banner

ብርሃናተ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን ከኣ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ተጻሒፉ ይርከብ። ብሰፊሑ ታሪኽን ገድልን ሓዋርያት ንምፍላጥ ግና እቲ እንኮ ምንጪ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ዝርከቡ መጻሕፍቲ ታሪኽ እዮም።
ስለዚ ካብዞም ዝተጠቕሱ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መወከሲ ብምግባር ናይ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ታሪኽን ገድልን ብኸፊሉ ከነቕርብ ኢና እሞ በረከተ ኣምላኩ ምስ ኵልና ይኹን!

ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣብ ወሰናስን ባሕሪ ገሊላ ኣብ እትርከብ ቤተ ሳይዳ ተወሊዱ። ስም ኣቦኡ ዮና ኾይኑ። ዚዓበየላ ኸተማ ቅፍርናሆም ኮይና፡ ምስ እንድርያስ ኃዉ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሣ ይገፉ ነበሩ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንወንጌል ከም መርበብ፡ ንሰብ ከም ዓሳ ጌርኩም ካብ ባሕሪ ዓለም ከም እተሳግሩ ከም እትምህሩ ክገብረኩም እየ እሞ “ንዑ ሰዓቡኒ” ምስ በሎም፡ መርበቦምን ጃልባኦምን ኃዲጎም ንወላዲኦም ገዲፎም ሰዓቡ። ማቴ. 4፡18-19 ኣብ ዚተጸውዓሉ ጊዜ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሓዋርያነት ክምረጽ እንከሎ ዕድሚኡ ኃምሳን ኃሙሽተን ዓመት ነበረ።

እቲ ናይ መጀመሪያ ስሙ ‘ስምዖን’ ክኸውን ከሎ፡ ደኃር ግና ኣብ ከተማ ቂሳርያ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት “ንስኻትኹም መን ትብሉኒ፧” ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ ጊዜ “ንስኻ ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ኢኻ” ኢሉ ብምምስካሩ ጐይታና “ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ” በሎ። እዚ ድማ ከውሒ፡ መሠረት ማለት እዩ። ብኣረማይክ ድማ ኬፋ ይበሃል። (ማቴ. 16፡18)

ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐይታና ብብርቱዕ መንፈሳዊ ቅንኣት ዚተሓወሶ ፍቕሪ ይስዕቦ ስለዝነበረ፡ ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ነገረ ሞቱ ምስ ነገሮም “ይባልህካ እባ ደኣ ጐይታይ እዚስ ኣይብጻሕካ፣ ዅላቶም እኳ እንተኸሓዱኻ ኣነስ ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በለ። ዋላ ጐይታና “ደርሆ ኸይነቀወ ሠለስተ ሳዕ ከም እትኽሕደኒ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ” እንተ በሎ “ምሳኻ ምማት ኣድላይ እኳ እንተኾነ ምሳኻ እመውት እምበር ከቶ ኣይክሕደካን እየ” ብምባል ተዛረበ። (ማቴ. 26፡ 34) ነዚ ዝበሎ ከተግብሮ ፈቲኑ ነይሩ። ሠራዊት ሮም ንጐይታና ንኺኅዝዎ ምስ ቀረቡ፡ ነቲ ጊልያ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ማልኮስ ዝስሙ ሰብኣይ ብሰይፉ ወቒዑ የማነይቲ ዕዝኑ ቘረጾ። (ዮሓ. 18፡10) ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነት ዓለም ዝሞቶ ሞት ብፍቓዱ ስለ ዝነበረ ግና “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለሶ” ኢሉ ገሢጹ፡ ንማልኮስ ኣሕወዮ።

ሓዋርያ ጴጥሮስ፡ ጐይታና ብሓናን ቀያፋን፡ ብመኳንንትን ወተሃደራትን ሮማ መከራ መስቀል ኪቕበል ከሎ ብርኁቕ ይስዕቦ ስለዝነበረ፡ ናብ ቀጽሪ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ምስ ኣእተውዎ ተኸቲልዎ ኣተወ። እንተኾነ ግና ንጐይታ “ኣይፈልጦን’የ” ኢሉ ሠለስተ ሳዕ ብልሳኑ ኸሓደ። ኣብዚ እዋን እዚ ደርሆ ነቀወ። ብኡ ንብኡ በደሉ ተኣሚኑ ኣምሪሩ ብምብካይ ብልቡ ተነስሐ። ጐይታና ድማ ድኅሪ ትንሣኤኡ ንስሓኡ ከምዝተቐበለሉ ንኺገልጸሉ ኣብ ባሕሪ ጥብርያርዶስ ተገሊጹ፡ ስለቲ ሠለስተ ጊዜ ዚኸሓዶ ሠለስተ ጊዜ ተፍቅረኒ ዲኻ፧ ኢሉ ሎሚ ውን ከምዝፈትዎን ነቲ ኣቐዲሙ ዝሃቦ ክብሪ ከምዘይጕድለሉን ነጊሩ ሓደራ ሃቦ። (ዮሓ. 21፡15-17) ቅዱስ ጴጥሮስ፡ በዚ ኣብ ባሕሪ ጥብርያዶስ ዝተዋህቦ ሓደራን ኣብ ቂሳርያ ዝተዋህቦ ቃል ኪዳንን ከምኡ’ውን ብኣቦነቱን ሽምግልናኡን ኣብ ዝርዝር ኣስማት ሓዋርያት ብቐዳምነት ዚጥቀስ
ሓዋርያ እዩ።

