banner

ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (ቀዳማይ ክፋል)

* ጥንተ አብሶ እንታይ ማለት እዩ፧

ጥንተ አብሶ ማለት ካብ “ ‘ወጠነ፣ ‘አበሰ’ ” ዝብል ግሢ ዝወፀ ኾይኑ ትርጕሙ ኸኣ ‘ጥንታዊ ወይ ቀዳማዊ ኃጢኣት’ ማለት እዩ። ጥንተ አብሶ ካብ ዲያብሎስ ዝተረኽበ ደኣ እምበር ካብ ባህርይ ኣዳም ዝተኸፍለን ዝተረኽበን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣንጻር ቅድስና ሕይወት ዝጐዓዝ ንሱ ኣብ ኣርዌ ምድር ኃዲሩ ንሔዋን ‘ካብዚ ኣብ ገነት ዘሎ ዕፀዋት ኣይትብልዑ’ዶ ኢልኩም እዩ፧’ ኢሉ ምስ ሓተታ፣ ንሳ ድማ ‘ይቤለነ ኢትብልዑ እምኔሁ ወኢትልክፍዎ ከመ ኢትሙቱ/ ምእንቲ ኸይትሞቱ ካብዚ ኦም በለስ ከይትበልዑ፡ ከይትትንከፍዎ ድማ በለና’ በለቶ። (ዘፍ. 3፡3፣ ኩፋ. 4፡24)። ነዚ መልሲ’ዚ ምኽንያት ገይሩ ንኣዳምን ሔዋንን ሕጊ እግዚአብሔር ጥሒሶም ዕፀ በለስ ከም ዝበልዑን ምስ እግዚአብሔር ከም ዝበኣሱን ገበሮም። በዚ ኸኣ እቲ ቅኑዕ ፍርዲ እግዚአብሔር ኣብኣቶም ተፈጸመ። መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን፣ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ከኣ ተፈርዶም። ስለዚ ጥንተ ኣብሶ ብምሥጢራዊ ትርጕሙ ‘ብሰንኪ ሕጊ ምፍራስ ዝሰዓበ መርገም ወይ ድማ ዝተዋህበ ፍርዲ እዩ።’

* ጥንተ አብሶ ኣብ ዘመነ ብሉይ

በዚ ምኽንያት’ዚ ጥንተ አብሶ ካብ ዲያብሎስ መንጭዩ ናብ ኣዳም ወኃዘ፣ ብሰንኪ በደል ኣዳም ከኣ ኵሉ ዓለም 5500 ዘመን ብእኡ ተዀኒኑ ነበረ። “ወሶበ ኵነኔ ኃጢአት ወፂኣ እምላዕለ አሐዱ ብእሲ ኵሉ ተቀሥፈ ባቲ/ ብኃጢኣት ዝመጸ ፍርዲ (ጥንተ አብሶ) ካብ ሓደ ሰብኣይ (ኣዳም) ወፂኣ ንዅሉ ዓለም ኵነኔ ኣስዓበት” ይብል። (ሮሜ 5፡16)። ከምቲ ብሓንቲ ጨንገር ብዙኀት ዝግረፉ፡ ብጥንተ አብሶ ኸኣ ኵሉ ዓለም ተገርፈ።

