banner

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት ይህቡ ስለዝነበሩ፡ ብኣቦኡ ሮማዊ ዜግነት ነበሮ። (ፊል. 3፡5)።
ቅዱስ ጳውሎስ፡ ካብቲ በቲ ዘመን ፍሉጥ ዝነበረ ፈሪሳዊ ምሁረ ኦሪት ሊቅ ገማልያል፡ ንዅሉ ሕግን ሥርዓትን ኣይሁድ ብርቐትን ዕምቈትን ኣጽንዐ። በታ ኦሪታዊት እምነቱ ቀናእ ፈሪሳዊ ብምዃን ንክርስቲያናት ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ይቃወም ነበረ። ብፍላይ እኳ ሊቀ ዲያቆናት እስጢፋኖስ ወንጌል ብምስባኹ ገበን ተቘጺሩ ብኽሲ ኣብ ባይቶ ኣይሁድ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ጸኒዑ ዝተኸራኸሮን ብዳርባ እምኒ ተቐጥቂጡ ብሰማዕትነት ኪኃልፍ ከሎ ኽዳውንቲ ቀተልቲ ይሕሉ ነበረ። (ግብ. 7፡58)

ቅዱስ ጳውሎስ ናብ’ታ ብሽነኽ ሰሜን ካብ ኢየሩሳሌም 223 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ከተማ ደማስቆ ብዙኃት ክርስቲያናት ምህላዎም ሰሚዑ፡ ካብ ሊቀ ካህናት ኣኣሲሩ ናብ ኢየሩሳሌም ኬምጽኦም ዘኽእሎ ፍቓድ (ደብዳቤ) ተቐቢሉ ናብኣ ተበገሰ። ኣብታ ኸተማ ምስ ቀረበ ግና ናይ ኣመንቱ ስደት፡ ስደቱ ዝኾነ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ “ሳውል! ሳውል! ለምንት ትሰድደኒ / ስለምንታይ ትሰጐኒ፡ በሊሕ ነገር እንተረገጽካ ንርእስኻ እዩ ዝጐድኣኻ” በሎ። ሳውል ኣዕይንቱ ዒሩ፡ እናኣንቀጥቀጠ “ጐይታይ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ” ኢሉ ሓተቶ። ጐይታ ድማ “ናብ ከተማ እቶ እሞ ክትግብሮ ዝግብኣካ ክነግሩኻ እዮም” በሎ። 

ሳውል ከምቲ ዝተባህሎ ተመሪሑ ኸደ፡ ን3ተ መዓልቲ ከይበልዐን ከይሰተየን ጸንሐ። ጐኒ ጐኒ እዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣብ ደማስቆ ዝነበር ሓናንያ ዝበሃል ወዲ መዝሙር ተገሊጽ “ሓናንያ! ሓናንያ! ተንሥእ ናብታ ቅንዕቲ ተባሂላ ትጽዋዕ መንገዲ ኪድ፡ በዓል ጠርሴስ ሳውል ደሊኻ! ኢድካ ኣንቢርካ ከምዝርኢ ክትገብሮ ምዃንካ ገሊጸሉ እየ” በሎ። ሓናንያ ኸኣ ኸይዱ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረሉ፡ ብኡ ንብኡ ካብ ኣዕይንቱ ቅራፍ ዚመስል ተኣልየ፡ ኣዕይንቱ ተከፍታ፡ ተንሢኡ ተጠምቀ፡ መግቢ ምስ በልዐ ድማ በርትዐ። (ግብ. 9፡19)። ብድኅሪኡ ናብ ሃገረ ዓረብ ከደ። (ገላ. 1፡17) ን3 ዓመት ኣብ በረኻ ዓረብ ድኅሪ ምጽናሕ ናብ ደማስቆ ተመልሰ። ኣቦታት ነዘን ሠለስተ ዓመታት ሱባኤ ኣትዩ ከምዘኅለፈን ይገልጹ።

ኣብ ደማስቆ ኾይኑ፡ ብዛዕባ ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣይሁድ ኪስብኽ ምስ ጀመረ ኣይሁድ ኣንጻሩ ተላዕሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ናይ ደማስቆ ክርስቲያናት ናብ ኢየሩሳሌም ለኣኽዎ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ብወገን ሕዝቢ ኽልተ ዓይነት ሽግራት ተጓነፎ። ብመጀመሪታ ብወገን ኣይሁድ፡ ንቅዱስ ጳውሎስ ከም’ቲ ዝፈልጥዎ ኮይኑ ስለዘይጸንሖም ክቐትልዎ ተላዕሉ። ብኻልእ ድማ ብወገን ክርስቲያናት፡ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ እምነተ ክርስትና ምምላሱ፡ ክኣምንዎ ኣይከኣሉን። እንተኾነ ሓዋርያ በርናባስ ናብ ሓዋርያት ወሲዱ ኵሉ ስለዝነገሮም ፡ እቲ ናይ ክርስቲያናት ሽግር ተፈትሐ።

