banner

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ከተማ ሎንደን ጉባኤ ውሉደ ክህነት ኣቃኒዑ!

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ከተማ ሎንደን  ጉባኤ ውሉደ ክህነት ኣቃኒዑ! 

ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ሰንበት 2 ታኅሣሥ 2009 ዓ.ም፣ ኣብ ታሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ከተማ ሎንደን ኣብ ዝተሠርዐ ጸሎተ ቅዳሴ ድኅሪ ምስታፉ፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝርከቡ ኵሎም ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ዝተወከሉ ዕሥራን ኃሙሽተን ሊቃውንትን ካህናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 110 ውሉደ ክህነት ዝተሳተፍዎ ዓቢይ ጉባኤ ኣብ ሓድሽ ሕንፃ ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ከተማ ሎንደን ኣቃኒዑ።

ዕላማ እዚ ጉባኤ’ዚ ብዛዕባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ዝምልከቱ ጕዳያት ምዝርራብን፣ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ መንጎ ውሉደ ክህነት ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ዘይምርድዳእ፡ ኣብ ኣገልግሎትን ጕስነትን እዘን ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ዝስዓቦ ፈተናን ከቢድ ዕንቅፋትን ገምጊምካ ብመንፈሳዊ መንገዲ ንምፍታሕ እዩ።

ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ድማ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ እቲ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ ዝነበረ ምፍልላይ ብፍቕርን ሰላምን ብይቕረ ይቕረን ክዕጾ ከሎ፣ ኵሎም ኣገልገልቲ ድማ ሓድነቶም ኣደልዲሎም ንሕዝቦም ኣርኣያ ኮይኖም ጕስነቶም ኣጽኒዖም ንቕድሚት ክጥምቱ ኣብ ደምዳሚ ሓሳብ ተበጺሑ። እቲ ጉባኤ ብምስጋና መዝሙርን ጸሎትን ምስ ተዛዘመ፡ ብፍሡሕ ገጽ ዝተገብረ መንፈሳዊ ሰላምታ ንኵሉ ተጋባኢ ዘሐጐሰን፣ እቲ ምፍልላይ ክሳብ ክንደይ ንውሉደ ክህነት ኣሕሚሙ ከምዝጸንሐን ዘረጋገጸ እዩ ነይሩ።

ብዘይካ’ዚ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ካብ ከተማ ሎንደን ኣስታት 300 ኪ.ሜ ንምዕራብ ርሒቓ ኣብ ትርከብ ከተማ ፕለመዝ ዘላ ማኅበር በዓታ ለማርያም ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል በዓታ ለማርያም ተሳቲፉ። ነቶም ዝበዝኁ መንእሰያት ዝኾኑ ኣባላት እዛ ማኅበር’ዚኣ ቡራኬን መተባብዒ ምዕዳንን ሂቡ። ንምእመናን ሕዝብና ዝግልገለሉ ቤተ ክርስቲያን ብምሃብ ብኣባታዊ ቡራኬኦም ዘይፍለይዎ ግብጻዊ ኣባ ካርሎስ ኣመስጊኑ። ኣባ ካርሎስ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኣብ ሕዝቢ ኤርትራ ዘሎ ጽንዓትን ፍቕርን ሃይማኖት ከምዘደንቖም ብምጥቃስ፣ ንመጻኢ’ውን ዓቕሞም ከበርክቱ ድልው ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ብተወሳኺ’ውን ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብታ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመት ዝተገዝአትን፣ ኣገልግሎት ንምሃብ ሕንፃዊ ምትዕርራይ ዝግበረላ ዘሎን ሓዳስ ሕንፃ ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ከተማ ሎንደን ብምብጻሕ ሕንፃዊ ሥርሓታ ተመልኪቱ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195