banner

ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (ካልኣይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጥምቀተ ክርስትና

ጥምቀት ማለት ‘አጥመቀ’ ካብ ዝብል ግሢ ዝወፀ ኾይኑ፦ ‘ኣብ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ማየ ገቦ ጠሊቕካን ተኣሊኽካን፡ ተሓጺብካን ምውፃእ’ ማለት እዩ። “ወተቀበርነ ምስሌሁ ውስተ ጥምቀት በሞቱ/ ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ከም ዝተቐበርና ፍለጡ” ከምዝብል። (ሮሜ 6፡4)። እዚ ድማ ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ከም ዝኸበርናን ከም ዝተቐደሰናን ፍለጡ ማለት እዩ። ስለዚ ግቡእ ሥርዓተ ጸሎተ ጥምቀት ተፈጺሙ፡ እቲ ካህን ‘፩ዱ አብ ቅዱስ፡ ፩ዱ ወልድ ቅዱስ፡ ፩ዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ኢሉ ብመስቀሉ ምስ ባረኾ፣ ብኃይሊ እግዚአብሔርን ብሥልጣን ናይቲ ካህንን እቲ ተራ ማይ ናብ ማየ ገቦ ይልወጥ። ሽዑ እቲ ካህን ናብዚ ማየ ገቦ ብምጥላቕ፡ ናይ ምቕባሩ ምሥጢር ይፍጸም፣ ካብዚ ማየ ገቦ ብምውፃእ ድማ ናይ ምትንሣኡ ምሥጢር ይፍጸም ኣሎ። ‘እም ከመሰ ዐረይነ ሕማመ ንዔሪ ክብረ ምስሌሁ’ ከምዝብል። (ሮሜ 8፡17)


እምበኣር ካብዚ ዝተጠቕሰ ኣማናዊ ጥምቀት ዝርከብ ክብሪ፦ ውሉድነት ሥላሴን ሥርየት ኃጢኣትን እዩ።

1. ውሉድነት ሥላሴ፦ ካብ ሥላሴ ክብረ ውልድነት ረኺብና ሰማያዊ ርስቱ እንወርስ ብጥምቀት ምዃኑ ኣብ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ተገሊጹ ኣሎ። (ዮሓ. 3፡5፤ ገላ. 3፡27፤ ኤፌ. 5፡26)። እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኒቆዲሞስ ክዛረቦ ከሎ፡ “ዘኢተወልደ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር/ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዘይተወልደ ናብ መንግሥተ እግዚአብሔር ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን።” ይብለና። (ዮሓ. 3፡5) ስለዚ ከምቲ ንሱ ዝተጠመቖን በቲ ንሱ ዝኣዘዞን፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነቶም ንጽሐ ጠባይዕ ዘለዎም ሕፃናት ንወዲ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ ንጓል ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ እናኣጥመቐት ጸጋ ውልድነት ከም ዝረኽቡን ብርቀት ካብ መንፈስ ቅዱስ ተወሊዶም ብወልድ ውሉድ ብክርስቶስ ክርስቲያን ከም ዝስመዩን ትገብር።

2. ሥርየት ኃጢኣት፦ “ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢኣት/ ኃጢኣት ብዝሥረየላ ሓንቲ ጥምቀት ንኣምን” (ጸሎተ ሃይማኖት)። እዚ ቃል’ዚ ትምህርተ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እዩ። በዚ መሠረት እምበኣር ጥምቀት ኃጢኣት ከም ዝድምስስ ዘየጠራጥር እሙን ነገር እዩ። እንተኾነ ግና ‘ነየናይ ኃጢኣት፧ ናይ መን ኃጢኣት ይድምስስ፧’ ኣነጺርካ ምፍላጥ ይግባእ።

ካብ ሡራ ተማሕያ ዝወደቐት ገረብ ዳግማይ ተተኺላ ለምሊማ ዓምቢባ ከተፍሪ ከምዘይትኽእል፡ ከምኡ ድማ ድኅሪ ስቅለተ ክርስቶስ፡ ጥንተ አብሶ ብፍዳ ዘይኅዝን ዘይመኃላለፍን ስለዝኾነ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ (ዘመነ ሥጋዌ) ናብ ሕፃናት ዝኃልፍ ኣዳማዊ ኃጢኣት የለን። ነዚ ብምርዳእ እዮም ድማ ቅዱሳን ኣቦታት፡ ‘ወያቅድሙ አጥምቆ ሕፃናት/ ሕፃናት ንጽሐ ጠባይዕ ዘለዎም ኣምሳል መላእክት ስለ ዝኾኑ ፍጹም ኃጢኣት የብሎምን እሞ፡ ንሕፃናት ኣቐዲምኩም ኣጥምቕዎም’ ዝብል ሥርዓት ዝሠርዑልና። (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ሣልስ)። ከምኡ’ውን ቅዱስ ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ “ ተፀንሰ ወተወልደ በሥጋ ያሰስል ትካዘ ዘልደተ ደቂቅ ወያግዕዝ ትዝምደ እጓለ እመ ሕያው እምዘቀዳሚ መርገም/ ንሕፃናት ካብ ማኅፀን ጀሚሩ ይሳቕዮም ንዝነበረ ንኸርሕቕን፡ ንባሕርየ ሰብ ድማ ካብቲ ናይ ቀደም ፍዳ መርገም ንኸድኅንን ብሥጋ ተፀኒሱ ተወልደ። (ሃይ. አበው 86፡7)

