸኣ ጽለዊ፣ ሕዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ። ብመልኽዕኪ ንጉሥ ኪፈትወኪ እዩ” መዝ. 44/45 ፡ 10 ብምባል ጓል ወገኑ ንዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፦ ብባህሪኡ ንጉሥ ዝኾነ ኣምላኽኪ ነቲ ንጽሕናኺ ቅድስናኺ ብምምራጽ መኅደሪቱ ክገብረኪ ፈቲዩ እዩ’ሞ ነዚ ዓለም’ዚ ረስዒ ክብል ብመጽሔተ ትንቢት ርእዩ ነገረ ልደቱ ተነበየ።

ደረቅ ሓዲስ ነቢይ ኢሳይያስ ድማ “ወሶበ አኮ እግዚአብሔር ጸባዖት ዘአትረፈ ለነ ዘርአ ከመ ሰዶም እምኮነ ወከመ ገሞራ እመሰልነ/ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ዘርኢ እንተ ዘይኃድገልናስ ከም ሰዶም ምኾንና ንገሞራ’ውን ምመሰልና ነይርና” (ኢሳ. 1፡9) ብምባል ነታ ጓል ኣዳም እኳ እንተኾነት ጥንተ ኣብሶ ዘይኃለፋ ንጽሕት ዘርኢ መኅደሪኡ ክትኮኖ እንተ ዘየትርፈልና ነይሩ ከም ሰብአ ሰዶምን ገሞራን ንሕና’ውን ብበደልና ምጠፋእና ነይርና። እዛ ንጽሕቲ ዘርኢ እዚኣ ንድኅነትና ምኽንያት ኮነት ብምባል ተናገረ።

ደጊሙ ድማ “እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፣ እንሆ ድንግል ኽትፀንስ፡ ወዲ ኸኣ ኽትወልድ እያ ስሙ’ውን ‘ኣማኑኤል’ ኢላ ኽትሰምዮ እያ።” (ኢሳ. 7፡14፣ ማቴ. 1፡23) ይብል እሞ “እቲ ሕፃን ግሩም መኻሪ ብርቱዕ ኣምላክ ዘለዓለማዊ ኣቦ መስፍን ሰላም ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ” ብምባል ኣቐዲሙ መስከረ። (ኢሳ. 9፡6 ) ነቢይ ሚልክያስ፡ ፀሐየ ጽድቅ ጐይታ ፍጹም ሰብ ከምዝኸውን ተነበየ። (ሚል. 4፡2)

እቲ ዝተቈጽረ ሱባኤን ዝተነግረ ትንቢትን ፍጻሜኡ ምስ በጽሐ (ገላ. 4፡4)፡ መልኣኹ ቅዱስ ገብርኤል ልኢኹ ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ከምዝውለድ ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣብሠራ። “ለልየ ላእከ ኮንኩ ለርእስየ ወአብሠርክዋ ለድንግል ወላዲትየ ወአስተርአይክዋ በአምሳለ ገርኤል መልአክ” ከምዝብል። (ሉቃ. 2፡26-28)

እንሆ ድማ በቲ ንሰብ ዝሃቦ ተስፋ (መጽ. ቀሌምንጦስ) ኣብ መብልዕ ማል ቤተ ልሔም ተወልደ። ብልደቱ ኵሉ ፍጥረት ተሓጐሰ። መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዘርሕቕ በረከተ ሥጋን በረከተ ነፍስን ዝዕድል መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ከምዝተወልደ ንዅሉ ዓለም ተበሥረን ተኣወጀን።

ብዙኃት ሠራዊተ ሰማይ መላእኽት ‘ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ/ ክብሪ (ምስጋና) ንእግዚአብሔር ኣብ ሰማያት፡ ኣብ ምድሪ’ውን ሰላም ይኹን፡ ኣብ መንጎ’ቶም ሥምረት ኣምላኽ ዘለዎም’ እናበሉ ምስቶም ኣብ መሮር ዝኃደሩ ጓሶት ሠሚሮም ኣመስገኑ። (ሉቃ. 2፥13) እንስሳታት ከይተረፉ “ዮም ተወልደ ቤዛ ኵሉ ዓለም፡ ዮም ተወልደ ከሣቴ ብርሃን፡ ዮም ተወልደ መድኃኔ ዓለም/ በጃ ኵሉ ዓለም ኮይኑ ብርሃን ዝህብ መድኃኔ ዓለም ሎሚ ተወልደ።” እናበሉ ኣመስገንዎ።

ብወገን ምሥራቅ ዝመጹ ሰብአ ሰገል፡ ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ስግደት ሰጊዶም፥ ንጉሥ ኢኻ ኽብሉ ወርቂ፡ ኣምላኽ ኢኻ ኽብሉ ዕጣን ከምኡ’ውን በቲ ዝለበስካዮ ሥጋ መሪር ሞት ክትጥዕም ኢኻ ኽብሉ ከርቤ ገበርሉ።

ስለዚ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን፡ ዓመት መጸ ክብረ በዓለ ልደቱ ከነኽብር ከሎና ምእንታና ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ንሥጋና ተዋሒዱ ዝፈጸሞ ፍቕርን ለውሃትን ናፅነትን ሰላምን ብምዝካር እዩ።

ስለዚ፡ በዚ ዕለት እዚ ኃጢኣተ ዓለም ክድምስስ ናባና ዝመጽአ ንጹሕ በጊዕ እግዚአብሔር ሥጋኡ በሊዕናን ደሙ ሰቲናን ነዚ በዓል ብፍጹም ቅድስናን ክብርን ከነብዕሎ ይግብኣና።

በረከተ ልደቱ የሳትፈና!!!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195