banner

ቅዱስ አቡነ ኣብርሃም ሶርያዊ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ አቡነ ኣብርሃም ሶርያዊ

አቡነ ኣብርሃም ሶርያዊ ፡ ሃብታም ነጋዳይ ኮይኑ ብሥራሕ ንግዲ ብዙኅ ጊዜ ንግብጽ ይመላለስ ብምንባሩ ኣብ መወዳእታ ጠቕሊሉ ግብጽ ኣተወ። ኣቡነ ኣብርሃም ፍርሃት እግዚአብሔር ዘለዎ መፍቀሬ ነዳያን ምዃኑ ብዅሉ ተፈልጠ። መበል 61 ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ ምስ ዓረፈ አበው ሊቃነ ጳጳሳትን መምህራንን ውሉደ ክህነትን ንሊቀ ጳጳስነት መረጽዎ። ንሱ'ውን ኵሉ ንብረቱ ንድኻታትን ጽጉማትን መጽዊቱ ብፍቓድ እግዚአብሔር ኣብ መንበረ ማርቆስ ብፓትርያርክነት ተሾመ።


ኣብ ጊዜኡ ንምእመናን ካብ ኵሉ ግብረ ክፍኣት ተዓቂቦም ብሕይወት ቅድስና ክነብሩ ይምዕድን ይግሥፅን ብትብዓት ይጓስን ነበረ።
ኣብቲ ጊዜ'ቲ ንሓለቓ ሠራዊት ንጉሥ ግብጺ ኣይሁዳዊ ዓርኪ ነበሮ ። እዚ ኣይሁዳዊ ብመንገዲ ዓርኩ ኣቢሉ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ፡ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣብርሃምን ኣባ ሳዊሮስን ተራኺቡ ክኻታዕ ፍቓድ ረኸበ። እዞም ሊቀ ጳጳሳት ብቓል መጽሓፍ ቅዱስ ረቲዖም ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ኣኅፈርዎ። በዚ ድማ ኽብሩ ንኺመልስ ንንጉሥ “እዞም ክርስቲያን እምነቶም መሠረት ዘይብሉ ሓሶት እዩ፡ ኣብ መጽሓፎም “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም ነዚ እምባ እዚ ‘ካብዚ ናብቲ ግዓዝ’ እንተ በልኩምዎ ይግዕዝ” ዝብል ኣሎ” በሎ።(ማቴ. 17፡20)

