banner

ሕፃነ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሕፃነ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ

እቶም ብምኽንያት ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጡብ ኣደኦም ጸጊቦም ዘይጠበዉ ክልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝኾኑ 144,000 ሕፃናት ብርጉም ሄሮድስ ተሰይፎም ብሰማዕትነት ምኅላፎም ናይ ሕፃናት ሰማዕትነት ፈቃደ እግዚአብሔር ምዃኑ ዘረድእ እዩ። እዞም ሰማዕታት ሕፃናት’ዚኣቶም፡ ነቶም ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሮም ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ ስለ እግዚአብሔር ብግፍዒ ዝቕተሉ ሕፃናት ርስቶም ኾይኖም ኣብ ገነት መንግሥተ ሰማያት ብኽብሪ ይቕበልዎም።


ብዝተፈላለየ ጊዜ ዝተንሥኡ ካልኦት ኅሩያን ሕፃናት’ውን ኣምላኽነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናመስከሩ ሰማዕት ኮይኖም’ዮም።

ኣብ በዓለ ሆሣዕና ሕፃናት “ሆሣዕና በአርያም . .” እናበሉ ክብሪ ጐይታና ኣብ ቕድሚ ኣይሁድ መስኪሮም እዮም። (ማቴ. 21፡16)

ኣብ ዘመነ ሰማዕታት፡ ስመ እግዚአብሔር ኣብ ቅድሚ ዓላውያን ነገሥታት እናመስከሩ ብዙኅ ጸዋትወ መከራ ተቐቢሎም ብሰማዕትነት ካብ ዝኃለፉ ሕፃናት፡ ብቐዳምነት ዝጥቀስ ሕፃን ቂርቆስ እዩ።

ኣደኡ ቅድስት ኢየሉጣ ፈሪሀ እግዚአብሔር ዝነበራ ብሃይማኖተ ክርስትና ዝጸንዐት ነበረት። ኣብቲ ክርስቲያን ዝህደንሉ ዝነበሩ ጊዜ ቅዱስ ቂርቆስ ምስ ኣደኡ ኢየሉጣ ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ናብ ጠርሴስ (ግዝኣት ሮም ዞባ ኪልቅያ) ከዱ።

እንተኾነ ቅድስት ኢየሉጣ ተታኂዛ ኣብ ቅድሚ እለእስክንድሮ ዚተባህለ ከሓዲ ንጉሥ ቀረበት። እለእስክንድሮስ ድማ ፦ “ ኣበይ እዩ ዓድኺ፧ ስምኪ መን እዩ፧ እቲ ዝሕሸኪ ምረጺ፣ ሕራይ ኢልኪ ንኣምልኽተይ ስገዲን ሠውዒን እምበር ከኽብረኪ እየ” በላ።” ቅድስት ኢየሉጣ ድማ ጓል ኣንጌቤን ምዃናን ስማ ድማ ክርስቲያን ምዃኑ ድኅሪ ምግላጽ “ኣነ ነዞም ርኹሳት ኣማልኽትኻ ኣይሥውዕን እየ፡ ሓቂ ትፈቱ እንተዄንካ ዕድሚኡ ወዲ 3 ዓመት ዝኾነ ወደይ ከምጽእዎ ለኣኽ እሞ እነምልኾን እነገልግሎን ኣምላኽ ኪነግረካ እዩ” በለቶ።

ንሕፃን ቂርቆስ ኂዞም ኣምጽእሉ እሞ፡ እቲ ንጉሥ “ኣንታ ሕጕስ ሕፃን ሰላምታ ይግብኣካ እዩ” በሎ። ሕፃን ቂርቆስ ድማ “ንኣይ ሕጕስ ምባልካ ጽቡቕ ተዛረብካ፣ ከምቲ እግዚአብሔር ‘ንኃጥኣን ሓጐስ የብሎምን (ኤር. 48፡22)’ ዝበሎ ንስኻ ኸኣ ሓጐስ የብልካን” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ንጉሥ፡ “ስምካ መን እዩ፧” ምስ በሎ “ ክርስቲያን እዩ ስመይ” በሎ። ቀጺሉ ንጉሥ “ሕራይ ኢልካ ንኣማልኽቲ መሥዋዕቲ ኣቕርብ እሞ ምስ ዓበካ ክሸመካ እየ፡ ብብዙኅ ወርቅን ብሩርን ከኣ ከኽብረካ እየ” በሎ። ሕፃነ ቂርቆስ ድማ “ኣንታ ልኡኽ ሰይጣን ጸረ ሓቂ ዝኾንካ ካባይ ርኃቕ” በሎ። ብመልሱ ዝተቘጥዐ ንጉሥ፦ ደሙ ከም ማይ ክሳብ ዝፈስስ 100 ጊዜ ክገርፍዎ ኣዘዘ። ቅድስት ኢየሉጣ ንጽንዐ ሃይማኖቱ ርእያ ንእግዚአብሔር ኣመስገነት።

