banner

ሓዋርያ ቅዱስ እንድርያስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሓዋርያ ቅዱስ እንድርያስ - ‘በኵረ ሓዋርያት፡ ተባዕ ለመስቀል’

• ‘እንድርያስ’ ማለት ‘በኵረ ሓዋርያት’ ማለት እዩ።
ቅዱስ እንድርያስ ኃው ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ኣብ ዓዱ ቤተ ሳይዳ ብምግፋፍ ዓሣ ይናበር ነበረ ። ‘እንድርያስ’ ማለት በኵረ ሓዋርያት - ብመጀመርታ ዝተጸወዐ ሓዋርያ ማለት እዩ። (ዮሓ. 1፡35-45) ቅዱስ እንድርያስ፡ ኣቐዲሙ ወደ መዝሙር ዮሓንስ መጥምቅ ነበረ። መምህሩ ዮሓንስ መጥምቅ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኪኃልፍ ከሎ ርእዩ “እንሆ ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ክብል ምስ ሰምዖ፡ ብኡ ንብኡ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓቦ። ንኃዉ ጴጥሮስ ድማ ‘ረከብናሁ ለማስያስ ዘበትርጓሜሁ ይብልዎ ክርስቶስ/ ነቲ መሲሕ ክርስቶስ ዝትርጕሙ ረኺብናዮ’ ኢሉ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወሰዶ።

ሓዋርያ እንድርያስ፡ ምስቶም ዓሠርተው ሓደ ደቀ መዛሙርት ንዅሉ ገዲፉ ብምስዓብ፡ ጐይታ ኣብ ዝወዓሎ ይውዕልን ኣብ ዝኃደሮ ይኃድርን ነበረ። ኣብ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝተገልጸ፡ ነቲ ዝበርከተ ኃሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣ ንናብ ጐይታ ኣቕሪቡ ዘባረኸ ንሱ እዩ። (ዮሓ. 6፡8) እቶም ካብ ሰብ ግሪኽ ካብቶም ኣረማውያን ተፈልዮም ኪሰግዱ ኣብ በዓል ፋሲካ ዝመጽኡ ሕዝቢ፡ ‘ንጐይታ ኢየሱስ ክንርእዮ ንደሊ ኢና’ ምስ በሉ፡ ተቐቢሉ ምስ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘራኸቦም ንሱ እዩ። (ዮሓ. 12፡20-22)

• ‘እንድርያስ’ ማለት ተባዕ ለመስቀል ማለት እዩ።
ሓዋርያ እንድርያስ፡ ድኅሪ ዕርገት ክርስቶስ ኣብ ሀገረ ስብከቱ ልድያን ዝተፈላለያ ሀገረ ስብከታትን ቃለ ወንጌል እናሰበኸ፡ ዕፁብ ድንቂ ተኣምራት እናገበረን ትሩፋት እናፈጸመን ነቶም ሕዝቢ ካብ ኣምልኮተ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር፡ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ድማ ናብ ገቢረ ጽድቂ ይመልሶም ነበረ።

ጣዕመ ስብከቱን ዜና ተኣምራቱን ናብ ኵለን ሀገረ ስብከታት ምስ በጽሐ፡ በቶም ልቡናኦም ዝዓጸዉ ሰባት ብዙኅ ጸዋትወ መከራ ወረዶ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ግሪኽ፡ ዞባ ኣካይያ ጳጥራስ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ብ4 ታኅሣሥ ካብ ቤት ማእሠርቲ ኣውፂኦም ብመልክዕ x (ኤክስ) ፊደል ኣብ መስቀል ሰቒሎም፡ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ክሳዕ እትፍለ ብዳርባ እምኒ ቀጥቂጦም ብሰማዕትነት ኣኅለፍዎ። በረኸት ተሳተፉ ዝበሎም ምእመናን ከኣ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ብኽብሪ ቐበርዎ።

በረኸት ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ምስ ኵልና ይኹን።

ሰላም ለከ ረድአ ኢየሱስ ኬንያ፣

እንተ ሰበከ ወንጌሎ ወመሀርከ በኒቆምድያ፣

እዜምር ለከ ወእየብብ በሃሌ ሉያ፣

አንቅሐኒ እምሀኬትየ እንድርያስ ሐዋርያ፣

ከመ በእዴከ ነቅሐት እሙታን ልድያ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር
* * *

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195