በዚ ኸኣ ኣብ ዘመነ ብሉይ ጥንተ አብሶ ብዘይካ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እንተ ዘይኮይኑ፡ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ስቅለተ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ከም ሮማዲ ኣስፋሕፊሑ፡ ከም ሐረግ ተጠምጢሙ፡ ከም ገመድ ቀፊዱ ኣሲሩ የማን ጸጋም ከም ዘይብሉ ጌርዎም ነበረ። ኵሉ ዝበደለን ዘይበደለን ግዙእ ሞት ኮይኑ ከምዝነበረ ክገልጽ ከሎ፡ ‘ወባሕቱ ኰነኖሙ ሞት እም አዳም እስከ ሙሴ ለእለሂ አበሱ ወለእለሂ ኢአበሱ በእንተ ይእቲ ኃጢአቱ ለአዳም/ ብሰንኪ በደል ኣዳም ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ ነቶም ዝበደሉን ዘይበደሉን ሞት ገዚእዎም ነበረ።’ (ሮሜ 5፡14) ከም ዝብል፡ ንዅሎም ዝበደሉን ዘይበደሉን ሞት ገዚኡዎም፡ “ወኮነ ርኩሳነ ኵልነ ወከመ ጸርቀ ትክቶ ኵሉ ጽድቅነ፤ ኵላትና እነጸይፍን እነፈንፍንን ኮንና፤ ኵሉ ጽድቅና’ውን ከም ጨርቂ መርገም ኮነ።” (ኢሳ. 64፥6) እናበሉ፡ ናብ ሲኦል ይወርዱ ነበሩ።

* ጥንተ አብሶ ኣብ ዘመነ ሓዲስ

ኣብ ሓዲስ ኪዳን ማለት ድኅሪ ስቅለተ ክርስቶስ ግና እቲ ብምኽንያት ሕጊ ምፍራስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ሠልጢኑ ዝነበረ ጥንተ አብሶ ከምታ ካብ ሡር መሠረታ ተማሕያ ዝወደቐት ገረብን፡ በልያ ዝተደርበየት ጨርቅን ኮይኑ ከም ዘይተራእየን ከም ዘይነበረን ኮነ። ነተን ዲያብሎስ ብተንኮል ‘አዳም ገብሩ ለዲያብሎስ፣ ሔዋን አመቱ ለዲያብሎስ’ ኢሉ ዘፈረሞም ክልተ እብነ ሩኳም ባዕሉ እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ደመሰሰን። ነታ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ዝደርበያ ክጥመቕ ከሎ ብሰብነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ኣጥፍኣልና። ነታ ካልአይቲ ኣብ ሲኦል ዝደርበያ ድማ ሰዓት ትሸዓተ ዓርብ ስቅለት መለኮት ብኣካለ ነፍሲ ናብ ሲኦል ወሪዱ ደምሰሳ፣ ‘ወሖረ ኀበ እለ ሙቅሕታ ትነብር ነፍሶሙ ወሰበከ ሎሙ ግዕዛነ ለእለ ክሕድዎ ቀዲሙ/ ነቶም ኣቐዲሞም ዝኸሓድዎ ሰባት ናብቲ ነፍሶም ተኣሲራቶ ዝነበረት ቦታ ኸይዱ ናጽነት ሰቢኹ ካብ ባርነት ዲያብሎስ ናብ ናጽነት ኣሰጋገሮም። (1ይ ጴጥ. 3፡20) በዚ ጊዜ’ዚ ጥንተ አብሶ ኃይሉ ደኺሙ ሥልጣኑ ተመንዚዑ ህልም ኢሉ ጠፍአ።

ነዚ ከረድእ ድማ ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ “ወደምሰሰ ለነ መጽሐፈ ዕዳነ በሥርዓቱ እምዕድውነ፣ ወአእተቶ እማእከሌነ ወቀነዎ በመስቀሉ/ ነቲ ናይ ዕዳ ደብዳቤና ብኣምላካዊ ጥበቡ ካብ ኢድ ጸላኢና ዲያብሎስ መንዚዑ ካብ ማእከልና ኣርሓቖ፣ ብመስቀሉ ከኣ ሸንከሮ።” ይብል። (ቈላ. 2፡14) ቅዱስ ኤፍሬም’ውን ኣብ ናይ ሰኑይ ውዳሴ ማርያም፦ “እስመ ሠዓረ ዘትካት ወነሠተ ምክሮ ለጸላኢ/ ንምኽሪ ጸላኢ ዲያብሎስ ሥዒሩ ነቲ ናይ ቀደም መርገም ደምሰሰልና’ ብምባል ድኅሪ ዕለተ ዓርብ ጥንተ አብሶ ፈጺሙ ከም ዝተደምሰሰን ናብ ደቂ ሰባት ምምኅልላፍ ከም ዘቋረጸን ይነግረና።