ንጉሥ ድማ ንኣቡነ ኣብርሃም ኣጸዊዑ ብሓቂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስኩም ከምዚ ዝብል ኣሎ' ኢሉ ምስ ሓተቶ። ኣቡነ ኣብርሃም ‘እወ ብሓቂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ኣሎ’ ኢሉ መለሰሉ። ንጉሥ ከኣ “ንስኻትኩም ብዙኃን ኢኹም ነዚ ነገር እዚ ሓደ ካባኻትኹም ወይ ድማ መራሒ ዅሎም ንስኻ ብምዃንካ ነዚ ነገር እዚ ብግብሪ ኣርእየኒ” በሎ። ኣቡነ ኣብርሃም ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዕድል ክህቦ ሓቲቱ፡ ንዅሎም ኣብ ቀረባ ዘለዉ ጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን መነኮሳትን ውሉደ ክህነትን ኣኺቡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ሱባዔ ኣተወ። ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ንግሆ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተገሊጻ ፡ “ኣጆኻ ኣይትፍራህ እግዚአብሔር ንጸሎትኩም ሰሚዕዎ እዩ፡ ናብ ዕዳጋ ገጹ ብዝጥምት መውፅኢ ምስ ትወፅእ ፡ ዕትሮ ማይ ዝተሰከመ ስምኦን ሰፋዪ ሣእኒ ዝበሃል ሓንቲ ዓይኑ ምእንቲ ቃለ እግዚአብሔር ዘውፅአ ክትረክብ ኢኻ እግዚአብሔር ነዚ ነገር እዚ ብእኡ ኪፍጸም ኃርይዎ እዩ” በለቶ። ኣቡነ ኣብርሃም ከምቲ ዝበለቶ ረኺቡ ዅሉ ዝተፈጸመ ነጊሩ “ንሕዝብኻ ኣድኅን” በሎ። ስምዖኦን ሰፋዪ ሣእኒ'ውን ኣብ እግሩ ወዲቑ ‘ ኣቦይ ኣነ ነዚ ዘይበቅዕ እየ፡ ፍቓድ እግዚአብሔር እንተኾይኑ ግና ነዚ ነገር እዚ ኣይተጋልጸኒ። ንስኻ ምስቶም ጳጳሳትን ኣብ ቅድሚት ድኅሬኻ ውሉደ ክህነት ልብሰ ተክህኖ ተኸዲኖም ማዕጠንቲ ኂዞም ብድኅሪኦም ድማ ምእመናን ይኾኑ፡ ኣነ ምስ ምእመናን ኽኸውን እየ '41 ጊዜ ኪርያላይሶን' ኢልና ምስ ወዳእና ብትእምርተ መስቀል ናብቲ ጎቦ ምስ ባረኽኻ ንሰግድ ከምዚ ድማ ን3ተ ጊዜ ንገብር። ንሕና ብሓደ መንጽር ናይቲ ጎቦ፡ ንጉሥ ምስ ሠራዊቱን ኣሕዛብን ድማ በቲ ሓደ መንጽር ጎቦ ንኸውን።” በሎ። 

ከምቲ ዝበሎ ንንጉሥ መልእኽቲ ኣመኃላሊፎም ኣንጊሆም ናብቲ ጎቦ ኸዱ። '41 ጊዜ ኪርያላይሶን' ኢሎም፡ ኣቡነ ኣብርሃም ብትእምርተ መስቀል ባሪኹ ሰጊዶም ምስ ዚትንሥኡ እቲ ጎቦ ይለዓል፣ ምስ ዝሰግዱ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ይምለስ ነበረ። እዚ ተኣምር እዚ ሠለስተ ጊዜ ምስ ኮነ እቲ ንጉሥን ኣሕዛብን ኣዚዮም ፈርሁ፡ ክርስትና ድማ ሓቀኛ እምነት ምዃኑ ፈለጡ።

እቲ ንጉሥ ንኣቡነ ኣብርሃም ጸዊዑ “ዝደለኻዮ ሕተት” በሎ። ኣቡነ ኣብርሃም ግና ዋላ ሓንቲ ኣይሓተተን። ግዲ ምስ በሎ ግና ኣብያተ ክርስቲያን ኪሓንፀሉ ብፍላይ ድማ ናይ ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት ቤተ ክርስቲያን ኪሓንፀሉ ሓተቶ። እቲ ንጉሥ ተሓጕሱ ብዙኅ ገንዘብን ንዋያትን ክህቦ እንተበለ፡ ኣቡነ ኣብርሃም ግና ንንጉሥ ‘እግዚአብሔር መዋዕልካ የንውኃዮ ዝኾነ ነገር ኣይቅበልን እየ’ በሎ። በዚ እቲ ንጉሥ ኣዝዩ ተሓጕሱ ፡ ነቲ ዝሓተቶ ምሕናፅ ቤተ ክርስቲያን ካብ ተጻባእቲ እናተኸላኸለ ኣሕነፀሉ።

ኣቡነ ኣብርሃም ኣብ መዋዕሉ ብሰላም ንሕዝቡ እናጓሰየ ሠናይ ገድሉ ተጋዲሉ፡ ኣብ መንበረ ማርቆስ ን3 ዓመትን 6 መዓልትን ድኅሪ ምጽንሑ፡ 6 ታኅሣሥ ብሰላም  ዓረፈ።

በረኸቱ ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195