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኢየሩሳሌም ብትብዓት ከስተምህር ምስ ጀመረ ኣይሁድ ኣትሪሮም ስለዝቓወምዎ ነታ ከተማ ገዲፉ ብቂሳርያ ገይሩ ናብ ትውልዲ ዓዱ ጠርሴስ ኣተወ። ኣብዛ ከተማ ድማ ን9ተ ዓመት ጸንሐ። ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ካብ ኢየሩሳሌም ወፃኢ እትርከብ ከተማ ኣሕዛብ ትብሃል ኣንጾኪያ ካብ ኢየሩሳሌም ብዝተሰዱ ክርስቲያናት እምነት ክርስትና ኣቲዋ ስለዝነበረ፡ ምስ በርናባስ ኮይኑ ወንጌል ሰበኸ። ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ናይ ገላትያ መልእኽቱ ምዕ. 2 ከምዝገለጾ ድኅሪ 14 ዓመት ካብ ኣንጾኪያ ነቲ ካብ ክርስቲያናት ዝኣከቦ ሓገዝ ኂዙ ናብ ኢየሩሳሌም ከደ። ካብ ኣንጾኪያ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመልሰ፡ ብጻውዒት እግዚአብሔር ምስ በርናባስ ከምኡ’ውን ሲላስን ጢሞቴዎስን ብትምህርቱ ንኣህዛብ ካብ ኣምልኮተ ጣኦት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር፡ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ዝመለሰ፡ ሕዝብን ኣሕዛብን ሓደ ዝገበረ ሓዋርያ እዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ዚመሃሮም ክርስቲያናት ስቕ ኢሉ ኣይገደፎምን። ንሃይማኖቶም መጽንዒ፡ ንመንፈሳዊ ሕይወቶም ድማ መምርሒ ዝኾኖም መልእኽታት ጽሒፍሎም እዩ። ነቶም ኣብ ቀረባ ዘለዉ ብኣካል እናኸደ ኪምህሮምን ዝተፈላለየ ተኣምራት ኪገብርን ከሎ፡ ነቶም ብጊዜን ኵነታትን ከራኽበሎም ዘይከኣለ ድማ መልእክትታት እናሰደደ ስብከቱ የካይድ ነበረ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ 14 መልእኽትታት ጽሒፉ እዩ። ንሰብ ከመይ ጌርካ ከም እተቕርቦ ስለ ዝፈልጥ ካብ ተራ ሰብ ክሳብ ሥድራ ነገሥታት ብፍቕሪ እናሰሓበ ናብ ደምበ ክርስትና የእቱ ነበረ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መልእኽታቱ ንደቀ ቤተ ክርስቲያን በብኣስማቶም እናጸውዐ ሰላምታ የቕርብ ነበረ። እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ኵሎም ኣብ ልቡ ዝተኃትሙ ምዃኖም ምእንቲ ኪፈልጡ እዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ምሁረ ሕገ ኦሪትን መጻሕፍተ ነቢያትን ከምኡ’ውን ድኂሩ ትምህርተ ክርስትና ካብ ሓዋርያት ዝተማህረ፡ ዚኣክል ፍልጠት እኳ እንተ ነበሮ፡ ኵሉ ጊዜ ‘ምንኣስ ኵላቶም ሓዋርያ እየ እሞ ሓዋርያ ክስመ ብቑዕ ኣይኮንኩን’ እናበለ ብትሕትና ይነብር ነበረ። (1ይ ቆሮ. 15፡8)
ቅዱስ ጳውሎስ ለይትን ቀትርን ንስብከት ወንጌል ዝዓዪ እኳ እንተኾነ ንምእመናን ጾር ከይኮኖም ብምባል ድንኳን እናሰፈየ ናይ ዕለት መግቡን ናይ ዓመት ክዳኑን ይረክብ ነበረ። (ግብ. 18፡3-4)። ነዚ እዩ ውን “ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተ ኾይኑስ ኣይብላዕ” እናበለ ዝምህር ዝነበረ። 2ይ ተሰ. 3፡10

ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ንዝጸንሐ ትውፊት መሠረት ብምግባር ብዛዕባ መልክዕን ኣቃውማ ሰብነትን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብሉ፦
“ርእሱ ዓቢይ፡ በራሕ ነበረ። ኣዕይንቱ ብሩሃት፡ ናይ ክልቲኤን ሽፋሽፍቲ ኣዕይንቱ ፀጕሩ ዝተጋጠሙ፡ ኣፍንጫኡ ዓቢይን ትኽ ኢሉ ዝወረደን፣ ጭሕሙ ነዊኅ፡ ክሳዱ ሕፅር ዝበለ፣ መንኵቡ ከቢብን ጐባጥን፣ ቁመቱ ሕፅር ዝበለ ድልዱል ሰብኣይ” ከምዝነበረ ይንገር።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቱ ብዙኅ ፈተና እዃ እንተበጽሖ ብኣገልግሎቱ ግና ሕጉስ ነበረ። (2ይ ቆሮ. 11፡25-33) ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ክርስቲያናት ዝኣከቦ ሓገዝ ኂዙ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ ጊዜ፡ በዓል ፋሲካ ብምንባሩ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኣከቡ ኣይሁድ ኣብታ ከተማ ንቅዱስ ጳውሎስ ምስ ርኣዩዎ ዓቢይ ናዕቢ (ተቓውሞ) ገበሩ። ኣብ ጊዜ’ዚ ኣብ 58 ዓ.ም.ግ. ክሳብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሮም ዝበጽሕ ኮነ። ኣብ ሮም ን2 ዓመት ናይ ኸተማ እሱር ኮነ። ብድኅሪኡ’ውን ኣብ 60 ዓ.ም.ግ. ኣብ ናይ ንጉሥ ኔሮን ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ብዝገበርሉ መርመራ ሕጊ ሮም ገበነኛ ዘብሎ ስለዘይረኸቡሉ፡ ናጻ ሰደድዎ።

እንተኾነ ግና ኣብቲ ኔሮን ንሮም ብሓዊ ዘቃጸለሉ ከምኡ’ውን ብዙኃት ክርስቲያናት ኣብ ኣደባባይ፡ ጐደናታት ብዘሰቅቕ መንገዲ ብሰማዕትነት ዝኅለፉሉ ስደትን ሰይፍን ሰማዕትነትን መዓልታዊ ናብራ ክርስቲያናት ኮይንሉ ዝነበረ ጊዜ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናኸደ ክርስቲያናት የጸናንዕ ነበረ። ብፍላይ እኳ ነቲ ዚፈትዎ ወዲ ጢሞቴዎስ “ኣነስ ካብ ሕጂ እሥዋዕ ኣሎኹ። እታ መዓልቲ ምስንባተይ በጺሓ እያ እሞ ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያይ ወዲአ፡ ነታ እምነት ኃልየ እየ።” ብምባል የጸናንዖ ነበረ። 2ይ ጢሞ. 4፡6።

ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ድማ ኣብ ከተማ ኒቆጵልዮን ወንጌል ኪምህር ከሎ ተታኂዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። ክልተ ዓመትን መንፈቕን ድማ ኣብ ጸልማት ተኣሲሩ ጸንሐ። ንጉሥ ኔሮን ምስ መኳንንቱ ተማኺሩ፡ ብሓደ ጊዜ ዘየዳሉ መቕጻዕቲ ብሰይፊ ክስየፍ ድኅሪ ምፍራድ ንሓደ ካብ ወተሃደራቱ ክሳዱ ቑረጾ ኢሉ ለኣኸ። ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ሰይፊ ዓቲሩ ዝመጽአ ድልዱል ወተሃደር “ነዚኣ ዲኻ ደሊኻ መጺእካ” ኢሉ ክሳዱ ንስሕለት ሰይፊ ባዕሉ ኣዳለወ። ነዚ ዝርኣየ ወተሃደር ሰይፉ ዓቲሩ ወስ ከብል እንተደለየ ኢዱ ቀጥቀጥ እናበለት ንሓደ ሰዓት ጸንሐት። እታ ዝዓርፈላ ሰዓት ምስ በጽሐት ግና ኢድ እቲ ወተሃደር ቀጥ በለት እሞ ክሳዱ መተሮ። ካብ ክሳዱ ድማ ጸባን ደምን ወኃዘ።

በዚ ኸኣ ኣብ 74 ዓመት ዕድሚኡ፡ ኣብ ሮም ኣብ ጐደና ኦስትያ ብ5 ሓምለ 67 ዓ.ም.ግ. ብሰማዕትነት ኃለፈ።

ፍቝራንን ፍቝራትን ሕዝበ ክርስቲያን! ቤተ ክርስቲያንና ናይዞም ቅዱሳን ሓዋርያት መሠረትን ዓንድን ብምዃና ዅሉ ጊዜ በዓላቶም 5 ሓምሌ ተጠንቂቓ ብዓቢይ ኣኽብሮትን ብኣማላድነቶም ተማኅጺናን ተብዕሎ። ንሕና ድማ ናይ’ዞም ቅዱሳን ኣቦታት ትምህርትን ተጋድሎን ተኸቲልና ምስኣቶም ኣብ መንግሥቲ ክርስቶስ ተኻፈልቲ ክንከውን ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹን።

ጸሎቶምን በረኸቶምን ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን ምስ ኵላትና ይኹን!!!

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡አሜን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195