ነዚ ትምህርቲ እዚ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ኣሥፊሮሞ ኣለዉ። መረዳእታ ንምጥቃስ፡- “ተሰቅለ ዲበ ዕፀ መስቀል ከመ ይሥዓራ ለኃጢአት/ ንኃጢኣት ምእንቲ ኪሥዕራ ኣብ መስቀል ተሰቕለ።” (ድርሳነ ማሕየዊ ዘዓርብ 5፥4) ክብል ከሎ፡ ቅዱስ ያሬድ ከኣ ንመዓልቲ ጥምቀት ኣብ ዝሠርዖ ድርሰቱ፡ “ከመ ይሥዓር መርገማ ለሔዋ ዲበ ዕፅ ተሰቅለ። መርገም ሔዋን ንምድምሳስ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቕለ።” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ።

ብርግጽ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ጽንሰቱ ጀሚሩ ክሳዕ ትንሣኤኡ ንዲያብሎስ ስዒሩ ንጥንተ አብሶ ደምሲሱ ንኣና ድማ ነቲ ናይ ቀደም ክብርና ከም ዝመለሰልና፡ አባ ብንያሚ ንቃል ቅዱስ ኣትናቴዎስ ክጠቅስ ከሎ፡ “ወአትናቴዎስ ሐዋርያዊ ይቤ በድርሳኑ ዘነበበ በእንተ እሉ አርዮሳውያን፣ እስመ እግዚአብሔር ውእቱ አስተኃፈረ ኃጢአተ በዲበ ምድር፣ ወአእተተ መርገመ በዲበ መስቀል፣ ወነሠተ ሙስና በውስተ መቃብር፣ ወአብጠለ ሞተ በውስተ ሲኦል። ወበኵሉ መካን ዘኮነ ቦቱ ገብረ ለነ መድኃኒተ።/ ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ ብዛዕባ አርዮሳውያን ኣብ ዝተዛረበሉ ድርሳኑ ከምዚ ይብል፡- ንሱ እግዚአብሔር እዩ’ሞ፡ ኣብ ምድሪ ንኃጢኣት ኣኅፈረ፣ ኣብ መስቀል ንመርገም ደምሰሰ፣ ካብ መቓብር ምብስባስ ኣጥፈአ፣ ንሞት ኣብ ሲኦል ኣጥፍአ። ኣብ ኵሉ ቦታ ብዝሠርሖ ሥራሕ ድኅነት ገበረልና።’ ይብል።(ሃይ. አበ. 89፡24) እዚ ትምህርቲ እዚ ብሰፊሕ ክትንተን ከሎ ድማ፦

 ‘አስተኃፈረ ኃጢአተ በዲበ ምድር’ - እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጽንሰቱ ጀሚሩ ንዲያብሎስ ሰዓሮ። ኣብ ጊዜ ጽንሰቱን ልደቱን ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ቘሪኑ ዝኅዝ ዝነበረ ዲያብሎስ፡ እንበለ ዘርአ ብእሲ ተጸኒሱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣኅፈሮ። ብጥምቀቱ ከኣ ነታ ሓንቲ ናይ ዕዳ ደብዳቤ ደምሰሰ። ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ድማ ብሠለስተ አርእስተ ኃጣውእ ንዲያብሎስ ሰዓሮ። (ማቴ. 4፥1-10 ንባብ ምስለ ትርጓሜ)። “እስመ ሶበ አመከሮ ሰይጣን በገዳም ተዐገሠ አኮ ፈቂዶ መከራሁ አላ ከመ ያብጥል ኃይሎ ለዘያሜክሮ፤” ከም ዝበሎ እዩ።(ሃይ. አበ. ዘሳዊሮስ 85፥16) ብኪደተ እግሩ ንምድሪ ቀደሳ። በዚ ድማ ንሰይጣን ኣኅፈሮ።