ስለዚ ሕፃናት ዝጥመቑሉ ምኽንያት “እስመ ዘተወልደ እምሥጋ ሥጋ ውእቱ፡ ወዘተወልደ እመንፈስ መንፈስ ውእቱ/ እቲ ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ፡ እቲ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ” (ዮሐ. 3፡6) ከም ዝብል ድኅነት ብጥምቀት ስለዝርከብ ደኣ እምበር ጥንተ አብሶ ስለ ዝኃለፎም ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ሰባት ሕፃናት ጥንተ አብሶ ዘይኃልፎም እንተኾይኑ ክጥመቑ ከለዉ ‘ . . . ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢአት’ ዘለዎ ጸሎተ ሃይማኖት ክድገመሎም ኣይግባእን’ዩ ዝብልዎ ስሑት ትምህርቲ እዩ። ‘ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢአት’ ዝበሎ በቲ ክርስቶስ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ ብሰብነቱ ረጊጹ፡ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ንሓዋሩ ዝደምሰሰልና ኃጢኣት እተሥተሥሪ ሓንቲ ጥምቀት ነኣምን ኢና ማለት እዩ። ቅዱስ ያሬድ ብወገኑ ‘ኃጢኣት ወመንሡት ወኵሉ ይደመሰስ በዮርዳኖስ’ ይብል እዩ። ከምኡ’ውን ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኣብ ቅዳሴኡ (ቍ. 66)፦ ‘ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት/ ነቲ ኣዳማዊ ኃጢኣት ኣይትዘክረልና’ ይብል። እዚ ኸኣ ‘ፍዳ መርገም ይመኃላለፍ እዩ’ ዝብሉ ስሑታን ኣለዉ’ሞ ነዚ ከብርህ ‘አበሳነ ዘትካት’ በለ። ስለዚ እምበኣር እዚ ብቤዛነት ክርስቶስ ዝተደምሰሰ ጥንተ አብሶ፡ ድኅሪ ስቅለተ ክርስቶስ ናብ ደቂ ኣዳም ናይ ምኅላፍ ሥልጣን የብሉን።

ከምቲ ‘ወአሥለጠ ዕዳ ዘኮነ ላዕለ ደቂቀ እጓለ እመ ሕያው ወቤዘዎሙ በርእሱ ወሞተ በእንቲአሆሙ ከመ ሰብእ ወተንሥአ ወአኅጐሎ ለዘቦቱ እዘዘ ሞት ዘውእቱ ዲያብሎስ ዝንቱ ግብር ይትሌዐል እምኵሉ ንባብ ንትወከፎ በሃይማኖት ወኢንሕትት በእንቲአሁ በተቃውሞ/ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ አዳም ዝነበረ ኵሉ ዕዳ ከፈለ፡ ሰብ ብምዃኑ ድማ ብርእሱ ተበጀዎም፡ ምእንታኦም ሞተ፡ ነቲ ሥልጣን ሞት ዘለዎ ዲያብሎስ ስዒሩ ተንሥአ። እዚ ሥራሕ’ዚ ካብ ምዝራብ (ምምርማር) ዝረቐቐ እዩ። ብሃይማኖት ደኣ ንቀበሎ እምበር ብዛዕባኡ ብምክርኻር (ብምቅዋም) ኣይንመርምር።’ (ሃይማኖተ አበው ዘኤራቅሊስ 48፡24-25) ዝብል ነዚ ትምህርቲ’ዚ ብእምነት ምቕባል እምበር ምቅዋም ኮነ ምክርኻር ኣይግባእን እዩ።

ብሓቂ ጥምቀተ ክርስትና ንሕፃናት ብንጹሓቶም፡ ደጊም ኣብ ኣርዑት ባርነት ንኸይኣትዉ ደቂ ሥላሴ ገይራ፣ ንንኡሰ ክርስቲያን ድማ ካብ ዝነበሮም ምልኣተ ኃጢኣት ኣንጺሓ ኃይሊ እትህብ ምሥጢር እያ። ነዚ ከብርህ እዩ ድማ ሳዊሮስ ዘእስሙናይን ኣብ ድርሳኑ፡ “ወበጥምቀተ ክርስትና ይከውን ሰብእ አግዐዜ እምግብርናተ ኃጢኣት እምሥልጣነ ዲያብሎስ ወእምእጋንንቲሁ ርኩሳን። ብጥምቀት ኵሉ ሰብ ካብ ግብሪ ኃጢኣትን ካብ ሥልጣን ዲያብሎስን ርኹሳን ኣጋንንቱን ናፃ ይኸውን።” ዝበለ። እቶም ጥምቀተ ክርስትና ዘይተቐበሉ ግና እዚ ኃይሊ እዚ የብሎም። ከመይ! ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ዘይኄይሎም ይእዜ ለደቂቀ ከሐድያን/ ሎሚ ነቶም ደቂ ከሓድያን ገዚእዎም ዝነብር . . . ” (ኤፌ. 2፡2) ከም ዝበለ፡ ዲያብሎስ ባሮት ኃጢኣት ንምግባር እናኃየሎም ይነብር።

እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍት ብሰፊሑ ዝተገልጸ፣ ካብ ቅዱሳን ኣቦታትና እናተመኃላለፈ ኣባና ዝበጽሐን ዝቕጽልን ርቱዕ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

‘ንሕነሰ ንተሉ እምነተ አበዊነ ቅዱሳን እንበለ ተወላውሎ። ንሕናስ ብዘይ ጥርጥር ሃይማኖት ቅዱሳን ኣቦታትና ኢና ንስዕብ። (ሃይማኖተ አበው ዘቄርሎስ 70፥1)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195