banner

ሓዋርያዊ ዑደት ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ብጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ!

ሓዋርያዊ ዑደት ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ብጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ!

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘካይዶ ዘሎ ሓዋርያዊ ዑደቱ፣ ዕዉት ጉባኤያት የቓንዕን፡ ጸሎተ ቅዳሴ እናሠርዐ ሕዝበ ክርስቲያን የጸናንዕን ቡራኬ ይህብን ኣሎ።
ብዕለት 9 ታኅሣሥ 2009 ዓ.ም (18/12/2016 ዓ.ም.ፈ.) ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝመራሕ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ምስ ካህናትን ሰበኻ ጉባኤታትን ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያን በርሚንግሃም ድኅሪ ዝገበሮ ሰፊሕ ምዝርራብን ምምኽኻርን፣ እዞም ብዘኅዝን ኵነታት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኣገልገልቲ ናይዘን ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያን ነቲ ዝጸንሖም ፍልልይ ኣልዮም፣ ይቕረ ይቕረ ብምብህሃል ብሰላምን ሓድነትን ሕዝቦም ከገልግሉን ክግልገሉን ተሰማሚዖም።

ነዚ ዝተበጽሐ ሰላምን ምርድዳእን ድማ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ነቲ ካብ ሠለስተአን ኣብያተ ክርስቲያን ብሓድነት ተጋቢኡ ንንነዊኅ ሰዓታት ብሃንቀውታ ክጽበ ዝጸንሐ ሕዝቢ ኣበሢሮም። ካብ ጊዜ ምፍልላይ እዘን ኣብያተ ክርስቲያን ጀሚሮም ብዝተፈላለየ መንገዲ ክመርሑ ዝጸንሑ ኣገልገልትን ገለ ኣባላት ምምኅዳር ሰበኻ ጉባኤያትን ኣብ ሕዝቢ ቀሪቦም ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ንዘቐየምዎ ሕዝቢ ይቕሬታ ድኅሪ ምሕታት፣ ካብ ሕጂ ንደኃር ብፍቕርን ሰላምን ሕዝቦም ከገልግሉን ክመርሑን ድልዋት ምህላዎም ገሊጾም። ሕዝቢ ድማ ብውዕዉዕ መንፈስ፡ ዕልልታን ጣቒዕትን ሓጐሱ ብምግላጽ፣ ነዚ ዘርኣዮ እግዚኣብሔር ኣምላኹ ኣመስጊኑ።

ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ምዕጻው ናይዚ ጉባኤ ሰላምን ሓጐስን’ዚ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምዕዳን፦ “ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ሰላምን ሓድነትን ብምዃኑ በቲ ካብ ሥጋዊ ዓለም ናብ ቤተ ክርስቲያን ኂዝናዮ ዝመጻና ጕዳያትና ክንፈላለ ፈጺሙ ኣይግባእን እዩ። ክርስቲያን ዘበለ ብወገን ኮነ ብዓሌት ክፈላለን ክረሓሓቕን ከሎ ዓቢይ በደል እዩ” ድኅሪ ምባል ‘ኣብዘን ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ዘለዋ ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያን ዘሎና ሕዝበ ክርስቲያን፡ ከም ደቂ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ናተይ ናትካ ከይተበሃሃልና ሰሰባኻና ተነጺሩ ክንበጻጻሕ፣ ክንነጋገድ፣ ኣብ ኵለን ሰላም ለኪ ክንብል፣ ከም ኣኅዋት ተፋቒርና ክንጓዓዝ ይግብኣና” ኢሎም።
 

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብዚ ናይ ከተማ በርሚንግሃም ጻንሖቱ፦ እቲ ኣብ ከተማ ኮቨንተሪ ኣብ ዝርከብ ደብረ ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን ከፈላልይ ዝጸንሐ ጉዳይ ብውሽጣዊ ተበግሶ ብዝቖመ ሽማግለ ዕርቂ ከምዝተፈትሐ ዘረጋግጽ ብቃልን ብጽሑፍን ቀሪብሉ። ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ድማ ምኽርን ቡራኬን ብምሃብ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ምላሽ ሂቦም።
ከምኡ ኸኣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ግቡኦም ኣማሊኦምን ተጠርኒፎምን ዝጸንሑ ማኅበር፡ ነቲ ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ብስም ቅዱስ ቂርቆስ ታቦት ባሪኾም ።
ብዘይካ’ዚ’ውን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ ብዕለት 8 ታኅሣሥ 2009 ዓ.ም (17/12/2016 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ መንበረ ጸባዖት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ሎንደን ሓድሽ ታቦት ባሪኾም ከእትዉ ከለዉ፣ ኣብቲ ዝተሠርዐ ጸሎተ ቅዳሴን ክብረ በዓልን ብምስታፍ ከኣ ቡራኬ ሂቦም። ኣብዚ ዕለት ድማ ነቶም ብትግሃት መምህሮም ኣብ ልዕሊ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ቀለም እናተማህሩ ምጽንሖም፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታትን ኮሌጃትን ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ዝቕጽሉ ዘለዉ ብመንፈሳዊ ትምህርቶምን ሥነ ምግባሮምን ብቑዓት ኮይኖም ንዝተረኽቡ ትሽዓት ተማሃሮ ከተማ በርሚንግሃም መዓርገ ዲቁና ሠይሞም።

ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ ንጽባሒቱ 9 ታኅሣሥ 2009 ዓ.ም (18/12/2016 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ኣብ ዝተሠርዐ ጸሎተ ቅዳሴ ብምስታፍ ንልዕሊ 500 ዝኸውን ሕዝበ ክርስቲያን ቡራኬ ሂቦም።

ብመሠረት መርሐ ግብር ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሓዋርያዊ ዑደቱ ኪቕጽል ምዃኑ ይፍለጥ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195