 ‘ወአእተተ መርገመ በዲበ መስቀል’ - ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ወአእተቶ እማአከሌነ ወቀነዎ በመስቀሉ፤” ከም ዝበለ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ ኣፍሲሱ፡ ንዝነበረ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ካብ ማእከልና ኣርኃቖ። (ቈላ. 2፥14-15)። ነዚ ከኣ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ “በውኂዘ ደሙ ቅዱስ አንጽሖሙ ለመሃይምናን ወለሕዝብ ንጹሐን፤ በቲ ዝወኃዘ ቅዱስ ደሙ ነቶም ብዓፀደ ሥጋ ኣብዛ ምድሪ፣ ብዓፀደ ነፍስ ድማ ኣብ ሲኦል ንዝነበሩ ፈጺሙ ኣድኃኖም።” (ቅዱስ ኤፍሬም፣ ውዳሴ ማርያም ዘሰንበተ ክርስቲያን)፣ “ወምድርኒ ትገብር ፋሲካ ተሐፂባ በደመ ክርስቶስ፤ ምድሪ ኸኣ ብደም ክርስቶስ ተሓፂባ ፋሲካ ተብዕል።” (ቅዱስ ያሬድ፣ ዘትንሣኤ) ብምባል፡ ብሰንኪ ኣዳም ዝተረግመት ምድርን ተሰካሚ መርገም ኣዳም ዝኾነ ዘርኢ ኣዳምን ናፃ ወፂኡ፣ ብዘይ ኣፈላላይ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ንሓዋሩ በዚ ዕዳ እዚ ዘይሕተት ከም ዝኾነ ገሊጾም ኣለዉ።

 ‘ወነሠተ ሙስና በውስተ መቃብር’ - ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ሰኑይ ውዳሴ ማርያም፡- “ወነሠተ ምክሮ ለጸላኢ፤ ንምኽሪ ዲያብሎስ ሰዓረ፤” ከም ዝበለ፡ እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ፡ ‘ንሥጋ ኣብ መቓብር፡ ንነፍሲ ድማ ኣብ ሲኦል ገዚአየን ክነብር እየ፣’ ዝብል ምኽሪ ሰይጣን ንምጥፋእ፡ ነተን ዝመኸረለን ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ከርሢ መቓብር ብምግባር ብትንሣኤኡ ምብስባስ ሥጋ ኣጥፈአ። እዚ ፍጻሜ እዚ፡ “አይቴ እንከ ቀኖትከ ሞት፡ ወአይቴ መዊዖትከ ሲኦል” ዝተባህለሉ ፍጻሜ እዩ። (1ይ ቆሮ. 15:55)

 ‘ወአብጠለ ሞተ በውስተ ሲኦል’ - እዚ ድማ ጐይታ ብኣካለ ነፍሲ ናብ ሲኦል ወሪዱ ንዲያብሎስ ብእሳት ሞቍሕ ኣሲሩ፣ ነታ ካልአይቲ እብነ ሩኳም ደምሲሱ፣ ንነፍሳት ሓራ ከም ዘውፅኦም ዝገልጽ እዩ።