ብትእዛዝ ንጉሥ፡ ጨውን ሰናፍጭን ኣኸሊሶም ኣሳቐይዎም። ሕፃነ ቂርቆስ ግና “ጥዑም ለጕርዔየ ነቢብከ እመዓር ወሦከር ጥዕመኒ ለአፉየ/ ኦ ጐይታይ እግዚአብሔር ቃልካ ንጐሮረይ ጥዑም ኮነ ካብ መዓርን ሽኮርን ንኣፈይ ጠዓመኒ” እናበለ ኣመስገነ። ደጊሞም እቶም ልኡኻት ንጉሥ፡ ዋላ እኳ ብነዋኅቲ ዝተሳሕሉ ብሓዊ ዚረሰኑ 14 ናይ ሓፂን ሽንካራት ኣብ ኣካላት ኢየሉጣ 7ተ፡ ኣብ ኣካላት ሕፃነ ቂርቆስ ድማ 7ተ እንተ ወግእዎም ብኃይለ ጐይታ ጥዑያት ኮኑ። ኣብ ቤተ መቍሕ ምስ ኣተዉ ሰይጣውንት ብኣምሳለ መላእክት ንከስሕትዎም ይመጹ ነበሩ፣ ቅዱስ ቂርቆስ ግና ብትእምርተ መስቀል ኣብነኖም።

ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝኸፍአ ብብዙኅ ጸዋትወ መከራ ድኅሪ ምስቓይ፡ ኣብ ገንኢ ዝፈልሐ ማይ ከእትውዎም ከለዉ ሕፃን ቂርቆስ ንኣደኡ ኢየሉጣ ኣጸናኒዕዋ ተተኃኂዞም ኣተዉ። እንተኾነ ብተራዳእነት ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ገብርኤል፡ እቲ ከም ናይ ክረምቲ ነጐዳ እናኣንጐድጐደ ን40 መዓልቲ ዝፈልሐ ማይ ከም ናይ ንግሆ ኣሳሒታ ዝሑል ኮይንሎም ደኃኑ።

እንታይ ከምዝገብር ዝጠፍኦ መኰንን እለእስክንድሮስ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክሳዶም ክስይፍዎም ኣዘዘ።

እንሆ ድማ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኪዳን ምስ ተቐበሉ፡ ብዕለት 15 ጥር ሕፃን ቂርቆስ ክሳዱ ተሰይፉ ብሰማዕትነት ዓረፈ። ከም ብዝኂ ዕድሚኡ ድማ ስለ ሕፃንነቱ፡ ስለ ገድሉ፡ ስለ ጽንዓት ሃይማኖቱን ሠለስተ ኣክሊላት ተዋህቦ።

ንጽባሒቱ ዕለት 16 ጥር ድማ ኣደኡ ቅድስት ኢየሉጣ ክሳዳ ተሰይፋ ዓረፈት።

ናይ ሰማዕት ቅዱስ ቂርቆስን ኣደኡን ቅድስት ኢየሉጣን በረኸቶም ይኅደረና፡ ኣሜን።

እግዚአብሔር ሤመ ረድኤቶ ለናእስናከ ዐቃቤ፡
ወስምዖ መጥበቤ፡ ፍትወ ምግባር ቂርቆስ ወምዑዘ ገድል እምነ ከርቤ፡
ዘተጽዕረ በምንዳቤ፡
ወዘሐመ በጥብጣቤ፡
ለአባልከ ሰላም እቤ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195