banner

‘እበውእ ቤተከ ምስለ መባእየ፡ ወእሁብ ብፅዓትየ ዘነበብኩ በአፉየ፡ ዘእቤ በከናፍርየ አመ ምንዳቤየ” መዝ. 65(66)፡13

‘እበውእ ቤተከ ምስለ መባእየ፡ ወእሁብ ብፅዓትየ ዘነበብኩ በአፉየ፡ ዘእቤ በከናፍርየ አመ ምንዳቤየ” መዝ. 65(66)፡13 

ደቂ ሰባት፡ ንዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ብዝተፈላለየ ዓይነት እግዚአብሔር ሽግሮም ምስ ዘወግደሎም ወይ ሓሳብ ልቦም ምስ ዝፍጽመሎም መባኦም ከምዘቅርቡ ምስ እግዚአብሔር ምሥጢራዊ ቃል ኪዳን ዝበሃል መብፅዓ ይኣትዉ እዮም። ገሊኦም ካብ ንዋያተ ቅዱሳት፡ ገሊኦም ካብ ገንዘብን ወርቅን ብሩርን፡ ገሊኦም ካብ እንስሳታት፡ . . . ብመልክዕ መብፅዓ ንእግዚአብሔር ክህብ እየ ክብሉ ከለዉ፣ ገሊኦም ድማ ካብ ኣብራኾም ዝተኸፍለ፡ በኵሪ ውላዶም ከም መባእ ክህቡ ይመባፅዑ እዮም።


ብፍላይ ንነዊኅ ዓመታት ብሰንኪ መካንነት ውላድ ዘይነበሮም እሞ ብመብፅዓ ውላድ ረኺቦም ውላዶም ንቤተ እግዚአብሔር ክህቡ ካብ ቅድም ዝነበረ እዩ። ዘፍ. 28፡20፣ 1ይ ሳሙ. 1፡9-11፣ . . .
ወላዲት ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደት ብመብፅዓ’ያ። ኣቐዲሞም ወለዳ ኢያቄምን ሃናን፡ ውላድ ክህቦም ናብ እግዚአብሔር ብመብፅዓ ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ። ‘ወዲ እንተ ወለድና ደይቡ ወሪዱ ሓሪሱ ቈፊሩ ይርድኣና ኣይንብልን፡ ንቤተ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ ይኹን፣ ጓል እንተ ወለድና ማይ ጸዊራ ዕንጨይቲ ሰቢራ ክትረድኣና ኣይንብልን፡ ኣብ ቤተ እግዚአብሔር መሶብ ወርቅ ሰፍያ መጋረጃ ፈቲላ ትንበር’ ኢሎም መብፅዓ ኣተዉ። እንሆ ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም 7 ነሐሴ ተፀኒሳ፡ 1 ግንቦት ተወልደት። ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ‘ናብ ቤትካ ምስ መባአይ ኂዘ ይኣቱ፡ ነቲ ጸቢብኒ ከሎ ብልሳነይ ዝኣቶኽዎ መብጽዓይ ኽፍጽሞ እየ’ (መዝ. 66፡13-14) ዝበሎ፡ ሓናን ኢያቄምን ከም መብፅዓኦም ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ሠለስተ ዓመታ፡ ብ3 ታኅሣሥ ወሲዶም ንቤተ መቅደስ ሃብዋ። በዚ መሠረት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ነዚ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣተወትሉ ምኽንያት ብምግባር 3 ታኅሣሥ ብቅዳሴን ውዳሴን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብኽብሪ ተብዒሉ።

ብፍላይ ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ቤተ ክርስቲያን ቲራቮሎ፡ ከምቲ ዓመት መጸ ዝግበር፡ ሎሚ ዓመት 2009 ዓ.ም. ከኣ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትሪያርክ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ፣ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ዞባ ማእከል፣ ብዙኃት መምህራንን ሊቃውንትን፡ ካህናትን ዲያቆናትን፡ ሕፃናትን መንእሰያትን ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተባዒሉ። ነቲ በዓል ዝምልከት ስብሐት እግዚአብሔር ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ 9፡00 ቅድመ ቀትሪ ምስ በጽሐ፡ ሥርዓተ ዑደተ ታቦት ተገይሩ። ታቦት ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ ሊቃውንት መዘምራንን ተማሃሮ ትምህርት ሰንበትን ብተኸታታሊ ጣዕመ ዝማሬ ኣስሚዖም።

ቀጺሎም ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ተ/ኃላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየነ፡ “መልክዐኛ ርግቢ” ብዝብል ኣርእስቲ ንክብርን ንጽሕናን ኣማላድነትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽ ሰፊሕን ዓሚቝን መንፈሳዊ ትምህርቲ ሂቦም።

ኣብ መወዳእታ ብብፁዓን ኣቦታት ቃለ ቡራኬን ጸሎትን ምስ ተዋህበ፡ ብመሪሕነት ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ካብ 12፡00 ድ.ቀ ክሳዕ 2፡30 ድ.ቀ. ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። በዚ ኸኣ ፍጻሜ’ቲ በዓል ኮነ።
***

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195