ስለዚ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ፡ ኣዳማዊ ኃጢኣት ተደምሲሱ፡ ማዕፆ ገነት ከም ዝተኸፍተልና ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ “ሶበሰ ኢሞተ በሥጋ ከመ ሰብእ እም ኢያብጠለ ሞተ ከመ አምላክ ዘቦቱ ሥልጣነ ሞት ወእም ኢተደምሰሰ እምነ ማእከል መጽሐፈ ዕዳሁ ለአዳም። / ኣምላኽ ብሥጋ ሰብ እንተ ዘይመውት፡ ሥልጣነ ሞት ከም ዘለዎ መጠን ብኣምላኽነቱ ሞት ኣይመጥፈአን፤ እቲ ናይ ኣዳም መጽሓፍ ዕዳ ድማ ካብ መንጎ ሰብን እግዚአብሔርን ኣይምተደምሰሰን።”፤ ከምኡ’ውን፡ “ርኢከኑ ኦ ንጉሥ፣ እስፍንተ ሠናያተ ረከብነ እምኀቤሁ ንሕነ እለ ርኁቃን እምኔሁ በሕማማተ ወልዱ ቤዛነ።! በጠለ ሞት፣ ወጐየ ዲያብሎስ፣ ወተሀውከ ሲኦል፣ ወተፀርዐ ፍትሐ ዕዳ፣ ወተሠረወ ስሕተተ ሰይጣን ወኮነ ኅቡአ፣ ወተርኅወ ገነት፣ ወተከሥተ ዕፀ ሕይወት። ኦ ንጉሥ ካብኡ ርኂቕና ንዝነበርና ንኣና ቤዛና ብዝኾነ ሕማማት ወዱ፡ ካብኡ እንታይ ዓይነት ክብሪ ከም ዝረኸብና’ዶ ርኢኻ፧! ሞት ጠፍአ፣ ዲያብሎስ’ውን ተሳዕረ፣ ሲኦል ተረበሸት፣ ብኃጢአት ዝተፈርደ ፍርዲ ተፋሕቈ፣ ሰይጣን ዘምጽኦ ስሕተት ጠፍአ፣ ከም ዘይነበረ’ውን ኮነ፣ ገነት ተኸፍተ፣ ትንሣኤ ተጋህደ።” ኢላ ትምህረና። (ሃይ. አበ. ዘሳዊሮስ 84፥19 ፣ 85፥36)

ነዚ ትምህርቲ እዚ ቅዱስ ቄርሎስ፡ “እንከሰ አሐዱ ውእቱ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ዘተሣየጠነ በደሙ እመርገመ ኦሪት ወፆረ መርገመ በእንቲአነ በከመ ጽሑፍ ርጉም ኵሉ ዘስቁል ዲበ ዕፅ። ወመጽሐፈ ሕግሂ ያጤይቅ እስመ ዘሀሎ መትሕተ ዕልወት ወኃጢአት ርጉም ውእቱ። ወክርስቶስ ንጉሥ ዘኢየአምር ኃጢአተ ተኰነነ በእንቲአነ ወተዐገሠ ኵነኔሁ ለዐመፃ በእንቲአነ። ወተወክፈ ሕማማተ ዘይደልዎሙ ለእለ እሙንቱ መትሕተ መርገም። ዘኢመጠኑ ኵሉ ፍጥረት ሶበ ሞተ አእተተ ኃጢአተ እንተ ኮነት በዕልወት ቀዳሚ በዕልወት እምፍጥረተ ዓለም። እምበኣር፡ ‘ኵሉ ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ርጉም እዩ፣’ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ምእንታና መርገም ኦሪት ተቐቢሉ፣ ካብ ፍዳ ኦሪት ብደሙ ዘድኃነና ወልደ እግዚአብሔር ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ። መጽሓፈ ኦሪት’ውን ሕጊ ብምፍራስ ኣብ ኃጢኣት ዘሎ ርጉም ከም ዝኾነ የረድእ። እቲ ኃጢኣት ዘይብሉ ንጉሥ ክርስቶስ ምእንታና መከራ ተቐበለ። ስሌና ነቲ ብምኽንያት በደል ዝመጽአ ፍርዲ ብፍቓዱ ተቐበለ። ነቶም ኣብ ትሕቲ መርገም ኦሪት ዝነበሩ ሰባት ዝግባእ ዝነበረ መከራ ተቐበለ። እቲ ኵሉ ፍጥረት ዘይመጠጣኖ ምስ ሞተ፡ ዓለም ካብ ትፍጠር ጀሚራ ብምኽንያት ምፍራስ እታ ቀዳመይቲ ትእዛዝ ንዝመጽአት ኃጢኣት ኣጥፍአ።” (ሃይ. አበ. ዘቄርሎስ 79፥7) ብምባል ኣነጺሩ ምሂሩና እዩ።

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል . . . 

ምንጪ፦ብጉባኤ ሊቃውንት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተዳለወ ጽሑፍ!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195