banner

መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ መግለጺ ኃዘንን መልእኽቲ ምጽንናዕን ናብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ልኢኹ!

መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ መግለጺ ኃዘንን መልእኽቲ ምጽንናዕን ናብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ልኢኹ!

መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ነቲ ብሰንበት 2 ታኅሣሰ 2009 ዓ.ም.ግ. (11 ታኅሣሥ 2016 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ግብጻዊት ቅዱስ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ቤተ ክርስቲያን (ካይሮ) ዘጋጠመ ሰይጣናዊ ተግባር ብምዅናን፡ ዝተሰምዖ ዓሚቝ ኃዘንን መልእኽቲ ምጽንናዕን ናብ ኮፕቲክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ልኢኹ።

መንበረ ፓትርያርክ ኣብ መልእኽቱ “እቲ ዚቐትለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት ዜቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ።” ዮሐ. 16፡2 ዝብል ጥቕሲ ብምጥቃስ፡ ‘ንዓመታት ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጕዕዞ መስቀልን ሰማዕትነትን ዝተመሥረተ ቅኑዕ ጕዕዞ መስቀል ከምዘለዋ መጠን፡ በዚ ዘጋጠመ ኵነታት እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቶም ዝሞቱ ዕረፍቲ ነፍሲ፡ ንዝተጐድኡ ፍጽም ጥዕና፡ ንሥድራ ቤቶም ምጽንናዕ፡ ንቤተ ክርስቲያን ድማ ሓድነት ክህብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስ ኵሎም ኣብ ጸሎት ኃቢራ ከምዘላ ገሊጹ። 

በዚ ብ2 ታኅሣሥ 2009 ዓ.ም.ግ. (11 ታኅሣሥ 2016 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ተግባር፡ ልዕሊ 25 ክሞቱ ከለዉ ልዕሊ 80 ድማ ከም ዝቈሰሉ ይፍለጥ። 

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195