ጐይታና ኣብ በዓል ኃምሳ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንደቂ መዛሙርቱ ኣብ ዘውረደሉ ጊዜ፡ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣፈ ጉባኤ ሓዋርያት ኮይኑ ወንጌል ዚሰበኸ፡ ኣብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተገብረ ሲኖዶስ ሓዋርያት ነቲ ካብ ምእመናን ኣንጾኪያ ዝቐረበ ሕቶታት ናይ መጀመርታ መልሲ ዚሃበ ከምኡ’ውን ንቆርኔሌዎስ ብምጥማቁ ንኣሕዛብ ወንጌል ኣቐዲሙ ዚሰበኸን በቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ጽላሎቱ ከይተረፈ ድዉያን ዚፍውስ ዝነበረ ሓዋርያ እዩ። (ግብ. 2፡14-37፣ 5፡15፣ ግብ. 10፡1-11፣ ግብ. 15)

ቅዱስ ጴጥሮስ ብኣካል በጺሑ ኣብ ፍልስጥኤም፡ ሶርያ፡ ጳንጣን፡ ገላትያ፡ ቀጶዶቅያ፡ ቢታንያ፡ ሮሜ፡ . . . ቃል እግዚአብሔር ኪሰብኽ ከሎ ብጽሑፍ ድማ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ክልተ መልእኽትታት ጽሒፉ ኣሎ።
ብስብከት ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ክርስቲያናት ሮሜ ኣብ ርእሲ ምብዝኆም እቲ ስብከት ክርስትና ክሳብ ሰበ ሥልጣን ሮሜ በጽሐ። ኣንስቲ ናይ ኔሮን ቀረባ ሰበ ሥልጣን ዝኾኑ በዓል ኣልቢኖስን ኣግሪጳን ከይተረፋ ናብ ክርስትና ኣተዋ። በዚ ዅነታት ዝተረበሸ ንጉሥ ሮማ ኔሮን ብሰይጣናዊ ሓሳብ ተላዕለ። ኣንስቲ ኣግቢኖስን ኣግሪጳን፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ተሰይፉ ብሰማዕትነት ከምዝዓረፈ ስለዝሰምዓ፡ ንቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻባ ሃዲምካ ትረፈልና” ኢለን፡ በቲ ቐጽሪ ናይታ ከተማ ብገመድ ኣሲረን ኣብ ዘንቢል ገይረን ብምውራድ ንቐጽሪ ሮማ ሰጊሩ ከምዝወፅእ ገበራ።

ብድኅር’ዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀስ እናበለ በቲ ድኹም ጕልበቱ እናተጓዕዘ እንከሎ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣምሳል ቀይሕ መንእሰይ ተገሊጹ ናብኡ ገጹ ክመጽእ ተራእዮ። ሽዑ ንሽዑ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ “ጐይታይ ናበይ ትጓዓዝ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጐይታና ድማ “ዳግማይ ኣብ ሮም ክስቀል” በሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ “ኣነ እምበር ጐይታይ ክስቀል ይግብኣኒ” ብምባል ከም እንደገና ናብ ሮማ ተመሊሱ፡ “እንሆ ስቐሉኒ” በሎም እሞ፡ ወተሃደራት ኔሮን ይደልይዎ ስለዝነበሩ ኂዞም ኣሰርዎ። ኪሰቕልዎ ዕንፀይቲ ምስ ቀረቡ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “ኣነ ከም ጐይታይ ክሰቀል ኣይግብኣንን” ብምባል ቍልቁል ኣፉ ገይሮም ንኺሰቕልዎ ለመኖም። ንሳቶም ድማ ከምቲ ዚበሎም ድማ ቍልቁል ኣፉ ገይሮም ሰቐልዎ። በዚ ኸኣ 5 ሓምለ 67 ዓ.ም. ብሰማዕትነት ዓረፈ።

ጥንታውያን መዛግብቲ፡ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ መልክዕን ቁመና ኣካልን ኪገልጹ ኸለዉ፦ “ርእሱ በራሕ፡ ገጹ ስፍሕ ዝበለ ጨሓምን ኮይኑ ማእከላይ ቁመት ነበሮ።”

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195